1ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፤ ልዕል ልዕል ከብለካ ንስምካውን ክውድሶ እየ፤ ነቲ ናይ ጥንቲ ዘደንቕ ምኽሪ፥ ብፍፁም ተኣማንነት ፈፂምካዮ ኢኻሞ።
2ነታ ኸተማ፥ ኩምራ እምኒ ገበርካያ፤ ነታ ዕርድቲ ኸተማ ኣፈራረስካያ፤ እታ ኣዳራሽ ጓኖት፥ ደጊም ከተማ ኣይትኸውንን፤ ንዘለኣለም ከዓ መሊሳ ኣይትስራሕን እያ።
3ስለዙይ እቶም ብርቱዓት ህዝቢ ከኽብሩኻ እዮም። ከተማ ናይ ጨካናት ኣህዛብ ከዓ፥ ክትፈርሐካ እያ።
4ንስኻ ንድኻ ዕርዲ፥ ንፅጉም ኣብ መከራኡ መፀግዒ፥ ካብ ፀፍዒ መዕቐሊ፥ ካብ ሃሩር መፅለሊ ኾንካ፤ እስትንፋስ ቍጥዓ ጨካናት፥ ከምቲ ንመንደቕ ዝወቅዕ ማዕበል እዩ እሞ።
5ከምቲ ኣብ ምድረ በዳ ንዘሎ ሃሩር እተህድኦ፥ ንስኻ ንድምፂ ጓኖት ስቕ ኣበልካዮ፤ ከምቲ ዋዒ ብፅላሎት ደመና ዝዝሕል፥ ንስኻ ኸዓ ንናይ ጨካናት ደርፊ ዓወት ተዝሕሎ።
6ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣብዝ እምባ እዙይ ንዅሎም ህዝብታት ብብሉፅ ወይንን ኣንጕዕ ብዝመልአ ስቡሕ ስጋን ብብርቱዕ ፅሩይ ወይንን ዓብዪ ምሳሕ ክገብር እዩ።
7ኣብ ልዕሊ እዝ እምባ እዙይ፥ ኣብ ኵሎም ህዝብታት ዝተዘርግሐ መጋረጃን ነቲ ንዅሎም ኣህዛብ ዘጐልበበ መሸፈንን ከጥፍኦ እዩ።
8ንሞት ንዘለኣለም ክውሕጦ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንንብዓት ከዓ ኻብ ናይ ኵሉ ገፅ ክሕብሶ እዩ፤ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩሞ፥ ንውርደት ህዝቡ ኻብ ገፅ ኵላ ምድሪ ኸወግዶ እዩ።
9በታ መዓልቲ እቲኣ “እንሆ፥ ኣምላኽና እዙይ እዩ! ተስፋና ኣብኡ ገበርና፤ ንሱ ኸዓ ኸድሕነና እዩ፤ እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ ተስፋና ኣብኡ ገበርና፤ ብምድሓኑ ንተሓጐስ፤ ደስውን ይበለና” ክበሃል እዩ።
10ኢድ እግዚኣብሄር ኣብዝ እምባ እዙይ ክትዓርፍ እያ እሞ፥ ከምቲ ሓሰር ኣብ ጭቃ ዝርገፅ፥ ሞኣብ ኣብ ስፍራኡ ኽርገፅ እዩ።
11ከምቲ ሓማሳይ ክሕምስ እንተሎ ኣእዳዉ ዝዝርግሕ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ማእኸሉ ኣእዳዉ ኽዝርግሕ እዩ። እግዚኣብሄር ግና ንትዕቢቱን ንተንኰል ኣእዳዉን ከዋርዶ እዩ።
12ነቲ ዝተዓረደን ልዕል ንዝበለ ፅኑዕ ቅፅርኻን ትሕት ከብሎን፥ ከዋርዶን እዩ፤ ክሳዕ ሓመድውን ናብ ምድሪ ኽድርብዮ እዩ።