ትንቢት ኢሳይያስ 25

BCVትግርኛ12 ፍቕድታት2:45 ስማዕ
ስማዕ 2:45 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፤ ልዕል ልዕል ከብለካ ንስምካውን ክውድሶ እየ፤ ነቲ ናይ ጥንቲ ዘደንቕ ምኽሪ፥ ብፍፁም ተኣማንነት ፈፂምካዮ ኢኻሞ።

2ነታ ኸተማ፥ ኩምራ እምኒ ገበርካያ፤ ነታ ዕርድቲ ኸተማ ኣፈራረስካያ፤ እታ ኣዳራሽ ጓኖት፥ ደጊም ከተማ ኣይትኸውንን፤ ንዘለኣለም ከዓ መሊሳ ኣይትስራሕን እያ።

3ስለዙይ እቶም ብርቱዓት ህዝቢ ከኽብሩኻ እዮም። ከተማ ናይ ጨካናት ኣህዛብ ከዓ፥ ክትፈርሐካ እያ።

4ንስኻ ንድኻ ዕርዲ፥ ንፅጉም ኣብ መከራኡ መፀግዒ፥ ካብ ፀፍዒ መዕቐሊ፥ ካብ ሃሩር መፅለሊ ኾንካ፤ እስትንፋስ ቍጥዓ ጨካናት፥ ከምቲ ንመንደቕ ዝወቅዕ ማዕበል እዩ እሞ።

5ከምቲ ኣብ ምድረ በዳ ንዘሎ ሃሩር እተህድኦ፥ ንስኻ ንድምፂ ጓኖት ስቕ ኣበልካዮ፤ ከምቲ ዋዒ ብፅላሎት ደመና ዝዝሕል፥ ንስኻ ኸዓ ንናይ ጨካናት ደርፊ ዓወት ተዝሕሎ።

6ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣብዝ እምባ እዙይ ንዅሎም ህዝብታት ብብሉፅ ወይንን ኣንጕዕ ብዝመልአ ስቡሕ ስጋን ብብርቱዕ ፅሩይ ወይንን ዓብዪ ምሳሕ ክገብር እዩ።

7ኣብ ልዕሊ እዝ እምባ እዙይ፥ ኣብ ኵሎም ህዝብታት ዝተዘርግሐ መጋረጃን ነቲ ንዅሎም ኣህዛብ ዘጐልበበ መሸፈንን ከጥፍኦ እዩ።

8ንሞት ንዘለኣለም ክውሕጦ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንንብዓት ከዓ ኻብ ናይ ኵሉ ገፅ ክሕብሶ እዩ፤ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩሞ፥ ንውርደት ህዝቡ ኻብ ገፅ ኵላ ምድሪ ኸወግዶ እዩ።

9በታ መዓልቲ እቲኣ “እንሆ፥ ኣምላኽና እዙይ እዩ! ተስፋና ኣብኡ ገበርና፤ ንሱ ኸዓ ኸድሕነና እዩ፤ እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ ተስፋና ኣብኡ ገበርና፤ ብምድሓኑ ንተሓጐስ፤ ደስውን ይበለና” ክበሃል እዩ።

10ኢድ እግዚኣብሄር ኣብዝ እምባ እዙይ ክትዓርፍ እያ እሞ፥ ከምቲ ሓሰር ኣብ ጭቃ ዝርገፅ፥ ሞኣብ ኣብ ስፍራኡ ኽርገፅ እዩ።

11ከምቲ ሓማሳይ ክሕምስ እንተሎ ኣእዳዉ ዝዝርግሕ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ማእኸሉ ኣእዳዉ ኽዝርግሕ እዩ። እግዚኣብሄር ግና ንትዕቢቱን ንተንኰል ኣእዳዉን ከዋርዶ እዩ።

12ነቲ ዝተዓረደን ልዕል ንዝበለ ፅኑዕ ቅፅርኻን ትሕት ከብሎን፥ ከዋርዶን እዩ፤ ክሳዕ ሓመድውን ናብ ምድሪ ኽድርብዮ እዩ።

ትርጓሜ

25:1-5 እዚ ንምድሓን ኣይሁድ ካብ ምርኮ እንተገለጸ እኳ፡ ንሱ ግን ብዝያዳ ናብቲ ንኣምላኽ ስለ ዓወታት ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ መንፈሳዊ ጸላእትናን ስለቲ ንኹሎም እቶም ዝኣምኑ ዝዳልዎ ምጽንናዕን ኪቐርብ ዝግብኦ ምስጋና ይጥምት ነይሩ። ሓቀኛ እምነት ንናይ እግዚኣብሔር ምስክርነት ብቐሊሉ ትኣምን፣ ከምኡውን ንቓሉ ምእንቲ ኺፍጽም ኣብ ሓቂኡ ትውከል። ኣምላኽ ንዕቡያትን ንዝተኣማመኑን ሓያላት ከም ዜዳኽሞም፡ ከምኡውን ንትሑታትን ኣብኡ ዝውከሉን ድኻታት የበርትዖም። ኣምላኽ ኣብ ኩሉ ኩነታት ንህዝቡ ይከላኸለሎም። እግዚኣብሔር ንኣብኡ ዝውከሉ ካብ ትዕቢት ጨቋንቲ ይዕቍቦም። ትዕቢቶም ግና ጩኸት ወጻእተኛታት ጥራይ እዩ፤ ከምቲ ብመንፈቕ መዓልቲ ዝጸርር ህቦታ ጸሓይ እዩ፤ ግን ጸሓይ ምስ ዓረበት ኣበይ ኣሎ? እግዚኣብሔር ኩሉ ግዜ ነይሩ፣ ንዘለኣለምውን መዕቍቢኦም ንዝተጨነቑ ምእመናን ኪኸውን እዩ። መዕቍቢ ምስ ኣዳልየሎም፣ ናብኡ ኪሃድሙ ይምህሮም።

25:6-8 ንስሓ ዝገበሩ ሓጥኣን ብፍቕሪ ምቕባል ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብብዙሕ ግዜ ምስ ድግስ ይመሳሰል እዩ። እቶም ዝተጸውዑ ጋሻታት ኩሎም ሰባት እዮም፥ ኣህዛብን ኣይሁድን ከይፈለየ። ኣብ ወንጌል ልቢ ዘዕብልን ዘሐጉስን ነገር ኣሎ፣ ንሓጥያቶም ዝተረድኡን ብእኡ ዝሓዝኑን ሰባት ዝበቅዕ እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG አቤቱ፥ አንተ አምላኬ ነህ፤ ድንቅን ነገር የዱሮ ምክርን በታማኝነትና በእውነት አድርገሃልና ከፍ ከፍ አደርግሃለሁ ስምህንም አመሰግናለሁ። አማርኛ ENGNIV O Lord, you are my God; I will exalt you and praise your name, for in perfect faithfulness you have done marvelous thin… English GAZBIB Yaa gooftaa, ati Waaqayyo koo ti, ani sin galateeffadha, maqaa kees nan jajadha; wanta dur akeeki isaa qopheeffame, isa… Afaan Oromoo BCV GIZ እግዚአብሔር አምላኪየ እሴብሐከ ወኣነብብ ለስምከ እስመ ገበርከ መንክረ ግብረ ወእሙነ ኮነ ምክረ ትካት። giz GAZGAZ Yaa gooftaa, ati Waaqayyo koo ti, ani sin galateeffadha, maqaa kees nan jajadha; wanta dur akeeki isaa qopheeffame, isa… Afaan Oromoo BCV aksum ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፤ ልዕል ልዕል ከብለካ ንስምካውን ክውድሶ እየ፤ ነቲ ናይ ጥንቲ ዘደንቕ ምኽሪ፥ ብፍፁም ተኣማንነት ፈፂምካዮ ኢኻሞ። ትግርኛ AMHNIV እግዚአብሔር ሆይ፤ አንተ አምላኬ ነህ፤ ከፍ ከፍ አደርግሃለሁ፤ ስምህንም አወድሳለሁ፤ አስቀድሞ የታሰበውን፣ ድንቅ ነገር፣ በፍጹም ታማኝነት አድርገሃልና። አማርኛ SWAHSUV Ee Bwana, wewe u Mungu wangu; Nitakutukuza na kulihimidi jina lako; Kwa kuwa umetenda mambo ya ajabu, Mashauri ya kale,… Kiswahili