1በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሸውዓተ ኣንስቲ ንሓደ ሰብኣይ ሒዘን፡ እንጌራና ክንበልዕ፡ ክዳውንትናውን ክንክደን ኢና። ጸርፊና ንምውጋድ ጥራይ ስምካ ንጽውዓ።
2በታ መዓልቲ እቲኣ ዕጫ እግዚኣብሄር ጽቡቕን ክቡርን ኪኸውን፡ ፍረ ምድሪ ድማ ነቶም ካብ እስራኤል ዘምለጡ ብሉጽን ፍቑርን ኪኸውን እዩ።
3ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቲ ኣብ ጽዮን ዝተረፈ፡ እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተረፈ ድማ፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ መንጎ ህያዋን ዝተጻሕፈ ኲሉ፡ ቅዱስ ኪብሃል እዩ።
4እግዚኣብሄር ነቲ ርስሓት ኣዋልድ ጽዮን ሓጺቡ፡ ደም የሩሳሌም ካብኣ ብመንፈስ ፍርድን ብመንፈስ ሓውን ምስ ኣጽረየ።
5እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኵሉ መሕደሪ ከረን ጽዮንን ኣብ ልዕሊ ማሕበራቱን ብመዓልቲ ደበናን ትክን ብለይቲ ድማ ብርሃን ሃልሃልታ ሓዊ ክፈጥር እዩ፣ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ክብሪ መሕብኢ ኪኸውን እዩ።
6ብመዓልቲ ከም ጽላሎት ኣንጻር ዋዒን ከም መዕቆቢን ካብ ህቦብላን ዝናምን መሕብኢ ድንኳን ኪኸውን እዩ።