1ደቂ እስራኤል ብምሉኦም ካብ ምድረ በዳ ሲን ተልዒሎም፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ካብ ሰፈር ናብ ሰፈር ተጕዓዙ። ኣብ ራፊዲም ድማ ሰፈሩ። ዝሰትይዎ ማይ ግና ኣይነበሮምን።
2እቶም ህዝቢ ድማ “እንሰትዮ ማይ ሃበና” ኢሎም ምስ ሙሴ ተጓየቑ። ሙሴ ኸዓ “ስለ ምንታይ ምሳይ ትበኣሱ? ስለ ምንታይከ ንእግዚኣብሄር እትፈታተንዎ?” በሎም።
3እቶም ህዝቢ ድማ ኣብኡ ማይ ፀሚኦም፥ “ስለ ምንታይ ኢኻ ንሕናን ደቅናን እንስሳናን ብፅምኢ ኽንመውት ካብ ግብፂ ዘውፃእኻና?” ኢሎም ኣብ ልዕሊ ሙሴ ኣጕረምረሙ።
4ሙሴ ድማ “ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም እንታይ ክገብሮም እየ? ብእምኒ ቐጥቂጦም ክቐትሉኒ ቑሩብ ተሪፍዎም ኣሎ” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ኣእወየ።
5እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ካብቶም ዓበይቲ እስራኤል ሒዝካ፥ ካብቶም ህዝቢ ንቕድሚት ኣቢልካ ሕለፍ እሞ፥ ነታ ሩባ ዝወቓዕኻላ በትርኻ ተማሊእኻ ኺድ።
6እንሆ፥ ኣነ ኣብኡ ኣብ ቅድሜኻ ኣብ ልዕሊ ኰዅሒ ኮሬብ ደው ክብል እየ። ነቲ ኰዅሒ ኸዓ ኽትወቕዖ ኢኻ፤ ነቶም ህዝቢ ዘስቲ ማይ ድማ ኻብኡ ኽወፅእ እዩ” በሎ። ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓበይቲ እስራኤል ከምኡ ገበረ።
7ደቂ እስራኤል ንሙሴ ስለ ዝተጓየቑዎን “እግዚኣብሄር ምሳና ኣሎዶ የለን?” ኢሎምውን ንእግዚኣብሄር ስለ ዝተፈታተንዎን፥ እታ ቦታ ማሳን(ሀ) መሪባን(ለ) ኢሉ ሰመያ።
8ሽዑ ኣማሌቃውያን ናብ ራፊዲም መፂኦም ምስ እስራኤላውያን ውግእ ገጠሙ።
9ሙሴ ድማ ንኢያሱ “ኣጓብዝ ሕረየልና እሞ፥ ወፂእኻ ኸዓ ምስ ኣማሌቃውያን ተዋጋእ። ኣነ ፅባሕ፥ በትሪ እግዚኣብሄር ኣብ ኢደይ ሒዘ ኣብ ርእሲ እቲ እምባ ደው ክብል እየ” በሎ።
10ኢያሱ ኸዓ ኸምቲ ሙሴ ዝበሎ ገበረ፤ ምስ ኣማሌቃውያን ከዓ ተዋግአ። ሙሴን ኣሮንን ሆርን ድማ ናብ ርእሲ እቲ እምባ ደየቡ።
11ሙሴ ኢዱ ኸልዕል እንተሎ እስራኤላውያን ይስዕሩ ነበሩ፤ ሙሴ ኢዱ ኸውርድ እንተሎ ድማ፥ ኣማሌቃውያን ይስዕሩ ነበሩ።
12ሙሴ ኣእዳዉ ስለ ዝረብረባ፥ እምኒ ወሲዶም ኣብ ትሕቲኡ ኣቐመጡሉ፤ ሙሴውን ኣብ ልዕሊኡ ተቐመጠ። ኣሮንን ሆርን ከዓ ሓደ በዙይ፥ ሓደ ኸዓ በቱይ ኮይኖም ነእዳው ሙሴ ይድግፉ ነበሩ። ኣእዳዉ ድማ ፀሓይ ክሳዕ እትዓርብ በርትዓ።
13ኢያሱ ድማ ንኣማሌቃውያን ብስሕለት ሰይፊ ሰዓሮም።
14እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ንዝኽሪ ኣማሌቃውያን ካብ ትሕቲ ሰማይ ፈፂመ ኽድምስሶ እየ እሞ፥ ምእንቲ ኽዝከር ኣብ መፅሓፍ ፀሓፎ፤ ንኢያሱውን ንገሮ” በሎ።
15ሙሴ ኸዓ መሰውኢ ሰርሐ፤ “እግዚኣብሄር ሰንደቕ ዕላማይ እዩ”(ሐ) ኢሉ ድማ ሰመዮ።
16“ንሱውን ኢዱ ኣብ ልዕሊ ዙፋን እግዚኣብሄር ስለ ዘልዓለ(መ) ሰልፊ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣማሌቅ ንውሉድ ወለዶ ይኹን” በለ።