ትንቢት ኢሳይያስ 31

BCV aksumትግርኛ9 ፍቕድታት2:36 ስማዕ
ስማዕ 2:36 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ናብ ናይ እስራኤል ቅዱስ ዘይምልከቱ፥ ንእግዚኣብሄርውን ዘይደልዩ፥ ግና ሓገዝ ደልዮም ናብ ግብፂ ንዝወርዱ፥ በፍራስ ንዝእመኑ፥ ብብዝሒ ሰረገላታት የመናውን ብርቱዓት ስለ ዝኾኑ፥ ብጕልበት ፈረሰኛታት ዝምክሑ ወይለኦም!

2ግና ንሱ ጠቢብ እዩ፤ ንኽፉእ ነገር የምፅኦ፤ ቃሉውን ኣይዓፅፍን። ኣብ ልዕሊ ገበርቲ ኽፉእን ኣብ ልዕሊ እቶም ሓገዝቲ ኽፉኣትን ክለዓል እዩ።

3ግብፃውያን ሰባት እዮም፥ ኣማልኽቲ ኣይኮኑን። ኣፍራሶም ከዓ ስጋ እምበር፥ መንፈስ ኣይኮኑን። እግዚኣብሄር ኢዱ እንትዝርግሕ እቲ ረዳኢ ይሰናኸል፤ እቲ ተረዳኢውን ይወድቕ፤ ኵላቶም ድማ ሓቢሮም ይጠፍኡ።

4እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “ኣንበሳን ሽደን ኣንበሳን፥ ብግዳዩ እንትጓዝም፥ ብዙሓት ጓሶት እኳ ተፀዋዊዖም እንተ መፅዎ፥ ብድምፆም ከም ዘይድንግፅ፥ ዋጭ ዋጭ ብምባሎም ከም ዘይፈርሕን፥ ከምኡ ኸዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ እምባ ፅዮንን ኣብ ኰረብታኣን፥ ምእንቲ ኽዋጋእ ክወርድ እዩ።

5ከምተን ዝነፍራ ኣዕዋፍ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከዓ፥ ንኢየሩሳሌም ከዕቝባ እዩ፤ እወ ኸዕቝባን ከናግፋን ክከላኸለላን ከድሕናን እየ።”

6“ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ናብቲ ኻብኡ እምብዛ ዝረሓቕኩምዎ ተመለሱ።

7በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ነቶም ኣእዳውኩም ንመሕጥኢ ዝሰርሓኦም ጣዖታት ብሩርን ወርቅን፥ ክትድርብዩ ኢኹም እሞ።

8ሽዑ ኣሶር፥ ናይ ሰብ ብዘይኮነ ሰይፊ ኽወድቕ እዩ፤ እቲ ናይ ሰብ ዘይኮነ ሰይፊ ኽበልዖ እዩ። ካብ ሰይፊ እውን ክሃድም እዩ፤ ኣጓብዙውን ባሮት ክኾኑ እዮም።

9ካብ ራዕዲ ዝተልዓለ፥ ፅኑዕ ዕርዲ ኽፈርስ እዩ፤ እቶም መራሕቱውን፥ ካብ ሰንደቕ ዕላማኡ ዝተልዓለ ኽድንግፁ እዮም” ይብል እቲ ሓዊኡ ኣብ ፅዮን፥ እቶኑ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝኾነ እግዚኣብሄር።

ትርጓሜ

31:1-5 ኣምላኽ ካብ ገበርቲ ዓመጽ ዝድለ ሓገዝ ክቃወሞ እዩ። ሓጥኣን ንጹርን ንርእሱ ዘረጋገጽን ሓቅታት፡ ክኽሕድዎ ዘይክእሉ እኳ እንተኾነ፡ ብዕሽነቶም ክቕየዱ ይኽእሉ እዮም፡ ግናኸ ኣይኣምኑን። ካብ ፍርድታት ኣምላኽ ምምላጥ የልቦን፣ እሞ እከይ ንሓጥኣን ይሰግቦም። እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ምእንቲ ደብረ ጽዮን ክዋጋእ ክወርድ እዩ። ኣንበሳ ኻብ ነገድ ይሁዳ ምእንቲ ምክልኻል ማሕበሩ ክግለጽ እዩ። ከምቶም ኣብ ልዕሊ ፍሩኻቶም ንምክልኻሎም ዝቕንጥጠቡ ኣዕዋፍ፡ ብኸምኡ ዝበለ ምሕረትን ፍቕርን እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ንኢየሩ…

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ስለ እርዳታ ወደ ግብፅ ለሚወርዱ በፈረሶችም ለሚደገፉ፥ ስለ ብዛታቸውም በሰረገሎች፥ እጅግ ብርቱዎችም ስለ ሆኑ በፈረሰኞች ለሚታመኑ፥ ወደ እስራኤልም ቅዱስ ለማይመለከቱ እግዚአብሔርንም ለማይ… አማርኛ ENGNIV Woe to those who go down to Egypt for help, who rely on horses, who trust in the multitude of their chariots and in the… English BCV ናብ ናይ እስራኤል ቅዱስ ዘይምልከቱ፥ ንእግዚኣብሄርውን ዘይደልዩ፥ ግና ሓገዝ ደልዮም ናብ ግብፂ ንዝወርዱ፥ በፍራስ ንዝእመኑ፥ ብብዝሒ ሰረገላታት የመናውን ብርቱዓት ስለ ዝኾኑ፥ ብጕልበት ፈ… ትግርኛ GAZBIB Warra, Gibxi biraa gargaarsa argachuudhaaf achitti gad bu'aniif, warra, fardeenitti irkataniif, warra, baay'ina konkola… Afaan Oromoo BCV GIZ አሌ ሎሙ ለእለ ይወርዱ ብሔረ ግብፅ ይርድእዎሙ ወይተአመኑ በአፍራሲሆሙ ወበሰረገላቲሆሙ እስመ ምሉእ አፍራሲሆሙ ወበዝኀ ፈድፋደ ወኢተወከሉ በቅዱሰ እስራኤል ወኢኀሠሥዎ ለእግዚአብሔር። giz GAZGAZ Warra, Gibxi biraa gargaarsa argachuudhaaf achitti gad bu'aniif, warra, fardeenitti irkataniif, warra, baay'ina konkola… Afaan Oromoo AMHNIV ወደ እስራኤል ቅዱስ ለማይመለከቱ፣ ከእግዚአብሔርም ርዳታን ለማይሹ፣ ነገር ግን፤ ለርዳታ ብለው ወደ ግብፅ ለሚወርዱ፣ በፈረሶች ለሚታመኑ፣ በሠረገሎቻቸው ብዛት፣ በፈረሶቻቸውም ታላቅ ብርታት … አማርኛ SWAHSUV Ole wao watelemkao kwenda Misri wapate msaada, na kutegemea farasi; watumainio magari kwa kuwa ni mengi, na wapanda far… Kiswahili