ትንቢት ኢሳይያስ 18

BCV aksumትግርኛ7 ፍቕድታት2:15 ስማዕ
ስማዕ 2:15 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ካብ ሩባታት ኢትዮጵያ፥ ንንየው ንዘላ ድምፂ ኣኽናፍ ዘለዎም መራኽብ ንዘለውዋ፥ ልኡኻት ብልዕሊ ባሕሪ፥ ናይ ሰልሰላ መራኽብውን ብልዕሊ ማይ ንእትልእኽ ምድሪ ወይለኣ!

2ኣቱም ቅልጡፋት ልኡኻት ናብቲ ነዊሕ ዝቑመቱ ልሙፅ ህዝቢ፥ ናብቲ ኸም መጀመርታ ዝተፈርሐን ዝሰፍርን ዝረግፅን፥ ሃገሩውን ብሩባታት ዝተመቓቐለ ህዝቢ ኺዱ።

3ኣቱም ኣብ ዓለም እትነብሩ፥ ኣብ ምድሪ ሰፊርኩም ዘለኹም ኵልኻትኩምውን፥ ምልክት ኣብ እምባታት ልዕል ምስ በለ፥ ተመልከቱ፤ መለኸት እንትንፋሕውን ኣድምፁ።

4እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “ከምቲ ብሙቐት ቀውዒ ለይቲ ዝወድቕ ኣውሊ ደበና፥ ከምቲ ብድሁር ቀትሪ እተንፀባርቕ ፀሓይ፥ ኣብቲ ዝነብረሉ ስፍራይ ኮይነ ሃዲአ ኽምልከት እየ።

5ቅድሚ ቐውዒ፥ እዋን ዕምበባ ምስ ሓለፈ፥ ዕምበባ ኸዓ ኣብ ምብሳል ዘለላ ኣቢሉ ምስ በፅሐ፥ ንሓረግን ንጫለዳ ሱርን፥ ካብ ተኽሊ ወይኑ ብቐሊሉ ቘራሪፁ ኸወግዶ እዩ።

6ኵላቶም ኣደዳ ኣሞራታት እምባን፥ ኣደዳ ኣራዊት በረኻን ክኾኑ እዮም፤ ኣሞራታት ብኣኣቶም ክሓግዩ እዮም፥ ኵላቶም ኣራዊት በረኻ ድማ ኣብኣቶም ክኸርሙ እዮም” በለኒ።

7በቲ ጊዜ እቱይ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ካብቲ ነዊሕ ዝቑመቱ፥ ልሙፅ ህዝቢ፥ ካብቲ ብመጀመርታ መደንገፂ ዝኾነ ወገን ካብ ዝሰፍርን ዝረግፅን፥ ሃገሩውን ብሩባታት ዝተመቓቐለት ህዝቢ፥ ናብታ ስም ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝርከበላ ቦታ፥ ናብ እምባ ፅዮን ገፀ በረኸት ክቐርብ እዩ።

ትርጓሜ

18:1-7 ኣምላኽ ንህዝቡ ዘለዎ ምክንኻን፤ ከምኡውን ዕቤት ቤተ ክርስቲያን።

እዚ ምዕራፍ እዚ ካብቶም ኣብ ቅዱስ ጽሑፋት ዘለዉ ኣዝዮም ዘይተረድኡ ምዕራፋት ሓደ እዩ፣ ግናኸ መጀመርታ ንምንታይ ዝኸውን ተባሂሉ ንዝተጻሕፈሎም ሰባት ካብ ንሕና ንሕጂ ንፈልጦ ንላዕሊ ተረዲእዎም ክኸውን ይኽእል እዩ። ቕልጡፋት መልእኽተኛታት ብማይ ናብ ብመለኮታዊ ምምሕዳር እተመልክዐትን፣ እተመዘነትን፣ ኣብ ትሕቲ እግሪ እተረገጸትን ህዝቢ ተሰዲዶም። ህዝቢ ኣምላኽ ይረገጽ እዩ፤ ግናኸ ዝዋሕጦም ዝመስሎ፣ ኣብ ታሕቲ እኳ እንተወደቑ፣ ግናኸ ዘይተሓድጉን፣ ዘይተዓነዉን ምዃኖም ይረክብ። ኵሎም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ንምንቅስቓስ መለኮታዊ ምምሕዳር ክጥምቱ፣ ከምኡውን ንመመርሒታት መለኮታዊ ፍቓድ ክጽበዩ ኣለዎም። ኣምላኽ ንነብዩኡ መረጋገጺ ይህቦ፣ ብኣኡ ጌሩ ድማ ንህዝቡ ክወሃብ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6