ትንቢት ኢሳይያስ 22

BCV aksumትግርኛ24 ፍቕድታት4:21 ስማዕ
ስማዕ 4:21 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ብዛዕባ ለሰ ራእይ ዝተነግረ ፆር። ኵልኹም ናብ ናሕሲ ዝደየብኩምስ እንታይ ኴንኩም ኢኹም?

2ኣቲ ኣውያትን ህልቀትን ዝመልአኪ ኸተማ፥ ኣቲ ሕጕስቲ ኸተማ፥ እቶም ኣብ ውሽጥኺ ዝተቐተሉ፥ ብሰይፊ ወይ ኣብ ውግእ ኣይኮኑን ዝተቐተሉ።

3ኵሎም መራሕትኺ ሓቢሮም ሃደሙ፤ ብዘይ ፍላፃ ኸዓ ተማረኹ። ካብ ርሑቕ ሃዲሞም ኵሎም ኣባኺ ዝተረኸቡ ብሓባር ተኣሰሩ።

4ስለዙይ ንጥፍኣት ጓል ህዝበይ ኣምሪረ ኽበኪ ሕደጉኒ፤ ክተፀናንዑኒ ኢልኩምውን ኣይትድከሙ፤ በልኩ።

5ካብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ለሰ ራእይ ፍርሕን ስዕረትን ዕግርግርን ኮይኑ ኣሎ። ቅፅሪና ይፈርስ ኣሎ፤ ክሳዕ እምባታት ዝበፅሕ ኣውያት ከዓ ይስማዕ ኣሎ።

6ኤላም ምስ ሰብ ሰረገላታትን ምስ ፈረሰኛታትን ኮይኑ ሰገባኡ ፆረ፤ ቂርውን ዋልታኡ ቐልዐ።

7እቲ ፍርያም ለሰ ይሁዳ ብሰረገላታት መልአ፥ ፈረሰኛታት ከዓ መቖሚኦም ኣብ ኣፍ ደገ ገበሩ።

8ንዅሉ መጋረጃ ይሁዳ ቐልዐ፤ ሽዑ ናብ እንዳ ኣፅዋር፥ ናብ ቤት ዱር ተመልከትካ።

9እቲ ዝፈረሰ መንደቕ ናይ ዳዊት ከተማ፥ ከም ዝበዝሐ ረአኹም። ነቲ ማይ ከዓ ኣብ ታሕተዋይ ሓፅቢ ንኣባይቲ ኢየሩሳሌም ቈፀርኩም፤ ነቲ ቕፅሪ ምእንቲ ኽተፅንዑ ኸዓ ነተን ኣባይቲ ኣፍረስኩምወን።

11ነቲ ኻብ ናይ ቀደም ሓፅቢ ዝፈስስ ማይ ምእንቲ ኽትእክቡሉ፥ ኣብ መንጎ እቲ ኽልተ ቕፅሪ ሓፅቢ ገበርኩም። ግና ነቲ ነዙይ ዝፈጠረ ኣይተመልከትኩምን፤ ወይ ነቲ ኻብ ጥንቲ ነዙይ ዘዳለዎ ኣይረአኹምን።

12በታ መዓልቲ እቲኣ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ክትበኽዩን ዋይ ዋይ ክትብሉን ርእስኹም ክትላፅዩን ወጮ ኽትክደኑን ፀውዐኩም።

13ንስኻትኩም ግና ተሓጐስኩምን በዓል ገበርኩምን፥ ስጋ ኽትበልዑ ኸብትን ኣባጊዕን ሓረድኩም፤ ወይኒ ድማ ሰተኹም። “ፅባሕ ክንመውት ኢና እሞ ንብላዕ ንስተ” ድማ በልኩም።

14እዝ ነገር እዙይ ኣብ እዝኒ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ተሰምዐ፤ እዝ በደል እዙይ፥ ክሳዕ እትሞቱ ኸቶ ኣይሕደገልኩምን እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።

15ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ናብ ሳምናስ እቲ ኣዛዚ ቤት ኮይኑ ዝተሾመ ኺድ እሞ፥

16‘ኣብዙይ እንታይ ትገብር ኣለኻ? መቓብርካ ኣብዙይ እተውቅር፥ ንርእስኻ ኣብ በሪኽ መዕረፊ ዝኸውን ስፍራ ኣብ ኰዅሒ እተውቅርስ ኣብዙይ እንታይ ኣለካ?

17እንሆ እግዚኣብሄር፥ ብሓያል ቅልፅሙ ኣርሒቑ ኽውርውረካ፥ ኣፀቢቑ ድማ ኽዕዅልለካ እዩ።

18ጠቕሊሉ ኸንከባልለካ፥ ከም ኵዕሶ ድማ ናብ ሰፊሕ ምድሪ ኽድርብየካ እዩ፤ ኣታ ነውሪ ናይ ቤት ጐይታኻ፥ ኣብኡ ኽትመውት ኢኻ፤ እተን ክብርኻ ዝኾና ሰረገላታት ድማ ኣብኡ ክኾና እየን።

19ካብ ስፍራኻ ኽሰጐካ እየ፤ ካብ ሽመትካ ድማ ኽስዕረካ እየ’ ኢልካ ንገሮ” በለኒ።

20በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንባርያይ ኤልያቄም ወዲ ኬልቅያስ ክፅውዖ እየ።

21ቀሚስ መዓርግካ ኸልብሶ፥ መዕጠቒኻ ኸዕጥቖ፥ ስልጣንካ ናብ ኢዱ ኣሕሊፈ ኽህቦ እየ፤ ንሱውን ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን ንቤት ይሁዳን ኣቦ ክኸውን እዩ።

22መኽፈቲ ቤት ዳዊት ድማ፥ ኣብ ማእገሩ ኸንብር እዩ። ንሱ ዝኸፈቶ ሓደ እኳ ዝዓፅዎ የለን፤ ንሱ ዝዓፀዎ ድማ ዝኸፍት ሓደ እኳ የለን።

23ከም ሽንካር ኣብ ድልዱል ስፍራ ኽተኽሎ እየ፤ ንቤት ኣቦኡውን፥ ዙፋን ክብሪ ክኸውን እዩ።

24ክብሪ ቤት ኣቦኡ፥ ውሉድን ውሉድ ውሉድን፥ ኵሉ ኣናእሽተይ ኣቕሑ፥ ካብ ዋንጫ ኽሳዕ ዝንግሪር ኣብኡ ኽስቀል እዩ።

25እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ኣብ ድልዱል ስፍራ ተተኺሉ ዝነበረ ሽንካር፥ ክመልቝን ክስበርን ክወድቕን፥ እቲ ኣብኡ ተሰቒሉ ዝነበረ ፆር ከዓ ወዲቑ ኽሰባበር እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።

ትርጓሜ

22:1-7 የሩሳሌም ስለምንታይከስ ከምዚ ዝበለ ፍርሂ ኣለዋ? እቶም ዝሞቱ ሰባታታ ብሰይፊ ዘይኮነስ፡ ብጥሜት እዮም ዝሞቱ፤ ወይ ድማ ብፍርሂ ተወሪሮም፡ ልቦም ተሰቢሩ። ገዛእቶም ሃደሙ፡ ግናኸ ተረኺቦም። ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ነቲ ዝመጽእ መከራ እናረኣዩን ንሓጥኣን እናጠንቀቑን፡ በቲ ዝርእይዎ ኩነታት ኣዝዩ ይጕህዩ። ግናኸ፡ ናይ ከተማ ብሓይሊ ምውሳድ ዝፈጠሮ ኩሉ ዘስካሕክሕ ነገር፡ ነቲ ናይ መዓልቲ ቍጥዓ ፍርሃታት ገርሂሩ እዩ ዘርኢ።

22:8-14 ድኻም ይሁዳ ሕጂ ካብ ኩሉ ግዜ ንላዕሊ ተራእየ። ሕጂ'ውን ስጋዊ ምትእምማኖቶምን ስጋዊ ድሕነቶምን ተረዲእዎም። ናብቲ መኸላኸሊ ኣኻውሕ ገጾም። ማይ ንኸተማኦም ኣረጋጊጾም። ግናኸ ኣብዚ ኩሉ ምድላዋቶም ንኣምላኽ ዘይሓለይዎ። ኣብ ዝገበርዎ ንኽብሩ ኣይተገደስዎን። ንጻዕሮም በረኸት ንምርካብ ብእኡ ኣይተማመንዎን። ምኽንያቱ ኩሉ ፍጥረት ንዓና ኣምላኽ ከም ዝገብሮ እዩ ዝኸውን፤ እሞ ኸኣ ምእንትኡ ክንባርኾን ንእኡ ኢልና ኸኣ ክንጥቀመሉን ይግባእ። ምስኡ ኣብ ምምካት ንቍጥዓን ንጽድቅን ኣምላኽ ዓብዪ ንዕቀት ነይሩ። ዕላማ ኣምላኽ ንምሕናኖምን ናብ ንስሓ ንምምጻኦምን ነይሩ። ንሳቶም ግና ምስዚ ተጻሪሮም ተመላለሱ። ድሕሪ እዛ ህይወት እዚኣ ብኻልእ ህይወት ዘይምእማን፡ ኣብ መሰረት ናይቲ ስጋዊ ድሕነትን ስጋዊ ስስዔን እዩ ዘሎ፣ እዚ ድማ ሓጢኣት፡ ዕንደራ፡ ከምኡ'ውን ጥፍኣት ናይ ብዙሕ ክፋል ደቂ ሰብ እዩ። ኣምላኽ በዚ ተቖጢዑ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6