ትንቢት ኢሳይያስ 33

BCV aksumትግርኛ23 ፍቕድታት4:17 ስማዕ
ስማዕ 4:17 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣታ እንተይጠፋእኻ እተጥፍእ፥ ኣታ እንተይተጠለምካ እትጠልም ወይለኻ! ምጥፋእ ምስ ሓደግካ ኽትጠፍእ ኢኻ፤ ወንጀል ምስ ሓደግካ ኽትውንጀል ኢኻ።

2ኦ እግዚኣብሄር፥ መሓረና፤ ንኣኻ ተስፋ ጌርና ኣለና። ኣብ ፀፅባሕ ቅልፅምና፥ ብጊዜ መከራ ኸዓ ምድሓን ኩነና።

3ህዝብታት ካብ ድምፂ ዋዕዋዕታ ዝተልዓለ ሃደሙ፤ ብምትሳእኻውን ኣህዛብ ተበተኑ።

4ኣንበጣ ኸም ዝእከብ፥ ዝዘመትኩምዎ ክእከብ እዩ፤ ኵብኵብታ ኸም ዝዘልል፥ ሰባት ክዘልሉ እዮም።

5እግዚኣብሄር ኣብ ኣርያም ይነብር እዩሞ ልዕል ልዕል በለ፤ ንፅዮን ብፍትሕን ብፅድቅን መልኣ።

6ኣብ ዘመናትካ ህድኣትን ብዝሒ ምድሓንን ፍልጠትን ጥበብን ክኸውን እዩ። ምፍራሕ እግዚኣብሄር ድማ መዝገቡ እዩ።

7እንሆ፥ ጀጋኑኦም ኣብ ደገ የእውዩ ኣለዉ፤ እቶም ናይ ሰላም ልኡኻት ከዓ፥ ኣምሪሮም ይበኽዩ ኣለዉ።

8ኣውራ መንገድታት ባደሙ፤ ሓላፊ መንገዲ ተስኣነ። ቃል ኪዳን ኣፍረሰ፤ ከተማታት ነዓቐ፤ ንሰብ ሓደ እኳ ኸም ሰብ ኣይረአዮን።

9እታ ምድሪ በኸየት፤ መንመነት፤ ሊባኖስ ሓፈረትን ፀምለወትን፤ ሳሮን ከም ምድረ በዳ ኾነ፥ ባሳንን ቀርሜሎስን ድማ ቘፅሎም ረገፈ።

10እግዚኣብሄር “ሕዚ ኽትስእ፥ ሕዚ ክኸብር፥ ሕዚ ልዕል ክብል እየ፤ ይብል ኣሎ።

11ሓሰር ጠነስኩም፤ ???ቕቡቕውን ወለድኩም፤ እስትንፋስኩም ከዓ ዝበልዐኩም ሓዊ እዩ።

12ህዝብታት ከምቲ ብሓዊ ዝነደደ ኖራ ኽነዱ፥ ከምቲ ተቘሪፁ ኣብ ሓዊ ሞዅ ዝብል ቈጥቋጥ እሾዅ ክኾኑ እዮም።

13ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘለኹም ዝገበርክዎ ስምዑ፤ ኣብ ቀረባ ዘለኹምውን፥ ሓይለይ ፍለጡ።”

14ኣብ ፅዮን ዘለዉ ሓጥኣን ፈሪሖም ኣለዉ፤ ንኽፉኣት ሰባት ድማ ራዕዲ ሒዝዎም ኣሎ፤ ካባናኸ ምስ ዝባላዕ ሓዊ፥ ክነብር ዝኽእል መን እዩ? ኻባናኸ ምስቲ ናይ ዘለኣለም ባርዕ፥ ክነብር ዝኽእል መን እዩ?

15እቲ ብፅድቂ ዝነብር፥ ቅንዕና ዝዛረብ፥ ገንዘብ ዓመፃ ዘይደሊ፥ ጉቦ ኸይቕበል ኢዱ ዝእክብ፥ ደም ምፍሳስ ከይሰምዕ እዝኑ ዝዓፁ፥ ክፉእ ከይርኢውን ኣዒንቱ ዝዕምት፥

16ንሱ ኣብ በሪኽ ቦታ ኽነብር፥ ፅኑዕ እምባታት ከዓ መፀግዒኡ ክኸውን፥ እንጀራኡ ድማ ኽረክብ እዩ፤ ማዩውን ኣይነፅፍን እዩ።

17ኣዒንትኻ ነቲ ንጉስ ብፅባቐኡ ኽሪኣኦ እየን፤ ርሑቕ ንዘላ ሃገርውን ክምልከታ እየን።

18ብልብኻ ድማ “ፀሓፊ ኣበይ ኣሎ? መዛኒኸ ኣበይ ኣሎ? ግንብታት ዝቘፅር ኣበይ ኣሎ?” እናበለ ዘፍርሕ ነገር ይሓስብ።

19ነቲ ጨካን ህዝቢ፥ ነቲ ዘይርዳእ ቋንቋ ዝዛረብ፥ ነቲ ዘይስማዕ ኰርታዕ ዝመልሓሱ ህዝቢ፥ ኣይትሪኦን ኢኻ።

20ንፅዮን፥ ነታ ናይ በዓላትና ኸተማ ተመልከታ፤ ኣዒንትኻ ናይ ሰላም መሕደሪ፥ ነታ ዘይትዘናበል ድንኳን፥ መታኽላ ንሓዋሩ ዘይንቀል፥ ኣውታራ ኸዓ ኸቶ ዘይብተኽ፥ ንዝኾነት ኢየሩሳሌም ክሪኣ እየን።

21ኣብኣተንውን እግዚኣብሄር ሰፋሕቲ ወሓይዝን ቦታ መስኖን ኮይኑ፥ ብግርማኡ ምሳና ክኸውን እዩ። ብመቕዘፍ ዝምርሓ መራኽብ ኣይኣትዋኣን፥ ዓበይቲ መራኽብውን ብኣኣ ኣይሓልፋን እየን።

22ኣግማድ ላሕሊሑ፥ ነቲ ደቐል ኣፅኒዑ ኣየትርሮን፥ ነቲ ጋንፅላ ኣይግትሮን። ሽዑ ዘመተ ክኸውን እዩ፤ ንሕናውን ብርቱዕ ምርኮ ኽንመቅል ኢና፤ ሓንካሳት እኳ ምርኮ ኽማርኹ እዮም። እግዚኣብሄር ፈራዲና፥ እግዚኣብሄር ሓጋግ ሕግና እዩ፤ እግዚኣብሄር ንጉስና እዩ እሞ፥ ንሱ ኸድሕነና እዩ።

24ካብቶም ኣብኣ ዝነብሩስ ሓደ እኳ “ሓሚመ” ዝብል ኣይህሉን። ኣብኣ ንዝቕመጡ ህዝቢ እውን በደሎም ይቕረ ክበሃለሎም እዩ።

ትርጓሜ

33:1-14 ኣብዚ ነቲ ትዕቢተኛን ሓሳውን ኣጥፋኢ ንኹሉ ግፍዕን ምትላልን ብቅንዕና ዝተወድኣሉ ንረክብ። እቲ ጻድቕ ኣምላኽ ሓያሎ ግዜ ንሓጥኣን ብገዛእ ተግባሮም ይመልሰሎም። እቶም ብእምነት ትሕትና ገይሮም ንኣምላኽ ዝጽበዩ፣ ንሱ ጸጋዊ ኮይኑ ይረኽብዎ፤ ከም ዕለቱ ኸኣ ብርታዐኦም ይኹን። ኣምላኽ ብዝኾነት ንግሆ ንርእስና እንተ ሓደገና፣ ንጠፍእ ኢና። ኩሉ ንግሆ ንርእስና ንእኡ ከነሕልፍ፣ ብብርታዐኡ ኸኣ ንዕለታዊ ዕዮና ክንወጽእ ኣሎና። ኣምላኽ ምስ ተንስአ፣ ጸላእቱ ይብትኑ። ሓቀኛ ጥበብን ፍልጠትን ናብ ሓይሊ ምድሓን የብጽሑና፣ እዚ ኸኣ ኣብ መገዲ ኣምላኽ ጽኑዓት ይገብረና። ሓቀኛ ኣምልኾ ኸኣ እቲ ፈጺሙ ዘይብዝበዝ ወይ ዘይወድእ እንኮ መዝገብ እዩ። እቲ የሩሳሌም ዝኣተወቶ ጸበባ ተገሊጹ ኣሎ። ኣምላኽ ንህዝቡ ዝግለጸሉ ግዜ ኩሎም ካልኦት ደገፍቲ ምስ ተሳእኑ እዩ። ኩሎም እቶም ኣምላኽ ዝገበሮ ዝሰምዑ፣ ንሱ ኩሉ ኽገብር ከም ዝኽእል ይእመኑ። ሓጥኣን ኣብ ጽዮን ካብ ካልኦት ሓጥኣን ንላዕሊ ብዙሕ መልሲ ኺህቡ ኣለዎም። እቶም ንትእዛዛት ቃል ኣምላኽ ዘዕልዩ ኸኣ፣ ብግዜ ጸበባኦም ምጽንናዑ ኺረኽቡ ኣይኽእሉን እዮም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG አንተ ሳትጠፋ የምታጠፋ፥ በአንተም ላይ ወንጀል ሳይደረግ ወንጀል የምታደርግ ወዮልህ! ማጥፋትን በተውህ ጊዜ ትጠፋለህ፤ መወንጀልንም በተውህ ጊዜ ይወነጅሉሃል። አማርኛ ENGNIV Woe to you, O destroyer, you who have not been destroyed! Woe to you, O traitor, you who have not been betrayed! When y… English BCV ኣታ እንተይጠፋእኻ እተጥፍእ፥ ኣታ እንተይተጠለምካ እትጠልም ወይለኻ! ምጥፋእ ምስ ሓደግካ ኽትጠፍእ ኢኻ፤ ወንጀል ምስ ሓደግካ ኽትውንጀል ኢኻ። ትግርኛ GAZBIB Yaa isa warra kaan balleessituu, ati ofii keetii amma iyyuu hin badne'o siif wayyoo! Utuu namni dabarsee si hin kennin,… Afaan Oromoo BCV GIZ አሌ ሎሙ ለእለ ያኀስሩክሙ ወለክሙሰ አልቦ ዘያኀስረክሙ፤ ዘሂ ዐለወ አኮ ኪያክሙ ዘዐለወ፤ ወይሠገሩ ዐላዊያን ወይእኅዝዎሙ ወከመ ቍንቍኔ ልብስ ከማሁ ይትበልዑ። giz GAZGAZ Yaa isa warra kaan balleessituu, ati ofii keetii amma iyyuu hin badne'o siif wayyoo! Utuu namni dabarsee si hin kennin,… Afaan Oromoo AMHNIV አንተ ሳትጠፋ የምታጠፋ፣ አንት አጥፊ፣ ወዮልህ! አንተ ሳትካድ የምትክድ፣ አንት ከዳተኛ፣ ወዮልህ! ማጥፋትን በተውህ ጊዜ፣ ትጠፋለህ፤ ክሕደትህንም በተውህ ጊዜ ትከዳለህ። አማርኛ SWAHSUV Ole wako uharibuye ila hukuharibiwa, utendaye hila wala hukutendwa hila! Utakapokwisha kuharibu, utaharibiwa wewe; na u… Kiswahili