1እምበኣር ምስ ክርስቶስ፥ ካብ ሞት ተሲእኹም እንተ ደኣ ዄንኹም፥ ኣብቲ ክርስቶስ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ተቐሚጥዎ ዘሎ፥ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ።
2ኣእምሮኹም፥ ናብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኮነስ፥ ናብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ።
3ንስኻትኩም ሞይትኹም ኢኹምሞ፥ ህይወትኩምውን ምስ ክርስቶስ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ተሰዊሩ ኣሎሞ።
4እቲ ህይወትና ዝኾነ ክርስቶስ እንትግለፅ፥ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለፁ ኢኹም።
5ስለዙይ ኣባኻትኩም ንዘሎ ምድራዊ ድልየትኩም ቅተሉ፤ እዙይ ከዓ፦ ዝሙት፥ ርኽሰት፥ ፍትወት ስጋ፥ ክፉእ ትምኒት፥ እቲ ኣምልኾ ጣዖት ዝኾነ ስስዐ እዩ።
6ብሰንኪ እዝ ነገራት እዙይ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይእዘዙ ውሉድ ክወርድ እዩ።
7ንስኻትኩምውን፥ ቀደም ነዝ ነገራት እዙይ እናገበርኩም ትነብሩ ኔርኩም።
8ሕዚ ግና ንስኻትኩም፥ ቍጥዓ፥ ንደት፥ ክፍኣት፥ ካብ ኣፍኩም ፀርፊ፥ ዘፀይፍ ዘረባን፥ ነዚኣቶም ኵሎምን፥ ካባኻትኩም ኣርሕቑ።
9ከምኡውን ነቲ ኣረጊት ሰብነት፥ ምስ ኵሉ ግብሩ ቐንጢጥኩም፥ ነቲ ንፈጣሪኡ ምእንቲ ኽመስል፥ ብፍልጠት ዝሕደስ ዘሎ ሓድሽ ሰብነት ስለ ዝለበስኩም፥ ንስንሳትኩም ኣይትተሓሳሰዉ።
11ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ እምበር፥ ኣብኡስ ግሪካውን ኣይሁዳውን፥ ግሩዝን ዘይግሩዝን፥ ዝሰልጠነን ዘይሰልጠነ ኣረማውን፥ ባርያን ጭዋን ዝብል፥ ኣፈላላይ የለን።
12እምበኣር እግዚኣብሄር ዝሓረዮም ቅዱሳንን ፍቑራትን ህዝቢ ኸም ምዃንኩም፥ ምሕረት፥ ለውሃት፥ ትሕትና፥ ሕያዋይነት፥ ትዕግስቲ፥ ልበሱ።
13ንስንሳትኩም ተኸኣኣሉ፤ ሓደ ሰብ፥ ኣብ ካልእ ቅር ዘብል ነገር እንተ ሃልይዎ፥ ይቕረ ተበሃሃሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፥ ይቕረ በሉ።
14ኣብ ልዕሊ እዝ ዅሉ፥ መእሰሪ ፍፁምነት እያ እሞ፥ ንፍቕሪ ልበስዋ።
15ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ኴንኩም፥ ንሰላም ተፀዊዕኹም ኢኹም እሞ፥ ሰላም ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ይግዛእ፤ ኣመስገንቲ እውን ኩኑ።
16ቃል ክርስቶስ ብምልኣት ይሕደርኩም፤ ብዅሉ ጥበብ ንስንሳትኩም ተመሃሃሩን ተመዓዓዱን፤ መዝሙርን ቅኔን መንፈሳዊ ዜማን፥ ብልብኹም ንእግዚኣብሄር ዘምሩ።
17ብቓል ኮነ ወይ ብግብሪ እትገብርዎ ዅሉ፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግበርዎ፤ ብእኡ ኸዓ፥ ንእግዚኣብሄር ኣብ ኣመስግንዎ።
18ኣትን ኣንስቲ፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ብዘብል መንገዲ፥ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም።
19ኣቱም ሰብኡትውን፥ ነንስትኹም ፍተዉወን፤ መረርቲ እውን ኣይትኹንወን።
20ኣቱም ውሉድ፥ ንእግዚኣብሄር የሐጕስ እዩ እሞ፥ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም።
21ኣቱም ወለዲውን፥ ተስፋ ምእንቲ ኸይቘርፁ፥ ንደቕኹም ኣይተቘጥዕዎም።
22ኣቱም መገልገልትውን፥ ነቶም ብስጋ ጐይቶትኩም ዝኾኑ፥ ንገፅ ረአ፥ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ጌርኩም ዘይኮነስ፥ ብቕኑዕ ልቢ ንእግዚኣብሄር እናፈራሕኹም፥ ብዅሉ ተኣዘዝዎም።
23ነቲ ርስቲ፥ ከም ዓስቢ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ ፈሊጥኩም፥ ኵሉ እትገብርዎ፥ ንሰብ ዘይኮነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፥ ካብ ልቢ ግበርዎ። እቲ እተገልግልዎ ጐይታ፥ ክርስቶስ እዩ እሞ።
25እቲ ኽፉእ ዝገበረ፥ ክንዲ እቲ ኽፉእ ግብሩ ኽፍደ እዩ፤ ኣብ እግዚኣብሄር ኣድልዎ የለንሞ።