መጽሓፍ መክብብ 4

BCV aksumትግርኛ16 ፍቕድታት2:53 ስማዕ
ስማዕ 2:53 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1መሊሰ ኸዓ ነቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ኵሉ ግፍዒ ተመልከትኩ። እንሆ፥ ንብዓት እቶም ግፉዓት ረአኹ። ዘፀናንዖምውን ኣይነበረን፤ ኣብ ኢድ እቶም ገፋዕቶም ሓይሊ ነበረ፤ ንኣኣቶም ግና ዘፀናንዖም ኣይነበረን።

2ስለዙይ ኣነ “ካብቶም ክሳዕ ሎሚ ብህይወት ዘለዉ፥ ነቶም ቀደም ዝሞቱ ኣመስገንኩ።”

3ካብ ክልቲኦም ግና እቲ ገና ዘይተወለደ፥ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ግፍዒ ዘይረአየ፥ ኣብሊፁ ይሐይሽ።

4ኵሉ ፃዕርን ኵሉ ምስላጥ ስራሕን ከዓ ንሰብ ኣብ ብፃዩ ቕንኢ ከም ዘተስእ ረአኹ። እዙይ ከዓ ኸንቱ እዩ፤ ንንፋስውን ከም ምኽታል እዩ።

5ዓሻ ኣእዳዉ ጠሚሩ ይቕመጥ፤ ንገዛ ስጋኡውን ይበልዕ።

6ግና ኽልተ ኢድ ምሉእ ክትረክብ ኢልካ ኻብ ምፅዓርን ደድሕሪ ንፋስ ካብ ምጕያይንስ ሓንቲ ኢድ ምሉእ ሕፍኒ ምስ ዕረፍቲ ይሐይሽ።

7ተመሊሰ ድማ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ከንቱ ነገር ረአኹ።

8ካልኣይ ዘይብሉ በይኑ ዝነብር ሰብ ኣሎ። ውሉድ ኮነ ሓው የብሉን፤ ንፃዕሩ ግና ወሰን የብሉን፤ ኣዒንቱ ኸዓ በቲ ሃብቱ ኣይፀግባን፤ ንነፍሰይ ፅቡቕ እናኸላእኹ ዝደኽሞ፥ ንመን እዩ?(ሀ) እዙይውን ከንቱን ሕማቕ ፃዕርን እዩ።

9ብፃዕሮም ፅቡቕ ረብሓ ኽረኽቡ ስለ ዝኽእሉ ኻብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሐይሽ።

10ሓደ ኻብኣቶም እንተ ወደቐ እቲ ሓደ ኸተስኦ ይኽእል፤ ሓደ በይኑ እንተ ኾይኑ ግና፥ እንተ ወደቐ ዘተስኦ የብሉን እሞ፥ ወይለኡ።

11ከምኡ ኸዓ ኽልቲኦም ብሓደ እንተ ደቀሱ፥ ይማወቑ፤ ሓደ በይኑ እንተ ደቀሰ ግና፥ ከመይ ኢሉ ይመውቕ?

12እቲ ሓደ ነቲ ሓደ እንተ ኣሰነፎ፥ ክልተ ግና ኽቃወምዎ ይኽእሉ እዮም። ብሰለስተ ዝተገምደ ገመድ ቀልጢፉ ኣይብተኽን እዩ።

13ካብ ምኽሪ ዘይቕበል ኣረጊትን ዓሻን ንጉስ፥ ድኻን ለባምን መንእሰይ ይሐይሽ።

14እቲ መንእሰይ፥ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወፂኡ ወይ ኣብ ውሽጢ ግዝኣቱ ብድኽነት ተወሊዱ ኽነግስ ይኽእል።

15ኣነ እቶም ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝመላለሱ ኹሎም ህያዋን፥ ምስቲ ኽንድኡ ኽቐውም ዝተመደበ ኻልእ ጐበዝ ኮይኖም ረአኽዎም።

16እቲ ንሱ ዝመርሖ ዝነበረ ህዝቢ መወዳእታ ኣይነበሮን፤ እቶም ብድሕሪኡ ዝመፁ ግና ብእኡ ኣይሕጐሱን። እዙይውን ከንቱ እዩ፤ ንንፋስ ከም ምኽታል ከዓ እዩ።

ትርጓሜ

4:1-3 ብርታዔ ንቕንዕና ክዕብልሎ ምርኣይ ንሰሎሞን ኣሕዘኖ። ናብ ዝኾነ ይኹን ወገን እንተዞርና፣ ዘጉሂ መርትዖታት እኩይነትን መከራን ወዲሰብ ንርኢ፣ እዞም ሰባት እዚኦም ንርእሶምን ንሓድሕዶምን ጸገም ንምፍጣር ዝፍትኑ እዮም። በዚ ከምዚ ብኸቢድ ስለ ዝተቐለዑ፣ ሰባት ንህይወት ክጸልኡን ክንዕቑን ይፍትኑ። ግናኸ ጻድቕ ሰብ፣ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጸገም እኳ እንተበጽሖ፣ ከመይሲ ንእግዚኣብሔር የኽብሮ ኣሎ፣ ኣብ ማእከል ሓዊ እኳ እንተነበረ፣ ፈጺሙ ዘይተወልደ እንተዝኸውን ዝብል ምኽንያት ክህልዎ ኣይክእልን፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ንዘለኣለም ሕጉስ ክኸውን እዩ። እኩያት ሰባት፣ ብሓጢኣቶም እንተሞይቶም ዝኸፍአ መከራ ስለ ዝጽበዮም፣ ምስ ኩሉ ጸበባታ ንህይወት ምቕጻል ክምነዩ ዝበለጸ ምኽንያት ኣለዎም። ሰብኣዊን ዓለማዊን ነገራት ቀንዲ ሰናይና እንተዝኾኑ፣ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝተፈላለየ ግፍዕታት ኣብ ግምት ብምእታው፣ ካብ ህይወት ዘይምህላው ይሓይሽ ነይሩ።

4:4-6 ሰሎሞን፡ ፍሉይ ንሰናይ ገበርቲ ዝኸውን ምንጭታት ሽግር የስተብህለሉ፡ እዚ ድማ ነቶም ብትግሃት ዝዓዩን ጻዕሮም ብዓወት ዝተደምደመን ኩሎም የጠቓልል። ንሳቶም ብብዝሒ ዓበይትን ሃብታማትን ይኾኑ፡ እዚ ግና ቅንእን ተቓውሞን የለዓዕል። ካልኦት ከኣ፡ ንሽግራትን ጭንቀትን ንጡፍ ኣገባብ ሂወት ርእዮም፡ ብዕሽነት ኣብ ሃኬትን ስንፍናን ዝበለጸ ዕግበት ይጽበዩ። ግናኸ፡ ስንፍና ንርእሳ መቕጻዕቲ ዝኾነት ሓጢኣት እያ። ብቕንዕና ዝመልኦ ጻዕሪ፡ ዘድልየና ምእንቲ ከይጠፍኣና፡ ሓንቲ ምልእቲ ኢድ ንሓዝ፡ ክልተ ምልእቲ ኣእዳው ግና ክንብድህ ኣይግባእን፡ እዚ ኸኣ ንመንፈስ ጭንቀት ጥራይ ይፈጥር እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG እኔም ተመለስሁ፥ ከፀሐይ በታችም የሚደረገውን ግፍ ሁሉ አየሁ፤ እነሆም፥ የተገፉት ሰዎች እንባ ነበረ፤ የሚያጽናናቸውም አልነበረም፤ በሚገፉአቸውም እጅ ኃይል ነበረ፥ እነርሱን ግን የሚያጽናና… አማርኛ ENGNIV Again I looked and saw all the oppression that was taking place under the sun: I saw the tears of the oppressed– and th… English BCV መሊሰ ኸዓ ነቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ኵሉ ግፍዒ ተመልከትኩ። እንሆ፥ ንብዓት እቶም ግፉዓት ረአኹ። ዘፀናንዖምውን ኣይነበረን፤ ኣብ ኢድ እቶም ገፋዕቶም ሓይሊ ነበረ፤ ንኣኣቶም ግና ዘፀና… ትግርኛ GAZBIB Ammas immoo cunqurfamuu aduu jalatti ta'aa jiru hundumaa deebi'ee ilaaluutti nan ka'e; imimmaan warra cunqurfamaniis na… Afaan Oromoo BCV GIZ ወተመየጥኩ አነ ወርኢኩ ኵሎ ኅቡረ ትእግልተ ዘይትገበር መትሕተ ፀሓይ ወናሁ አንብዕ ለእለ ይትኤገልዎሙ ወአልቦ ዘይናዝዞሙ እምእደ ይትዔገልዎሙ ወኃይል አልቦሙ ለዘይናዝዝዎሙ። giz GAZGAZ Ammas immoo cunqurfamuu aduu jalatti ta'aa jiru hundumaa deebi'ee ilaaluutti nan ka'e; imimmaan warra cunqurfamaniis na… Afaan Oromoo AMHNIV እንደ ገና ከፀሓይ በታች የሚደረገውን ግፍ ሁሉ አየሁ፤ አስተዋልሁም፤ የተገፉትን ሰዎች እንባ ተመለከትሁ፤ የሚያጽናናቸውም አልነበረም፤ ኀይል በሚገፏቸው ሰዎች እጅ ነበረ፤ የሚያጽናናቸውም አ… አማርኛ SWAHSUV Kisha nikarudi na kuona madhalimu yote yanayotendeka chini ya jua; na tazama, machozi yao waliodhulumiwa, ambao walikuw… Kiswahili