ትንቢት ሆሴእ 7

BCV aksumትግርኛ16 ፍቕድታት2:34 ስማዕ
ስማዕ 2:34 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ሓሰት ኣዘውቲሮም እዮም እሞ፥ ሰራቒ ይኣቱ፤ ኣብ ወፃኢ ድማ ሸፋቱ ይኸትሩ ኣለዉ እሞ፥ ንእስራኤል ክፍውሶ ምስ ደለኹ፥ ሓጢኣት ኤፍሬምን፥ ክፍኣት ሰማርያን ተቐልዐ።

2ኣነ ንዅሉ ኽፍኣቶም ከም ዝዝክሮ ንሳቶም፥ ብልቦም ኣይሓስቡን እዮም። ግና ሓጢኣቶም ከቢብዎም፥ ኵልሻዕ ድማ ኣብ ቅድመይ እዩ።

3“ንንጉስ ብኽፍኣቶም፥ ንመሳፍንቱውን ብሓሰቶም የሐጕስዎም ኣለዉ።

4ኵላቶም ኣመንዝራታት እዮም፤ ከምቲ ሰንካቲ ዘርስኖ እቶንውን እዮም። ሰንካቲ፥ እቲ ዅሉ ዝለወሶ ብሑቝ ክሳዕ ዝበኵዕ፥ ነቲ ሓዊ እቶን ኣይቝስቍሶን እዩ።

5ብመዓልቲ በዓል ንጉስና፥ እቶም መሳፍንቲ ብወይኒ ረሲኖም ሓመሙ፤ ንሱውን ምስቶም መላገፅቲ ኢዱ ዘርግሐ።

6ብተንኰሎም ንልቦም ከም እቶን ኣርሰንዎ፤ ሰንካቲኦም ምሉእ ለይቲ ይድቅስ፤ ቍጥዓኦም ምሉእ ለይቲ ይትኪ። ከም ዝነድድ ሓዊውን ንግሆ ሃልሃል ይብል።”

7“ኵላቶም ከም እቶን ዝረሰኑ እዮም፤ ንፈረድቶምውን ይውሕጥዎም፤ ኵሎም ነገስታቶም ድማ ወደቑ፤ ካብኣቶም ሓደ እኳ ናባይ ዘእዊ የለን።”

8ኤፍሬም ምስ ኣህዛብ ተፀመረ፤ ኤፍሬምውን ከም ዘይተገምጠለ ቕጫ እዩ።

9ኣጋይሽ ጕልበቱ በዝበዝዎ፥ ንሱውን ኣይፈለጠን፤ ፀጕሩ ሲበት ኣውፅአ፥ ንሱ ግና ኣየስተውዓለን።

10ትዕቢት እስራኤል ኣብ ልዕሊኡ መስከረሉ። እዝ ዅሉ ኾይኑ ድማ፥ ከምልኹ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኣይተመለሱን፤ በዝ ዅሉውን ኣይደለይዎን።

11ኤፍሬም ልቢ ኸም ዘይብላ የዋህ ርግቢ እዩ፤ ንግብፂ ይፅውዑ፤ ናብ ኣሶር ድማ ይኸዱ።

12ክኸዱ እንተለዉ መርበበይ ክዝርግሐሎም፥ ከም ኣዕዋፍ ሰማይ ከዓ ኸውርዶም እየ፤ መከራኦም እናሰምዑ ኸዓ ኽቐፅዖም እየ።

13“ካባይ ሃዲሞም እዮም እሞ፥ ወይለኦም! ካባይ ዓሚፆም እዮም እሞ፥ ጥፍኣት ይምፅኣዮም። ከናግፎም ደለኹ፤ ንሳቶም ግና ኣብ ልዕለይ ብሓሰት ይናገሩ።

14ኣብ ምድቃሶም ኮይኖም ይበኽዩ ነበሩ እምበር፥ ብልቦም ናባ?? ኣየእወዩን፤ ናብ ስርናይን ናብ ወይንን ይእከቡ፤ ኣብ ልዕለይ ግና ዓመፁ።

15ኣነ ኣሰልጠንክዎምን ኣበርታዕኽዎምን፤ ንሳቶም ግና ኣባይ ክፉእ መኸሩ።

16ናብ ከንቱ ነገር ተመለሱ፤ ግና ናብ ልዑል እግዚኣብሄር ኣይኮነን። ዕላማኡ ኸም ዝስሕት ጠዋይ ቀስቲ ኾኑ። መሳፍንቶም ካብ ቍጥዓ መልሓሶም ዝተልዓለ፥ ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም። እዙይ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ግብፂ መሳለቒ ክኾኖም እዩ።”

ትርጓሜ

7:1-7

እቲ ኣብ መሰረት ኩሉ ክፍኣት እስራኤል ዝነበረ፡ ኣምላኽ ከምዘይርእዮ ወይ ከምዘየቕልበሉ ዝመስል፡ ምግባራዊ ዘይምእማን ብምምሕዳር ኣምላኽ ነበረ። ሓጢኣታቶም ኣብ ኩሉ ሸነኽኦም ይርአ ነበረ። ልቦም ብኽፉእ ትምኒት፡ ከም ዝጸንሐ እቶን፡ ይነድድ ነበረ። ኣብ ማእከል ሃገራዊ ጭንቆም፡ እቲ ህዝቢ ሓገዝ ካብ ኣምላኽ ምሕታት ከቶ ኣይሓሰበን። እቲ ትክክለኛ ክፍኣት ናይ ህይወት ሰባት፡ ምስቲ ኣብ ልቦም ዘሎ፡ ኣዝዩ ንእሽቶ ክፍል እዩ። ግናኸ ትምኒት ኣብ ውሽጢ ልቢ እንተተኸኒኑ፡ ናብ ግዳማዊ ሓጢኣት ኪብድብድ እዩ። እቶም ንኻልኦት ናብ ስኽራን ዚፍትኑ፡ ከቶ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽቶም ኪኾኑ ኣይክእሉን እዮም፡ ብዙሕ እዋን ድማ ንጥፍኣቶም ይሕንጽጹ። በዚ ድማ ሰባት ነፍሲ ወከፎም ነቲ መለኮታዊ በቀል ይፍጽሙ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በሐሰት አድርገዋልና፥ ሌባም ገብቶአልና፥ በውጭም ወንበዴዎች ቀምተዋልና እስራኤልን እፈውስ ዘንድ በወደድሁ ጊዜ የኤፍሬም ኃጢአትና የሰማርያ ክፋት ተገለጠ። አማርኛ ENGNIV whenever I would heal Israel, the sins of Ephraim are exposed and the crimes of Samaria revealed. They practice deceit,… English BCV ሓሰት ኣዘውቲሮም እዮም እሞ፥ ሰራቒ ይኣቱ፤ ኣብ ወፃኢ ድማ ሸፋቱ ይኸትሩ ኣለዉ እሞ፥ ንእስራኤል ክፍውሶ ምስ ደለኹ፥ ሓጢኣት ኤፍሬምን፥ ክፍኣት ሰማርያን ተቐልዐ። ትግርኛ GAZBIB “Yeroo ani Israa'elin fayyisuu barbaadutti, yakki Efreem, jal'inni Samaariyaas in mul'ata; isaan gowwoomsaadhaan in hoj… Afaan Oromoo BCV GIZ ወሶበ ሰፋሕክዎ ለእስራኤል ትትከሠት ዓመፃሁ ለኤፍሬም ወእከያ ለሰማርያ እስመ ሐሰተ ገብሩ፤ ወያበውእ ሰራቄ ኀቤሁ ይስእል ወይሰልብ በፍኖት ከመ ይኅበር ማዕሌቶሙ። giz GAZGAZ “Yeroo ani Israa'elin fayyisuu barbaadutti, yakki Efreem, jal'inni Samaariyaas in mul'ata; isaan gowwoomsaadhaan in hoj… Afaan Oromoo AMHNIV እስራኤልን በምፈውስበት ጊዜ፣ የኤፍሬም ኀጢአት፣ የሰማርያም ክፋት ይገለጣል። እነርሱ ያጭበረብራሉ፤ ሌቦች ቤቶችን ሰብረው ይገባሉ፤ ወንበዴዎችም በየመንገድ ይዘርፋሉ። አማርኛ SWAHSUV Wakati nitakapo kumponya Israeli, ndipo yafunuliwapo maovu ya Efraimu, na ubaya wa Samaria; maana wanatenda uongo, na m… Kiswahili