ትንቢት ኢሳይያስ 43

BCVትግርኛ28 ፍቕድታት4:30 ስማዕ
ስማዕ 4:30 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ሕዚ ግና ኦ ያእቆብ፥ እቲ ዝፈጠረካ፥ ኦ እስራኤል፥ እቲ ዝሰርሐካ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ተቤዚወካ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ብስምካ ፀዋዕኩኻ፤ ንስኻ ናተይ ኢኻ።

2ብውሽጢ ማያት እንትትሓልፍ፥ ምሳኻ ክኸውን እየ፤ ብውሕጅ እንትትሳገር፥ ኣየስጥመካን እዩ፤ ብማእኸል ሓዊ እንተ ኸድካ ኸዓ፥ ኣየንድደካን እዩ፤ እቲ ነበልባሉውን ኣየቃፅለካን እዩ።

3ኣነ ናይ እስራኤል ቅዱስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ መድሓኒኻ እየ። ንግብፂ ንኣኻ ቤዛ ገይረ፥ ንኢትዮጵያን ሳባን ክንዲ ኽንዳኻ ሃብኩ።”

4“ኣብ ኣዒንተይ ብሉፅን ክቡርን ስለ ዝኾንካን፥ ስለ ዘፍቀርኩኻን፥ ክንዲ ኽንዳኻ ሰባት፥ ክንዲ ህይወትካ ድማ ህዝብታት ክህብ እየ።

5ምሳኻ እየ እሞ ኣይትፍራሕ።” “ንዘርእኻ ኻብ ምብራቕ ከምፅኦም፥ ካብ ምዕራብ ከዓ ኽኣኻኽበካ እየ።

6ንሰሜን ‘ኣምፅእ’፥ ንደቡብ ከዓ ‘ኣይትኽላእ’ ክብሎ እየ። ነወዳተይ ካብ ርሑቕ፥ ነዋልደይ ካብ ወሰን ምድሪ፥

7ኵሉ እቲ ብስመይ ዝተፀውዐ፥ ንኽብረይ ዝፈጠርክዎን ዝሰራሕኹዎን ዝገበርኩዎን፥ ኣምፅእ” ክብሎ እየ።

8“ነቶም ኣዒንቲ ዘለውዎም ዕዉራት ህዝቢ፥ ኣእዛን ዘለውዎም፥ ፀማማት ዝኾኑ ህዝቢ ኣውፅእ።

9ኵሎም ኣህዛብ ብሓደ ይተኣከቡ፤ ህዝብታትውን ይተኣከቡ፤ ካብ ማእኸሎም ብዛዕባ እዝ ሕዚ ዝኸውን ዘሎ፥ ኣቐዲሙ ትንቢት ዝተዛረበ ኣየናይ እዩ? ሰብ ሰሚዑ ‘ሓቂ እዩ’ ምእንቲ ኽብልስ እስኪ ምስክሮም የቕርቡ፤ ሰሚዖምውን ‘ሓቂ እዩ’ ይበሉ።”

10“ኦ እስራኤል፥ ኣምላኽኩም ኣነ በይነይ ከም ዝኾንኩ፥ ምእንቲ ኽተስተውዕሉን ክትፈልጡን ንስኻትኩም መሰኻኽረይን፥ ዝሓረኹኹም ባሮተይን ኢኹም፤ ይብል እግዚኣብሄር። ብዘይ ዘኣይ ካልእ ኣምላኽ የለን፤ ድሕሪ ሕዚውን ኣይህሉን እዩ።”

11“ኣነ፥ ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ብዘይ ዘኣይ ዘድሕን የለን።

12ኣነ እየ ዝነገርኩ፥ ዘድሓንኩ፥ ዘርአኹ፥ ካልእ ኣምላኽ ድማ፥ ኣብ ማእኸልኩም ኣይነበረን። ንስኻትኩም ከዓ መሰኻኽረይ ኢኹም፤ ኣነ ኣምላኽ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።

13ካብ ጥንቲ፥ እግዚኣብሄር ኣነ እየ፤ ካብ ኢደይ ከናግፍ ዝኽእልውን የለን፤ ነቲ ኣነ ዝገብሮ ክኽልክል ዝኽእልከ መን እዩ?”

14ናይ እስራኤል ቅዱስ ተቤዛዊኹም እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ምእንታኻትኩም ናብ ባቢሎን ልኢኸ እየ፤ በተን ዝምክሑለን መራኽብውን፥ ንዅሎም ባቢሎናውያን ሰጒጐ ኸህድሞም እየ።

15እግዚኣብሄር፥ እቲ ቕዱስኩም፥ ናይ እስራኤል ፈጣሪ፥ ንጉስኩም ኣነ እየ።”

16ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ጐደና፥ ኣብ ብርቱዕ ማያት ከዓ፥ መሰጋገሪ ዝገበረ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦

17መሊሶም ከይትስኡ፥ ኵላቶም ብሓደ ኽወድቑ፥ ከም መብራህቲ ጥዋፍ ክጠፍኡ እዮም፤ ነቶም ሰረገላታትን ኣፍራስን ዝነበርዎም፥ ጀጋኑን ሰራዊትን ብሓደ ኽወፁ ዝገበረ፥ ከምዙይ ይብል፦

18“ነቲ ቐደም ዝነበረ ኣይትዘክሩ፤ ነቲ ናይ ጥንቲ ኸዓ ኣይትሕሰቡ።

19እንሆ፥ ሓድሽ ነገር ክገብር እየ፤ ንሱውን ሕዚ ኽበቍል እዩ፤ ንስኻትኩምውን ኣይትፈልጥዎን ዲኹም? መንገዲ ኣብ ምድረ በዳ፥ ወሓይዝ ድማ ኣብ ምድሪ ኣፃምእ ክገብር እየ።

20እቲ ዝሓረኽዎ ህዝበይ ምእንቲ ኽሰቲ፥ ማይ ኣብ ምድረ በዳ፥ ወሓይዝውን ኣብቲ ምድሪ ኣፃምእ ክህብ እየሞ፥ እንስሳ በረኻን፥ ወኻርያን ሰገንን ከዓ፥ ከኽብሩኒ እዮም።

21እቲ ንኣይ ዝፈጠርክዎ ህዝቢ፥ ምስጋናይ ክናገር እዩ።”

22“ያእቆብ ንስኻ ግና ኣይፀዋዕኻንን፤ ኣታ እስራኤል ብዛዕባይ ሸለል በልካ።

23ንዝቃፀል መስዋእቲ በጊዕ ኣየቕረብካለይን፤ ብመስዋእትታትካ ድማ ኣየኽበርካንን። ኣነ ብእኽሊ ቝርባን ኣየሸገርኩኻን፤ ‘ዕጣን ኣቕርበለይ’ ኢለውን ኣየሰልከኹኻን።

24ጥዑም መዓዛ ዘለዎ ዕጣን ቀረፋ፥ ብገንዘብ ኣይዓደግካለይን፤ ብስብሒ መስዋእትኻውን ኣየፅገብካንን። እኳ ደኣ ብሓጢኣትካ ሸኽሚ ኾንካኒ፤ ብበደልካ ድማ ኣድከምካኒ።

25ኣነ፥ ኣነ እየ ስለ ርእሰይ ኢለ፥ ሓጢኣትካ ዝድምስስ፤ መሊሰ ኸዓ ሓጢኣትካ ኣይዝክርን።”

26“ኣዘክረኒ እሞ ንስንሳትና ንማጐት፤ ክትፀድቕስ ጭብጥኻ ኣቕርብ።

27እቲ ቐዳማይ ኣቦኻ ሓጢኣት ገበረ፤ መምህራንካ ድማ በደሉኒ።

28ስለዙይ ንኣሕሉቕ ቤተ መቕደስካ ኣርከስክዎም፤ ንያእቆብ ንርግማን፥ ንእስራኤል ድማ ንፀርፊ ኣሕሊፈ ሃብክዎ።”

ትርጓሜ

43:1-7 ሞገስን ሰናይ ፍቓድን ኣምላኽ ንህዝቡ ንኹሎም ምእመናን ልዑል ምጽንናዕ የቕርብ። እቲ ሓዳስ ፍጥረት ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ናይ ኣምላኽ ፍጥረት እዩ። እቶም ብደም ወዱ ዝተበጀዉ ኩሎም ንርእሱ ፈልይዎም ኣሎ። እቶም ኣምላኽ ዝወገኖም፡ መን ወይ እንታይ ክጻረሮም ከም ዝኽእል ክፈርሁ የብሎምን። ግብጽን ኢትዮጵያን፡ ኩሉ ህይወቶምን ሃብቶምን ምስ ደም ክርስቶስ እንተተነጻጸሩ እንታይ እዮም? ሓቀኛታት ምእመናን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡራት እዮም፤ ካብ ዝኾነ ይኹን ህዝቢ ንላዕሊ ሓጎሱ ብኣኦም እዩ። ብሓውን ማይን ዝሓለፉ እኳ እንተኾኑ፡ ኣምላኽ ምሳኦም ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ምንም ክፉእ ክፈርሁ ኣየድልዮምን፤ ክድገፉን ክወጹን እዮም። እቶም እሙናት ይተባብዑ። ካብ ኩሉ ወገን ክእከቡ ነበሮም። ነብዪ ድማ ነዚ ባህ ዘብል ዕላማ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እንደገና ካብ ሻቕሎትን ፍርሃትን የቑርጽ።

43:8-13 ኣምለኽቲ ጣኦት ንጣኦታቶም ክከላኸሉ ክቐርቡ ተጸዊዖም ኣለዉ። እቶም ዝሰርሕዎምን ብኣታቶም ዝምርኮሱን ከምኦም እዮም። መልክዕን ክእለታትን ሰብ ኣለዎም፤ ግናኸ ልቡና የብሎምን። ግን ህዝቢ ኣምላኽ ሓይሊ ጸጋኡ፡ ጣዕሚ ምጽንናዑ፡ ፍቕራዊ ተኸናኻኒ ምድላዉ፡ ከምኡውን ሓቂ ተስፋኡ ይፈልጡ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG አሁንም ያዕቆብ ሆይ፥ የፈጠረህ፥ እስራኤልም ሆይ፥ የሠራህ እግዚአብሔር እንዲህ ይላል፦ ተቤዥቼሃለሁና አትፍራ፤ በስምህም ጠርቼሃለሁ፥ አንተ የእኔ ነህ። አማርኛ ENGNIV But now, this is what the Lord says– he who created you, O Jacob, he who formed you, O Israel: “Fear not, for I have re… English GAZBIB Amma garuu yaa Yaaqoob, yaa Israa'el, Waaqayyo inni si uume, inni si tolches, “Ani si fureera hin sodaatin, “Ati kan ko… Afaan Oromoo BCV GIZ ወይእዜኒ ከመዝ ይቤ እግዚአብሔር አምላክ ዘገብረኪ ያዕቆብ ወዘፈጠረከ እስራኤል፦ ኢትፍራህ እንከ እስመ አድኀንኩከ ወሰመይኩ ስመከ ወዚአየ አንተ። giz GAZGAZ Amma garuu yaa Yaaqoob, yaa Israa'el, Waaqayyo inni si uume, inni si tolches, “Ani si fureera hin sodaatin, “Ati kan ko… Afaan Oromoo BCV aksum ሕዚ ግና ኦ ያእቆብ፥ እቲ ዝፈጠረካ፥ ኦ እስራኤል፥ እቲ ዝሰርሐካ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ተቤዚወካ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ብስምካ ፀዋዕኩኻ፤ ንስኻ ናተይ ኢኻ። ትግርኛ AMHNIV አሁን ግን፣ ያዕቆብ ሆይ! የፈጠረህ፤ እስራኤል ሆይ! የሠራህ፣ እግዚአብሔር እንዲህ ይላል፤ “ተቤዥቼሃለሁና አትፍራ፤ በስምህ ጠርቼሃለሁ፤ አንተ የእኔ ነህ፤ አማርኛ SWAHSUV Lakini sasa, Bwana aliyekuhuluku, Ee Yakobo, yeye aliyekuumba, Ee Israeli, asema hivi, Usiogope, maana nimekukomboa; ni… Kiswahili