ግብሪ ሃዋርያት 24

BCV aksumትግርኛ27 ፍቕድታት4:39 ስማዕ
ስማዕ 4:39 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ፥ ሓናንያ እቲ ሊቀ ካህናት፥ ምስ ሽማግለታትን ጠርጠሉስ ምስ ዝበሃል ሓደ ወዳኢ ነገርን ወረደ፤ ንሳቶም ድማ፥ ንጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቲ ሹም ከሰስዎ።

2ጳውሎስ ምስ ተፀውዐ ድማ፥ ጠርጠሉስ ከምዙይ እናበለ ክኸሶ ጀመረ፦ “ኦ ኽቡር ፊልክስ! ብኣኻ ብዙሕ ሰላም ረኺብና ኣለና፤ ሳላ ብልሓትካ ድማ፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ብዙሕ ምምሕያሽ ኮይኑሉ ኣሎ።

3ነዝ ነገር እዙይ ድማ፥ ኵልሻዕ ኣብ ኵሉ ሃገር ብታሕጓስ እናተቐበልና፥ ነመስግነካ ኣለና።

4እንተ ኾነ ምእንቲ ኸየንውሐልካ፥ ነዝ ብሓፂሩ ዝብለካ፥ ተዓጊስካ ብቕንዕና ኽትሰምዐኒ እልምነካ ኣለኹ።

5እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ናይቶም ናዝራውያን ተብሂሎም ዝፅውዑ ወገን መራሒ እዩ፤ በብዓዱ ንዘለዉ ዅሎም ኣይሁድ ድማ፥ ዕግርግርን ህውከትን እናፈጠረ፥ ሕማም ኮይኑ ረኺብናዮ ኣለና።

6ቤተ መቕደስ ከርክስ ምስ ደለየ ኸዓ፥ ሒዝና ኸም ሕግና ኽንፈርዶ ደለና።

7ግና ሉስዮስ እቲ ሓለቓ ሽሕ መፂኡ፥ ብብዙሕ ሓይሊ ኻብ ኢድና መንዚዑ ወሰዶ።

8ነቶም ከሰስቱ ድማ፥ ናባኻ ኽመፁ ኣዘዞም። ብዛዕባ እዝ ንሕና እንኸሶ ዘለና ዅሉ ኸዓ፥ ባዕልኻ ንእኡ መርሚርካ ኽትፈልጦ ትኽእል ኢኻ።”

9ኣይሁድውን “እወ፥ እዝ ነገር እዙይ ልክዕ እዩ” በሉ።

10እቲ ሹም ክዛረብ ምስ ኣመልከቶ ኸዓ፥ ጳውሎስ ከምዙይ እናበለ መለሰ፦ “ካብ ብዙሕ ዓመት ጀሚርካ፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ፈራዲ ምዃንካ(ሀ) እፈልጥ እየሞ፥ ነገረይ ብታሕጓስ እነግረካ ኣለኹ።

11ክሰግድ ኢለ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ካብ ዝድይብ ካብ ዓሰርተ ኽልተ መዓልቲ ዝበዝሕ ከም ዘይገበርኩ፥ ክትፈልጦ ትኽእል ኢኻ።

12ኣብ ቤተ መቕደስ ምስ ሓደኳ ኽዛረብ፥ ወይ ህዝቢ ኣኪበ ኽህውኽ፥ ኣብ ኣብያተ ፀሎት ኮነ ኣብ ከተማ ኣይረኸቡንን።

13ሕዚ እውን በዝ ዝኸሱኒ ዘለዉ ነገር፥ ኣብ ቅድሜኻ ኽረትዑሉ ኣይኽእሉን እዮም።

14ኣነ ግና፥ ንዅሉ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎን፥ ንዅሉ ኣብ ነቢያት ተፅሒፉ ዘሎን ከም ዝኣምን፥ በታ ንሳቶም ‘መናፍቕነት’ ብዝብልዋ መንገዲ ጐይታ፥ ንኣምላኽ ኣቦታተይ ከም ዘምልኽ እእመነልካ ኣለኹ።

15ከምቲ ንሳቶም ተስፋ ዝገብርዎ፥ ኣነውን ፃድቃንን ሓጥኣንን ካብ ሞት ከም ዝትስኡ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ተስፋ ኣለኒ።

16ስለዙይ ከዓ እየ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ ሰብን፥ ብንፁህ ሕሊና ኽነብር ዝፅዕር ዘለኹ።

17“ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ከዓ፥ ናብ ህዝበይ ምፅዋት ከብፅሕን፥ መስዋእቲ ኸቕርብን፥ ናብ ኢየሩሳሌም መፃእኹ።

18እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ከምቲ ስርዓት ዝእዝዞ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ርእሰይ ከንፅህ እንተለኹ ደኣ ረኸቡኒ እምበር፥ ዝኣከብክዎ ወይ ንህውከት ዘለዓዓልክዎ ህዝቢ ኣይነበረን፤

19ገሊኣቶም ካብ እስያ ዝመፁ ኣይሁድ ግና ኣብኡ ነበሩ፤ ንሳቶም ኣባይ ነገር እንተ ደኣ ሃልይዎም፥ ኣብ ቅድሜኻ መፂኦም፥ ክኸሱኒ እዩ ዝግባእ።

20ወይ ከዓ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ቖይመ እንተለኹ፥ ዝኾነ በደል ረኺቦምለይ እንተ ኾይኖም፥ እዚኣቶም ይንገሩ።(ለ)

21ብዘይ እታ ኣብ ማእኸሎም ቆይመ፥ ዓው ኢለ ‘ሎሚ ኣነ ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታን፥ ኣብ ቅድሜኹም እፍረድ ኣለኹ’ ዝበልክዋ እንተ ዘይኮይና፥ ሓንቲ እኳ ኣይረኸቡለይን።”

22ፊልክስ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ብዛዕባ መንገዲ ጐይታ ኣፀቢቑ(ሐ) ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፥ “እቲ ሓለቓ ሽሕ ሉስዮስ ምስ ወረደ፥ ሽዑ ነገርኩም ኣፀቢቐ ኽምርምሮ እየ” ኢሉ ኽፀንሕ ገበሮ።

23ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ንጳውሎስ ክሕልዎ፥ ማእሰርቲ ኸቕልለሉ፥ ካብቶም ከገልግልዎ ዝደልዩ ሰባትውን፥ ንሓደኳ ኸይኽልክል ኣዘዞ።

24ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ ኸዓ፥ ፊልክስ ምስታ ድሩሲላ ዝተብሃለት ኣይሁዳዊት ሰበይቱ መፂኡ፥ ንጳውሎስ ልኢኹ ፀውዖ እሞ፥ ብዛዕባ ብኢየሱስ ክርስቶስ ምእማን፥ ካብኡ ሰምዑ።

25ብዛዕባ ፅድቅን፥ ንባዕልኻ ምግታእን፥ ብዛዕባ ዝመፅእ ፍርድን፥ ምስ ነገሮም ፊልክስ ፈሪሑ፥ “ሕዚ ኺድ፤ ብዝምችወኒ ጊዜ ኽትመፅእ ክልእኸልካ እየ” በሎ።

26ምስዙይ ድማ ኻብ ጳውሎስ ገንዘብ ክረክብ ተስፋ ይገብር ስለ ዝነበረ፥ ብዙሕ ጊዜ ለልኢኹ እናምፅአ ይዛረቦ ነበረ።

27ክልተ ዓመት ምስ ሓለፈ፥ ጶርቅዮስ ፊስጦስ ክንዲ ፊልክስ ተሸመ። ፊልክስ ከዓ ንኣይሁድ ከሕጕስ ደልዩ፥ ንጳውሎስ ብእሱሩ ሓደጎ።

ትርጓሜ

24:1-9 ኣብዚ ንጸገም ዓበይቲ ሰባት ርአ። እዚ ድማ ዓብዪ ጸገም እዩ፡ ኣገልግሎቶም ካብ መጠን ንላዕሊ እንተተወድሰ፡ ድኻሞም ድማ ብእምነት ወይ ብሓቂ ዘይምንጋር። በዚ ድማ ልቦም ይደስክዕ እሞ ከም ፌሊክስ ብኽፍኣት ይተባብዑ። ነብያት ኣምላኽ ንሃገር ዘረብሹ ተባሂሎም ተኸሲሶም እዮም። ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ድማ ንህዝቢ ኣጥፊኡ ተባሂሉ፤ ተመሳሳሊ ክሲ ድማ ኣብ ልዕሊ ጳውሎስ ቀሪቡ ነይሩ። ህርፋናዊን ክፉእን ትምኒት ሰባት ንኣታቶም ይድርኾም። ውሕሉልን ሓይለኛን ንግግር ድማ፡ ብዙሕ ግዜ ሰባት ብዛዕባ ሓቂ ንኸጋገዩን ንኸምጽልኡን ተጠቒሙሉ እዩ። ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ባህርያት ጳውሎስን ፌሊክስን ክንደይ ዝተፈላለየ ኮይኑ ኪርአ እዩ፡ ካብቲ ብንግግር ተርቱሎስ ዝተሳእሉሉ መገዲ! ኣሕዋት ክርስቶስ ንምውዳስ ኣየጣብቑ፡ ወይ ድማ ብምጽርራፍ ናይ ዘይኣምኑ ሰባት ኣይሕረቑ። እቶም ንዝኸፍኡ ፍጡራት ደቂ ሰብ ከም ኣማልኽቲ ገይሮም ዚገልጹ፡ ንእሙናት እዛ ምድሪ ድማ ከም መርሓምትን ቀስቀስቲ ህውከትን ገይሮም ዚገልጹ እዮም።

24:10-21 ጳውሎስ ቅኑዕ ሓበሬታ ብዛዕባ ባዕሉ ይህብ፣ እዚ ድማ ካብ ገበን የንጽሖ፣ ከምኡ’ውን ናይቲ ንዕኡ ዝበጽሖ ግፍዒ ሓቀኛ ምኽንያት ይገልጽ። ካብ ዝኾነ ጽቡቕ መገዲ ብኽፉእ ስም እኳ እንተተሰምየ ብሓደ እኳ ኣይንጸርጸር። ንኣምላኽ ኣብ ምንባይሲ፣ ንኣምላኽ ኣቦታትና ጌርና ምጥማቱ፣ ከምኡ’ውን ብዘይካ ቅዱሳት ጽሑፋት ካልእ ናይ እምነት ወይ ስራሕ ስርዓት ከይንገብር ኣዝዩ ዘረጋግእ እዩ። እዚ ድማ ናብ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ዝመርሕ ትንሳኤ ከም ዝህሉ የርኢ። ነብያትን ትምህርቶምን ብፍሬኦም ክፍተኑ ነይሮም። ዕላማ ጳውሎስ ከኣ ንዘይገበነ ሕሊና ንምሓዝ ነይሩ። ጻዕሩን ትግሃቱን ከኣ ካብ ብዙሕ ነገራት ንምጥንቃቕ፣ ኣብ ሃይማኖታዊ ልምምዳት ድማ ኩሉ ሳዕ ክበዝሕ፣ ናብ ኣምላኽን ናብ ሰብን፣ ነይሩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ከአምስት ቀንም በኋላ ሊቀ ካህናቱ ሐናንያ ከሽማግሌዎችና ጠርጠሉስ ከሚሉት ከአንድ ጠበቃ ጋር ወረደ፤ እነርሱም ስለ ጳውሎስ ለአገረ ገዡ አመለከቱት። አማርኛ ENGNIV Five days later the high priest Ananias went down to Caesarea with some of the elders and a lawyer named Tertullus, and… English BCV ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ፥ ሓናንያ እቲ ሊቀ ካህናት፥ ምስ ሽማግለታትን ጠርጠሉስ ምስ ዝበሃል ሓደ ወዳኢ ነገርን ወረደ፤ ንሳቶም ድማ፥ ንጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቲ ሹም ከሰስዎ። ትግርኛ GAZBIB Guyyoota shan booddee Ananiiyaas angafni lubootaa, maanguddootaa fi nama seera falmuuf Xerxilos jedhamu tokkoo wajjin g… Afaan Oromoo BCV GIZ ወአመ ኀሙስ ዕለት ወረደ ሐናንያ ሊቀ ካህናት ምስለ ረበናት ወአሐዱ ዐቃቤ ነቢብ ዘስሙ ጠርጠሉስ ወአስተዋደይዎ ለጳውሎስ ኀበ መልአክ። giz GAZGAZ Guyyoota shan booddee Ananiiyaas angafni lubootaa, maanguddootaa fi nama seera falmuuf Xerxilos jedhamu tokkoo wajjin g… Afaan Oromoo AMHNIV ከአምስት ቀን በኋላ፣ ሊቀ ካህናቱ ሐናንያ ከአንዳንድ ሽማግሌዎችና ጠርጡለስ ከሚባል ጠበቃ ጋር ወደ ቂሳርያ ወረደ፤ በጳውሎስም ላይ ያላቸውን ክስ ለአገረ ገዡ አቀረቡ። አማርኛ SWAHSUV Baada ya siku tano, Anania, Kuhani Mkuu, akatelemka na baadhi ya wazee pamoja naye, na msemi mmoja, Tertulo, nao wakamw… Kiswahili