መጽሓፍ መክብብ 5

BCVትግርኛ20 ፍቕድታት3:23 ስማዕ
ስማዕ 3:23 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ናብ ቤት እግዚኣብሄር እንትትኣቱ እግርኻ ሓሉ፤ ክፉእ ከም ዝገብሩ ኣይፈልጡን እዮምሞ ኻብ መስዋእቲ ሰነፋት፥ ክትሰምዕ ምቕራብ ይሐይሽ።

2ብኣፍኻ ኣይትቐልጥፍ፤ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄርውን ንምዝራብ ኣይትሸኵል። ኣምላኽ ኣብ ሰማይ፥ ንስኻ ኣብ ምድሪ ኢኻሞ፥ ቃላትካ ውሑድ ይኹን።

3ብብዝሒ ስራሕ ሕልሚ ይረአ፤ ከምኡውን ድምፂ ሰነፍ ብብዝሒ ቓላት ይስማዕ።

4ንእግዚኣብሄር እንተ ተመባፃዕኻ፥ ንምፍፃሙ ኣይትደንጒ። ብዓያሹ ደስ ኣይብሎን እዩሞ፥ ነቲ ዝተመባፃዕካዮ ፈፅሞ።

5ንዘይትፍፅሞ ኻብ ምምብፃዕ ዘይምምብፃዕ ይሐይሽ።

6ንስጋኻ ብሓጢኣት ከየስሕቶ ንኣፍካ ሓርነት ኣይትሃቦ፤ ኣብ ቅድሚ መልኣኽውን ስሕተት እዩ ነይሩ ኣይትበል። ስለ ምንታይከ እግዚኣብሄር ብቓልካ ኽቝጣዕን ንግብሪ ኣእዳውካ ኸጥፍኦን እትደሊ?

7ብዙሕ ሕልምን ብዙሕ ቃላትን ኣብ ዘለዎ፥ ኣብኡ ብዙሕ ከንቱ ነገር ኣሎ፤ ንስኻ ግና ንእግዚኣብሄር ፍራሕ።

8ንሓደ ሹም፥ ካብኡ ልዕል ዝበለ ዝምልከቶ ኣሎ፤ ካብኣቶም ከዓ ልዕል ዝበለ ንዅሎም ዝምልከቶም ኣሎሞ፥ ድኻ እንትጥቃዕ፥ ኣብ ሓደ ሃገር ከዓ ፍርድን ፅድቅን ክጠፍእ እንተ ረአኻ፥ ኣይትገረም።

9ንዅሉ ዝጠቅም ግና ንጉስ እታ ሃገር ማሕረስ ዝፈቱ እንተ ኾይኑ እዩ።

10ገንዘብ ዝፈቱ ገንዘብ ኣይፀግብን፤ ሃብቲ ዝፈቱ ኸዓ ትርፊ ኣይፀግብን፤ እዙይውን ከንቱ እዩ።

11ጥሪት እንተ በዝሐ፥ በላዕቱ ይበዝሑ፤ ንዘጥረዮ ደኣ፥ በዒንቱ ምርኣይ እንተ ዘይኮይኑ እንታይ ይጠቕሞ?

12እቲ ሰራሕተኛ፥ ብዙሕ ወይ ውሑድ በሊዑ ጥዑም ድቃስ ይድቅስ፤ ንሃብታም ግና ፅጋቡ ኣየደቅሶን።

13ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዘሕዝን ክፉእ ነገር ረአኹ፤ ንጕድኣት መጥረዪኡ ዝተዓቘረ ሃብቲ እዩ።

14እዝ ሃብቲ እዙይ ብድንገት ይጠፍእ፤ ውሉድ እንተ ወለደ ኸዓ፥ እቲ ወዱ ጥራሕ ኢዱ ይተርፍ።

15ከምቲ ኻብ ማህፀን ወላዲቱ ጥራሑ ዝውለድ፥ ከምኡ ኸዓ ኸም ዝመፆ ይምለስ፤ ካብቲ ዝፀዓረሉውን ሓንቲ እኳ ብኢዱ ኣይማላእን።

16እዙይውን ዘሕዝን ክፉእ ነገር እዩ፤ ከም ዝመፀ ኸምኡ ይኸይድ፤ ድኻሙ ንንፋስ ካብ ኮነ፥ ረብሓኡ እንታይ እዩ?

17ኵሉ ዘመኑ ዘሕልፎ ብጓህን ብፀልማትን ብሓዘንን፥ ብመከራን ብሕማምን ብዅራን እዩ።

18ኣነ ዘስተብሃልክዎ ሰናይን ግቡእን ነገር፦ ሰብ በቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ሓፂር መዋእል ህይወቱ ኽበልዕን ክሰትን፥ በቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝፀዓረሉ ፍረ ፃማኡ ደስ ክብሎን እዩ፤ እዝ ዕድል እዙይ ከዓ ግደኡ እዩ።

19እግዚኣብሄር ንዅሉ ሰብ ሃብትን ጥሪትን ምሃቡ፥ ካብኡ ኽበልዕን ግደኡ ኽወስድን ብፃዕሩውን ምእንቲ ኽሕጐስን ስለ ዝፈቐደሉ እዩ፤ እዙይ ከዓ ውህብቶ እግዚኣብሄር እዩ።

20እግዚኣብሄር ናይ ልቡ ሓጐስ ስለ ዝሃቦ “መዋእል ህይወተይ ሓፀርቲ እየን” ኢሉ ኣይሓስብን እዩ።

ትርጓሜ

መክብብ 5:1-3 ንኣምልኾ ኣምላኽ ቀረብ፣ ንኡኡ ርእስኻ ንምድላው ከኣ ግዜ ውሰድ። ሓሳባትካ ካብ ምንጥልጣልን ምዝንጋዕን ሓሉ። ድሌታትካ ኸኣ ናብ ጌጋ ነገራት ካብ ምውጻእ ዓቕቦ። ከንቱ ምድግጋም ከንወግድ ይግባእ፤ ብብዝሒ ዚቐርቡ ጸሎታት ኣብዚ ኣይተወገዙን፣ እቶም ትርጉም ዘይብሎም ግና እዮም። ክንደይ ሳዕ እቶም ዝዝንግዑ ሓሳባትና ኣብ መለኮታዊ ስርዓታት ምምልላስና ካብ መስዋእቲ ዓያሱ ኣይሓሸን! ኣብ ጸሎት ዝውዕሉ ብዙሓት ቃላትን ቅልጡፋትን ኣብ ልቢ ዘሎ ድንቁርና፣ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎ ትሑት ርእይቶ፣ ከምኡውን ንነፍስና ዘሎ ዘይግደሰሉ ሓሳባት ይገልጹ።

5:4-8

ሰብ ብዘይ ምጥንቃቕ መብጽዓ ምስ ዝገብር፡ ኣፉ ንስጋኡ ሓጢኣት ከውርድ ይገብር። እዚ ጉዳይ እዚ ሓደ ሰብኣይ ናብ ካህን መጺኡ፡ መብጽዓኡ ብዘይ ምጥንቃቕ ከም ዝገበሮን ምፍጻሙ ጌጋ ከም ዝኸውንን እናመሰለ ዝዛረበሉ እዩ። ከምዚ ዝበለ ንኣምላኽ ምዝንጋዕ መለኮታዊ ቁጥዓ የስዕብ፣ እዚ ድማ ነቲ ብዘይግቡእ ዝተሓዝአ ወይ ዝተኸልከለ ንኸጥፍኦ ይኽእል እዩ። ንፍርሃት ሰብ ክንሰግር ኣሎና። ንኣምላኽ ኣብ ቅድሜኻ ግበሮ፤ ሽዑ፡ ጭቆና ድኻታት ምስ እትርኢ፡ ንመለኮታዊ ኣተሓሕዛ ኣይትነቅፎን። ዕላማኡ ብኸምዚ ዝበለ ኣገባብ ምስ ዝበላሾ፡ ንስርዓተ ምምሕዳር ኣይተዋርድን፤ ንሰባት ካብ ግፍዒ ከየድሕኖም ምስ እትርኢ ድማ፡ ንሃይማኖት’ውን ኣይተዋርድን። ግናኸ፡ ጨቆንቲ ርግኣት እንተተሰምዖም’ኳ፡ ኣምላኽ ንኹሉ ኪሓስብ እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ወደ እግዚአብሔር ቤት በገባህ ጊዜ እግርህን ጠብቅ፤ ለመስማት መቅረብ ከሰነፎች መሥዋዕት ይበልጣልና፤ እነርሱም ክፉ እንዲያደርጉ አያውቁምና። አማርኛ ENGNIV Guard your steps when you go to the house of God. Go near to listen rather than to offer the sacrifice of fools, who do… English GAZBIB Mana Waaqayyootti yommuu ol lixxu miilla kee eeggadhu! Dhaga'uudhaaf ol lixi! Dhaga'uun aarsaa isa warri gowwoonni dhi'… Afaan Oromoo BCV GIZ ዕቀብ እገሪከ ሶበ ተሐውር ኀበ እግዚአብሔር ወቅረብ ለሰሚዕ እምነ ሀብቶሙ ለአብዳን መሥዋዕተከ እስመ ኢኮኑ ማእምራነ ለገቢረ ሠናይ። giz GAZGAZ Mana Waaqayyootti yommuu ol lixxu miilla kee eeggadhu! Dhaga'uudhaaf ol lixi! Dhaga'uun aarsaa isa warri gowwoonni dhi'… Afaan Oromoo BCV aksum ናብ ቤት እግዚኣብሄር እንትትኣቱ እግርኻ ሓሉ፤ ክፉእ ከም ዝገብሩ ኣይፈልጡን እዮምሞ ኻብ መስዋእቲ ሰነፋት፥ ክትሰምዕ ምቕራብ ይሐይሽ። ትግርኛ AMHNIV ወደ እግዚአብሔር ቤት ስትሄድ እግርህን ጠብቅ። ለመስማት መቅረብ የሰነፎችን መሥዋዕት ከማቅረብ ይበልጣል፤ እነርሱ ክፉ እንደሚሠሩ አያውቁምና። አማርኛ SWAHSUV Jitunze mguu wako uendapo nyumbani kwa Mungu; Maana ni heri kukaribia ili usikie, Kuliko kutoa kafara ya wapumbavu; Amb… Kiswahili