ትንቢት ኣሞጽ 7

BCVትግርኛ17 ፍቕድታት3:08 ስማዕ
ስማዕ 3:08 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ነዙይ ኣርኣየኒ፦ እንሆ እቲ ዳሕረዋይ ናይ ንጉስ ዝኾነ ሳዕሪ ምስ ተዓፅደ፥ ገና ምጭላድ ክጅምር እንተሎ፥ እግዚኣብሄር ኣንበጣ ፈጠረ፤ እንሆ ድሕሪ ዓፂድ እቲ ንጉስ ዝበቈለ ጠጥዒ ነበረ።

2ኣብቲ ራእይ ከዓ ነቲ ዅሉ ጠጥዒ ምድሪ ኽበልዖ እንተሎ ረአኹ እሞ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ያእቆብ ንእሽተይ እዩሞ፥ ከመይ ገይሩ ኽቐውም ይኽእል? በይዛኻ ሓጢኣት ህዝብኻ ይቕረ በል” በልኩ።

3እግዚኣብሄር ድማ በዝ ነገር እዙይ ተናስሐ፤ “እዙይስ ኣይኸውንን እዩ” ይብል እግዚኣብሄር።

4ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ኣርኣየኒ፦ እንሆ፥ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ ብሓዊ ኽቐፅዕ ፀውዐ። እቲ ሓዊ ነቲ ዓብዪ ቃላይ ባሕርን ንምድርን በልዖ።

5ኣነ ድማ “ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ ንኽትሓድግ እልምነካ ኣለኹ፤ ያእቆብ ንእሽተይ እዩሞ፥ ከመይ ገይሩ ኽቐውም ይኽእል?” በልኩ።

6እግዚኣብሄር ከዓ በዝ ነገር እዙይ ተናስሐ፤ “እዙይውን ኣይኸውንን እዩ” ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።

7ከምዙይ እውን ኣርኣየኒ፦ እንሆ እግዚኣብሄር መለክዒ መንደቕ ገመድ ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ኣብቲ ብመለክዒ ዝተሰርሐ መንደቕ ደው ኢሉ ነበረ።

8እግዚኣብሄር ድማ “ኣሞፅ፥ እንታይ ትርኢ ኣለኻ?” በለኒ። ኣነ ኸዓ “ሓደ መለክዒ መንደቕ” በልኩ። እግዚኣብሄር ድማ “እንሆ ኣብ መንጎ ህዝበይ እስራኤል፥ ንመለክዒ መንደቕ ክገብሮ እየ። ካብዙይ ንደሓር ኣይሓልፎን እየ።

9ናይ ይስሓቅ መምለኺ ዀረብታታት ክዓንዉ እዮም። መቕደስ እስራኤል ክፈርስ እዩ። ኣነውን ኣብ ልዕሊ ቤት ኢዮርብዓም፥ ብሰይፊ ኽለዓል እየ” በለ።

10ሽዑ ኣሜስያስ ካህን ቤቴል፥ ናብ ኢዮርብዓም ንጉስ እስራኤል፥ ከምዙይ ኢሉ መልእኽቲ ለኣኸ፦ “ኣሞፅ ኣብ ማእኸል ህዝቢ እስራኤል ሻራ ገይሩልካ ኣሎ። እታ ምድሪ እውን ንዅሉ ቓላቱ ክትፀውር ኣይትኽእልን እያ።

11ኣሞፅ ባዕሉ ‘ኢዮርብዓም ብሰይፊ ኽመውት እዩ፤ ህዝቢ እስራኤል ከዓ ተማሪኾም፥ ካብ ምድሮም ክውሰዱ እዮም’ ኢሉ ይዛረብ ኣሎ” በሎ።

12ኣሜስያስ ድማ ንኣሞፅ “ኣታ በዓል ራእይ፥ ኪድ፤ ናብ ምድሪ ይሁዳ ህደም፤ ኣብኣውን እንጀራኻ ብላዕ፤ ኣብኣ ኸዓ ተነበ።

13ግና ቤቴል ናይ ንጉስ መቕደስ፥ ናይ መንግስቱውን መንበሪ እያ እሞ፥ ድሕሪ ደጊም ኣብኣ ኣይትነበ” በሎ።

14ኣሞፅ ከዓ ንኣሜስያስ ከምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “ኣነ ሓላዊ ኸፍትን፥ ኣራዪ ፍረ ዳዕሮን እየ እምበር፥ ነቢይ ወይ ወዲ ነቢይ ኣይኮንኩን።

15ኣባጊዕ ክጓሲ እንተለኹ ኸዓ እግዚኣብሄር ፀውዐኒ ‘ኪድ እሞ ንህዝበይ እስራኤል ተነበየሉ’ በለኒ።

16ሕዚ እውን ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ ‘ንስኻ፥ ኣንፃር እስራኤል ኣይትነበ፤ ኣንፃር ቤት ይስሓቕውን ኣይትስበኽ’ ትብል ኣለኻ።

17ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ሰበይትኻ ኣብታ ኸተማ ኣመንዝራ ኽትከውን እያ፤ ኣወዳትን ኣዋልድን ደቅኻ፥ ብሰይፊ ኽወድቑ እዮም፤ ምድርኻ ድማ ብገመድ ክትምቀል እያ፤ ንስኻውን ኣብ ዝረኸሰት ሃገር ክትመውት ኢኻ። እስራኤልውን ብርግፅ ካብ ሃገሩ ተማሪኹ ክኸይድ እዩ።”

ትርጓሜ

7:1-9 ኣምላኽ ንነዊሕ እዋን ይትዕገስ፣ ግናኸ ንዘቕስን ህዝቢ ኩሉ ግዜ ኣይትዕገሶን እዩ። ንቀደም ዝረኸብናዮ ምሕረት ምዝካር፣ ከም ፍርያት ምድሪ ናይ ቀደም ብቑል፣ ኣብ ናይ ደሓር ግዜ ምብቋል ዕግርግር ምስ ኣጋጠመና፣ ንፍቓድ ኣምላኽ ተገዛእቲ ክገብረና ይግባእ። እግዚኣብሔር ሓጢኣተኛ ሃገር ከትሕት ብዙሕ መገዲ ኣለዎ። ዝኾነ ይኹን ጸገም እንተሃለወና፣ ንቕርበተ ሓጢኣት ብጽሙቕ ልመና ናብ ኣምላኽ ክንጽሊ ይግባእ። ሓጢኣት ቀልጢፋ ዓብይ ህዝቢ ንእሽቶ ክትገብሮ እያ። እቲ ከዕብዮ ዝነበሮ ኢድ ኣብኡ ተዘርጊሑ እንተኾይኑ፣ ንእስራኤል እንታይ ክኸውኖ እዩ? ሓይሊ ጸሎት ርኣዩ። ጸሎተኛ ህዝቢ ንሓገር እንታይ ዝበለ በረኸት ምዃኖም ርኣዩ። ኣምላኽ ምሕረት ክገብር ክንደይ ድሉው ከም ዝኾነ፣ ክንደይ ቅልጡፍ ከም ዝኾነ፣ ከምኡ’ውን ጸጋ ንምሃብ ክንደይ ከም ዝጽበ ርኣዩ። እስራኤል ቅጽሪ፣ ሓያል ቅጽሪ ነበረ፣ ኣምላኽ ባዕሉ ንመቕደሱ መከላኸሊ ጌሩ ዝሃነጾ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ጌታ እግዚአብሔር እንዲህ አሳየኝ፤ እነሆም፥ የኋለኛው ሣር በሚበቅልበት መጀመሪያ ላይ አንበጣን ፈጠረ፤ እነሆም፥ ከንጉሡ አጨዳ በኋላ የበቀለ የገቦ ነበረ። አማርኛ ENGNIV This is what the Sovereign Lord showed me: He was preparing swarms of locusts after the king's share had been harvested… English GAZBIB Wanta Waaqayyo gooftaan mul'ataan anatti argisiise isinitti himuufan jira. Kunoo! Marga isa duraa mootichaaf erga haama… Afaan Oromoo BCV GIZ እስመ ከመዝ አርአየኒ እግዚአብሔር፤ ወናሁ ይመጽእ አንበጣ በጽባሕ ወአሐዱ ደጎብያ ጎግ ንጉሥ። giz GAZGAZ Wanta Waaqayyo gooftaan mul'ataan anatti argisiise isinitti himuufan jira. Kunoo! Marga isa duraa mootichaaf erga haama… Afaan Oromoo BCV aksum እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ነዙይ ኣርኣየኒ፦ እንሆ እቲ ዳሕረዋይ ናይ ንጉስ ዝኾነ ሳዕሪ ምስ ተዓፅደ፥ ገና ምጭላድ ክጅምር እንተሎ፥ እግዚኣብሄር ኣንበጣ ፈጠረ፤ እንሆ ድሕሪ ዓፂድ እቲ ንጉስ ዝ… ትግርኛ AMHNIV ጌታ እግዚአብሔር ይህን አሳየኝ፤ የንጉሡ የመከር እህል ከተሰበሰበ በኋላ ገቦው መብቀል በጀመረ ጊዜ፣ እርሱ የአንበጣ መንጋ እንዲፈለፈል አደረገ። አማርኛ SWAHSUV Haya ndiyo aliyonionyesha Bwana MUNGU; tazama, aliumba nzige mwanzo wa kuchipuka kwake mimea wakati wa vuli; na tazama,… Kiswahili