ትንቢት ህዝቅኤ 8

BCV aksumትግርኛ18 ፍቕድታት3:58 ስማዕ
ስማዕ 3:58 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኮነ ድማ፥ ኣብ ሻድሸይቲ ዓመት፥ ኣብታ ሻድሸይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒውን ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ፥ ኣብ ቤተይ ተቐሚጠ እንተለኹ፥ እቶም ዓበይቲ ይሁዳውን ኣብ ቅድመይ ተቐሚጦም እንተለዉ፥ ኣብኡ ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ ወረደት።

2ሽዑ ረአኹ፥ እንሆ ትርኢት ሓዊ ዝመስል ምስሊ ነበረ፤ ካብቲ ምስሊ ኻብ ሕቘኡ ንታሕቲ ሓዊ፥ ካብ ሕቘኡ ንላዕሊ ድማ ድሙቕ ብርሃንን ዘንፀባርቕ ወርቅን ዝመስል ነበረ።

3ንሱ ኸዓ ኢድ እትመስል ዘርግሐ፤ ብፀጕሪ ርእሰይ ድማ ሓዘኒ፤ መንፈስውን ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ኣልዓለኒ፤ ብራእይ እግዚኣብሄር ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ወሰደኒ፤ ናብቲ ውሽጣዊ ዓፀድ፥ በቲ ንሰሜን ኣቢሉ ዘርኢ ኣፍደገ ኣምፅአኒ፤ ኣብኡውን እቲ ንቕንኣት ዘለዓዕል ምስሊ፥ ናይ ቅንኣት ጣዖት ተተኺሉ ነበረ።

4እንሆ ኸዓ፥ ከምቲ ኣብ ለሰ ዝረአኽዎ ትርኢት፥ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ኣብኡ ነበረ።

5ንሱ ኸዓ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ናብ ወገን ሰሜን ኣቢልካ ኣዒንትኻ ኣልዕል” በለኒ። ኣነ ኸዓ ናብ ሰሜን ኣቢለ ኣዒንተይ ኣልዓልኩ። እንሆ ድማ፥ ኣብ ሰሜን እቲ ደገ መሰውኢ ኣብቲ መእተዊ፥ እዙይ ናይ ቅንኣት ጣዖት ነበረ።

6ንሱ ኸዓ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እቲ ዝገብርዎ ዘለዉዶ ትርኢ ኣለኻ? ኣነ ኻብ ቤተ መቕደሰይ ምእንቲ፥ ክርሕቕ ኢሎም እቲ ቤት እስራኤል ኣብዙይ ዝገብርዎ ዘለዉ ዓብዪ ርኽሰትዶ ትርኢ ኣለኻ? አረ ገና ኻብዙይ ዝዓቢ ርኽሰትውን ክትርኢ ኢኻ” በለኒ።

7ንሱ ኸዓ ናብ ደገ እቲ ዓፀድ ወሰደኒ፤ እንሆውን ኣብቲ መንደቕ ሓደ ነዃል ረአኹ።

8ንሱ ኸዓ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ነቲ መንደቕ ኵዓቶ” በለኒ፤ ነቲ መንደቕ ምስ ኰዓትክዎ ድማ፥ እንሆ፥ ኣፍ ደገ ረኸብኩ።

9ንሱውን “እቶ እሞ ነቲ ኣብኡ ዝገብርዎ ዘለዉ ኽፉእ ርኽሰት ረአ!” በለኒ።

10ኣተኹ፤ እንሆ ኸዓ፥ ብዙሕ ምስሊ እቶም ለመም ዝብሉን፥ ርኹሳት እንስሳን፥ ኵሎም ጣዖታት ቤት እስራኤልን፥ ኣብ ዙርያ እቲ መንደቕ ተስኢሉ ረአኹ።

11ኣብ ቅድሚኣቶም ከዓ፥ ሰብዓ ሰባት ካብ ዓበይቲ ቤት እስራኤል፥ ኣብ ማእኸሎም ድማ ያእዛንያ ወዲ ሻፋን ቆይሙ፥ ኣብ ኢድ ነፍሲ ወከፎም ድማ ፅንሃህ ሒዞም፥ ኣብኡ ደው ኢሎም ነበሩ። እቲ መዓዛ ዕጣንውን ዒግ ኢሉ ወፀ።

12ሽዑ ንሱ፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እቶም ዓበይቲ ቤት እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ኣይሪአናን፤ እግዚኣብሄር ነዛ ምድሪ ሓዲጉዋ እዩ፤ ኢሎም፥ ነፍሲ ወከፎም ኣብ ፀልማት ኣብ ሸሽርጓና ውሻጠ ኾይኖም ዝገብርዎ ዘለዉዶ ርኢኻዮ ኣለኻ” በለኒ።

13ንሱ ኸዓ፥ “አረ ኻብዙይ ዝገድድ ዝገብርዎ ዘለዉ ርኽሰትውን ክትርኢ ኢኻ” በለኒ።

14ናብቲ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ዘሎ ኣፍ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ወሰደኒ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብኡ ኣንስቲ ተቐሚጠን ንተሙዝ ይበኽያሉ ነበራ።

15ሽዑ ድማ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ርኢኻዮዶ? ገና ኻብዙይ ዝገድድ ርኽሰትውን ክትርኢ ኢኻ” በለኒ።

16ናብቲ ውሽጣዊ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ወሰደኒ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብቲ ደገ መቕደስ እግዚኣብሄር፥ ኣብ መንጎ ገበላን መሰውእን፥ ኣስታት ዕስራን ሓሙሽተን ሰብኡት ዝባኖም ናብ መቕደስ እግዚኣብሄር፥ ገፆም ድማ ናብ ምብራቕ ኣቢሎም ንፀሓይ ይሰግዱ ነበሩ።

17ንሱ ኸዓ፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ርኢኻዶ? ነታ ምድሪ ብዓመፅ መሊኦምዋ፤ መመሊሶም ድማ ቝጥዓይ ዘለዓዕሉስ፥ ቤት ይሁዳ እዝ ኣብዙይ ዝገብርዎ ዘለዉ ርኽሰትዶ ውሒድዎም እዩ፤ እንሆ፥ ንሳቶም ነቲ ጨንፈር ናብ ኣፍንጫኦም የቕርቡ ኣለዉ” በለኒ።

18ስለዙይ “ኣነ ድማ ብናህሪ ኽገብር እየ፤ ዓይነይ ኣይትርህርሀሎምን እያ፤ ኣይምሕሮምን እየ፤ ኣብ እዝነይ ዓው ኢሎም እንተ ኣእወዩ እኳ ኣይሰምዖምን እየ” በለኒ።

ትርጓሜ

8:1-6 ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣዮ እቲ ክብሪ ዝመልኦ ኣካል ዝሓዞ ኮይኑ ተሰምዖ፣ ንሱ ድማ ብመንፈስ ናብ ኢየሩሳሌም ተወስደ። ኣብኡ፣ ኣብ ውሽጣዊ ኣደባባይ ቤተ መቕደስ፣ ንሓደ ምጥቃጥ ዝኾነ ጣኦት ቦታ ተዳልዩ ነበረ። እዚ ኩሉ ንነብዪ ብራእይ ተርኣየ። ኣምላኽ እንተደኣ ፈቒዱ ንዝኾነ ሰብ ንኽብሩን ንግርማኡን ጽሩይ ርእየት ክህብ፣ ከምኡውን ኣብ ዝኾነት ከተማ ንዝፍጸሙ ኩሎም ምጥቃጣት፣ ሽዑ ናይቲ ኣምላኽ ኣብኣ ዘውርዶ ዝኸፍአ መቕጻዕቲ ጽድቂ ምተቐበለ።

8:7-12 ሓንቲ ስዉርቲ ቦታ ኸም እትኸፍተ ትመስል ነበረት፤ ኣብኣ ነብዪ ኣብ ግድግዳታት እተሳእሉ ፍጥረት ረአየ፡ ብዙሓት ካብ ዓበይቲ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚኦም ይሰግዱ ነበሩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በስድስተኛውም ዓመት በስድስተኛው ወር ከወሩም በአምስተኛው ቀን በቤቴ ተቀምጬ ሳለሁ የይሁዳም ሽማግሌዎች በፊቴ ተቀምጠው ሳሉ፥ በዚያ የጌታ የእግዚአብሔር እጅ በላዬ ወደቀች። አማርኛ ENGNIV In the sixth year, in the sixth month on the fifth day, while I was sitting in my house and the elders of Judah were si… English BCV ኮነ ድማ፥ ኣብ ሻድሸይቲ ዓመት፥ ኣብታ ሻድሸይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒውን ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ፥ ኣብ ቤተይ ተቐሚጠ እንተለኹ፥ እቶም ዓበይቲ ይሁዳውን ኣብ ቅድመይ ተቐሚጦም እንተለዉ፥ ኣብኡ… ትግርኛ GAZBIB Waggaa ja'affaatti, waggicha keessaas ji'a ja'affaatti, ji'icha keessaa immoo guyyaa shanaffaatti, ani mana koo keessa … Afaan Oromoo BCV GIZ ወኮነ በሳድስ ዓመት በሳድስ ወርኅ በኅሙስ ሠርቅ፡ እንዘ ሀሎኩ እነብር ውስተ ቤትየ ወረበናተ አይሁድ ይነብሩ ቅድሜየ፤ ወመጽአ እደ እግዚአብሔር አዶናይ ኅቤየ። giz GAZGAZ Waggaa ja'affaatti, waggicha keessaas ji'a ja'affaatti, ji'icha keessaa immoo guyyaa shanaffaatti, ani mana koo keessa … Afaan Oromoo AMHNIV በስድስተኛው ዓመት፣ በስድስተኛው ወር፣ በአምስተኛው ቀን በቤቴ ተቀምጬ ሳለሁ፣ የይሁዳም ሽማግሌዎች በፊቴ ተቀምጠው ሳሉ፣ በዚያ የጌታ እግዚአብሔር እጅ በላዬ መጣች። አማርኛ SWAHSUV Ikawa katika mwaka wa sita, mwezi wa sita, siku ya tano ya mwezi, nilipokuwa nikikaa nyumbani mwangu, wazee wa Yuda nao… Kiswahili