ትንቢት ሆሴእ 5

BCVትግርኛ15 ፍቕድታት2:22 ስማዕ
ስማዕ 2:22 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1“ኣቱም ካህናት፥ ነዙይ ስምዑ፤ ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ኣቕልቡ፤ ኣቱም ቤት ንጉስ፥ ፅን በሉ፤ ኣብ ምፅጳ መፈንጠር፥ ኣብ ታቦር ከዓ ዝተዘርግሐት መርበብ ኴንኹም ኢኹም እሞ፥ እዝ ፍርዲ እዙይ ኣብ ልዕሌኹም እዩ።

2ዓመፀኛታት ሕሩድ ኣብዚሖም፤ ኣነ ግና ንዅላቶም ክቐፅዖም እየ።

3ኣታ ኤፍራታ ንስኻ ሕዚ መንዚርካ፤ እስራኤል ድማ ረኺሱ እዩሞ፥ ንኤፍሬም እፈልጦ እየ፤ እስራኤልውን ካባይ ኣይተሰወረን።”

4መንፈስ ኣመንዝራነት ኣብ ውሽጦም ኣሎሞ፥ ንእግዚኣብሄርውን ኣይፈልጥዎን እዮም እሞ፥ እቲ ስራሖም ናብ ኣምላኾም ንኽምለሱ ኣይፈቕደሎምን።

5ትዕቢት እስራኤል ኣብ ልዕሊኣቶም ይምስክር፤ እስራኤልን ኤፍሬምን ከዓ ብሓጢኣቶም ይሰናኸሉ፤ ይሁዳውን ምስኣቶም ክሰናኸል እዩ።

6ኣባጊዖምን ከብቶምን ሒዞም ንእግዚኣብሄር ክደልይዎ ይኸዱ፤ ግና ንሱ ካብኣቶም ርሒቑ እዩ እሞ፥ ኣይረኽብዎን።

7ድቓላታት ደቂ ወሊዶም እዮም እሞ ንእግዚኣብሄር ጠለሙ፤ ሕዚ ድማ ሓደ ወርሒ ንኣኣቶምን ንርስቶምን ክበልዖም እዩ።

8ኣብ ጊብዓ ቀርኒ፥ ኣብ ራማ ኸዓ መለኸት ንፍሑሞ፤ ካብ ቤትኣዌን “ኣታ ብንያም፥ ብድሕሬኻ” ኢልኩም ኣእውዩ።

9ብመዓልቲ ቕፅዓት፥ ኤፍሬም ክባድም እዩ፤ ኣብ ማእኸል ነገድ እስራኤል፥ እቲ ብርግፅ ዝኸውን ነገር ኣፍለጥኩ።

10“ኣሕሉቕ ይሁዳ፥ ከምቶም ወሰን ዝደፍኡ ሰባት እዮም እሞ፥ ኣነውን ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊኣቶም ከም ማይ ከፍስስ እየ።

11ኤፍሬም ደድሕሪ ትእዛዝ ሰብ ምኻድ ስለዝፈተወ፥ ዝተገፍዐን ብፍርድውን ዝተጎድአን ኮነ።

12ስለዙይ ኣነ ንኤፍሬም ከም ነቐዝ፥ ንቤት ይሁዳ ኸዓ ኸም ቍንቁነ ኾይነ ኣለኹ።

13“ኤፍሬም ሕማሙ፥ ይሁዳውን ቍስሉ ምስ ረአየ፥ ኤፍሬም ናብ ኣሶር ከደ፤ ናብ ንጉስ ኢያሪምውን ልኡኽ ለኣኸ፤ ግና ንሱ ኸድሕነኩም፥ ቍስልኹምውን ክፍውስ ኣይከኣለን።

14ኣነ ንኤፍሬም ከም ኣንበሳ፥ ንቤት ይሁዳ ኸዓ ኸም ሽደን ኣንበሳ ክኾኖም እየ። ኣነ ሰባቢረ ክኸይድ እየ፤ መንዚዐውን ክወስድ እየ፤ ዘድሕን ድማ የለን።

15“በደሎም ክሳዕ ዝፈልጡ፥ ገፀይ ከዓ ኽሳዕ ዝደልዩ፥ ከይደ ናብ ቦታይ ክምለስ እየ፤ ብጊዜ መከራኦምውን ፈፂሞም ክደልዩኒ እዮም።”

ትርጓሜ

5:1-7 ኣምላኽ በቲ ምጥምጣሚ ዓይኑ፡ ምስጢራዊ ፍቕሪ ሓጢኣትን ናብኡ ዘሎ ዝንባለን፡ ቤት እስራኤል ንሓጢኣቶም ዝነበሮም ፍቕሪ፡ ከምኡ'ውን እቶም ሓጢኣታቶም ኣብ ልዕሊኦም ዝነበሮም ግዝኣት ረኣየ። ትዕቢት ንሰባት ኣብ ካልእ ሓጢኣታት ዝደረቑ የብሎም። ይሁዳ እውን በቲ ሓደ ኣሰር ይኸይድ ስለ ዝነበረ፡ ምስ እስራኤል ምወደቑ። ንእግዚኣብሔር ብምኽዳዕ፡ ሰብ ንርእሱ ጥራይ እዩ ዜታልል። እቶም ብመጓዓቶምን ብዓራብቶምን ጥራይ ንእግዚኣብሔር ኪደልዩ ዚኸዱ እሞ፡ ብልቦምን ነፍሶምን ዘይደልይዎ፡ ኪረኽብዎ ኣይክእሉን እዮም። እቶም እግዚኣብሔር ኪርከብ ከሎ ዘይደልይዎ ድማ፡ ስኬት ኣይኪረኽቡን እዮም። እግዚኣብሔር ቀደም ኢልና ክንደሊ ክንደይ ከም ዜገድስ ርአዩ፡ ሕጂ እዚ ተቐባልነት ዘለዎ ግዜ፡ መዓልቲ ምድሓን ከሎ።

5:8-15 ጥፍኣት ዘይንስሑ ሓጥኣን ባዶ ዘረባን ንምፍርራሕን ኣይኮነን፤ የግዳስ ዘይፍንቅል ፍርዲ እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ካህናት ሆይ፥ ይህን ስሙ፤ የእስራኤል ቤት ሆይ፥ አድምጡ፤ የንጉሥ ቤት ሆይ፥ ልብ አድርጉ፤ በምጽጳ ላይ ወጥመድ፥ በታቦርም ላይ የተዘረጋ አሽክላ ሆናችኋልና ፍርድ በእናንተ ላይ ነው። አማርኛ ENGNIV “Hear this, you priests! Pay attention, you Israelites! Listen, O royal house! This judgment is against you: You have b… English GAZBIB “Isin luboota nana kana dhaga'aa, yaa gurguddoota Israa'el, yaadatti qabadhaa; warri mana mootichaas gurra keessan as q… Afaan Oromoo BCV GIZ ስምዑ ዘንተ ካህናት ወአጽምዕዎ ቤተ እስራኤል ወይስምዕዎ ቤተ ነጋሢ፤ እስመ በእንቲአክሙ ውእቱ ዝንቱ ኵሉ ኵነኔ እስመ መሥገርተ ኮንክምዎ ለዘያስተሐይጽ፤ ወከመ መሥገርት እንተ ሰፍሑ ያሥግሩ… giz GAZGAZ “Isin luboota nana kana dhaga'aa, yaa gurguddoota Israa'el, yaadatti qabadhaa; warri mana mootichaas gurra keessan as q… Afaan Oromoo BCV aksum “ኣቱም ካህናት፥ ነዙይ ስምዑ፤ ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ኣቕልቡ፤ ኣቱም ቤት ንጉስ፥ ፅን በሉ፤ ኣብ ምፅጳ መፈንጠር፥ ኣብ ታቦር ከዓ ዝተዘርግሐት መርበብ ኴንኹም ኢኹም እሞ፥ እዝ ፍርዲ እዙይ… ትግርኛ AMHNIV “እናንተ ካህናት፤ ይህን ስሙ! እናንት እስራኤላውያን፤ አስተውሉ! የንጉሥ ቤት ሆይ፤ ስሙ! ይህ ፍርድ በእናንተ ላይ ነው፤ በምጽጳ ወጥመድ፣ በታቦርም ላይ የተዘረጋ መረብ ሆናችኋልና። አማርኛ SWAHSUV Sikieni haya, enyi makuhani, sikilizeni, enyi nyumba ya Israeli, tegeni masikio yenu, enyi wa nyumba ya mfalme, kwa kuw… Kiswahili