ግብሪ ሃዋርያት 16

BCVትግርኛ40 ፍቕድታት6:15 ስማዕ
ስማዕ 6:15 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ካብኡ ጳውሎስ፥ ኣብ ደርቤንን ኣብ ልስጥራንን በፅሐ፤ ኣብኡ ኸዓ፥ ካብ ሓንቲ ኣይሁዳዊት ኣማኒት ሰበይትን፥ ካብ ሓደ ግሪካዊ ሰብኣይን ዝተወለደ፥ ጢሞቴዎስ ዝበሃል ደቀ መዝሙር ነበረ።

2እቶም ኣብ ልስጥራንን ኣብ ኢቆንዮንን ዝነበሩ ኣሕዋት፥ ፅቡቕ ይምስክሩሉ ነበሩ።

3ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ምስኡ ኽወስዶ ደለየ፤ ኣቦኡ ግሪካዊ ምዃኑ ዅላቶም ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ፥ ምእንቲ እቶም ኣብተን ዓድታት እቲኣተን ዝነበሩ ኣይሁድ፥ ገረዞ።

4ኣብ ዘዝኣተዉዋ ኸተማ ኸዓ፥ ነቲ ሃዋርያትን ሽማግለታትን(ሀ) ኣብ ኢየሩሳሌም ዝወሰንዎ ስርዓት ክሕልዉዎ ሃቡዎም።

5እተን ኣብያተ ክርስቲያን ከዓ ብእምነት ፀንዓ፤ ቍፅረን ድማ፥ በብመዓልቱ ይውስኽ ነበረ።

6ጳውሎስን ብፆቱን፥ ኣብ እስያ ነቲ ቓል ከይነግሩ፥ መንፈስ ቅዱስ ምስ ከልከሎም፥ ናብ ፍርግያን ገላትያን ሓለፉ።

7ኣብ ሚስያ ምስ በፅሑ፥ ናብ ቢታንያ ክኸዱ ደለዩ፤ መንፈስ ኢየሱስ ግና ኣይፈቐደሎምን።

8ስለዙይ ካብ ሚስያ ሓሊፎም፥ ናብ ጢሮኣዳ ወረዱ።

9ጳውሎስ ከዓ፥ ብለይቲ ሓደ በዓል መቄዶንያ ሰብኣይ፥ ደው ኢሉ “ናባና ናብ መቄዶንያ ሕለፍ እሞ ርድአና” እናበለ፥ ክልምኖ እንተሎ ራእይ ረአየ።

10እዙይ ምስ ረአየ፥ ወንጌል ክንሰብከሎም እግዚኣብሄር ከም ዝፀውዐና ስለ ዝፈለጥና፥ ሽዑ ንሽዑ ናብ መቄዶንያ ኽንከይድ ደለና።

11ሽዑ ኻብ ጢሮኣዳ ብመርከብ ምስ ከድና፥ ቀኒዕና ናብ ሳሞትራቄ ኣምራሕና፤ ንፅባሒቱ ድማ ናብ ናጱሌ ኸድና።

12ካብኣ ድማ፥ ናብታ ክፍለ ሃገር መቄዶንያ ቐዳመይቲ ኸተማን፥ ግዝኣት ሮምን ዝኾነት ፊልጵስዩስ ኣተና፤ ኣብኣ ኸዓ ብዙሕ መዓልቲ ቐነና።

13ብመዓልቲ ሰንበት ድማ፥ ካብ ቅፅሪ እታ ኸተማ ወፂእና፥ ኣብቲ ጥቓ ገምገም ሩባ፥ ቤተ ፀሎት ስለ ዝነበረ፥ ናብኡ ኸድና፤ ኣብኡ ኾፍ ኢልና ኸዓ፥ ነተን ኣብኡ ዝተኣከባ ኣንስቲ ኽንነግረን ጀመርና።

14ልድያ እትበሃል፥ ንእግዚኣብሄር እትፈርሕ ሰበይቲ፥ በዓልቲ ኸተማ ትያጥሮን፥ ሸያጢት ቀይሕ ሓሪ ድማ፥ ትሰምዕ ነበረት፤ ነቲ ጳውሎስ ዝብሎ ዝነበረ ኽተስተውዕል ድማ፥ ጐይታ ልባ ኸፈተላ።

15ንሳ ምስ ስድራ ቤታ ምስ ተጠመቐት ከዓ “ብጐይታ ኸም ዝኣመንኩ እንተ ደኣ ተቐቢልኩምኒ ዄንኩምስ፥ ናብ ገዛይ ኣቲኹም ሕደሩ” ኢላ ለመነትና፤ ግዲውን በለትና።

16ናብ ቤተ ፀሎት ክንከይድ እንተለና፥ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ፥ ንጐይቶታ ኸዓ በቲ ጥንቈላኣ ብዙሕ እቶት እተእትወሎም ዝነበረት፥ ግዝእቲ ጓል ረኸበትና።

17ንሳ ኸዓ ደድሕሪ ጳውሎስን ደድሕሬናን እናሰዓበት “እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ኣገልገልቲ ልዑል እግዚኣብሄር እዮም፤ መንገዲ ምድሓን ይምህሩኹም ኣለዉ” እናበለት፥ ዓው ኢላ ትዛረብ ነበረት።

18ነዝ ነገር እዙይውን፥ ብዙሕ መዓልቲ ደጋገመቶ፤ ጳውሎስ ድማ ብዙሕ ጊዜ ምስ ኣትከረቶ፥ ምልስ ኢሉ ነቲ ርኹስ መንፈስ፥ “ካብኣ ኽትወፅእ፥ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ እእዝዘካ ኣለኹ” በሎ። በታ ጊዜ እቲኣውን ወፀ።

19ጐይቶታ ግና፥ ዝረኽብዎ ዝነበሩ እቶት ከም ዘቋረፀ ምስ ረአዩ፥ ንጳውሎስን ንሲላስን ሓዝዎም፤ ጐቲቶም ናብ ዕዳጋ ወሲዶም ድማ፥ ናብቶም ሹመኛታት ኣቕረብዎም።

20ኣብ ቕድሚ እቶም ሮማውያን ሰብ ስልጣን ደው ኣቢሎምውን፥ ከምዙይ ኢሎም ከሰስዎም፦ “እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣይሁድ እዮም፤ ንኸተማና ኸዓ ይህውኽዋ ኣለዉ፤

21ንሕና ሮማውያን፥ ክንቅበሎ ኾነ ኽንገብሮ ዘይግብአና ስርዓት፥ ይምህሩ ኣለዉ።”

22እቲ ህዝቢ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ተሲኡ ተበኣሶም፤ እቶም ሰብ ስልጣን ድማ፥ ክዳውንቶም ገፊፎም ብበትሪ ኽወቕዕዎም ኣዘዙ።

23ብዙሕ ምስ ዘበጥዎም ከዓ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም፤ ነቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ድማ፥ ኣፅኒዑ ኽሕልዎም ኣዘዝዎ።

24ንሱ ነዝ ትእዛዝ እዙይ ምስ ተቐበለ ኸዓ፥ ናብቲ ውሽጥ ዝበለ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም፤ ኣእጋሮም ድማ ብመቝሕ፥ ኣብ ጕንዲ ኣፅኒዑ ኣሰሮም።

25ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ድማ፥ ጳውሎስን ሲላስን እናፀለዩ፥ ንእግዚኣብሄር ብመዝሙር የመስግኑ ነበሩ፤ እቶም ካልኦት እሱራትውን ይሰምዕዎም ነበሩ።

26ብድንገት ድማ፥ መሰረት እታ ቤት ማእሰርቲ ኽሳዕ ዝናወፅ፥ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ኮነ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ፥ ኵሉ እቲ መዓፁ ተኸፍተ፤ ናይ ኵላቶም መዋቕሕውን ተፈትሐ።

27እቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተበራበረ፥ መዓፁ እታ ቤት ማእሰርቲ ተኸፊቱ ምስ ረአየ፥ እቶም እሱራት ዘምለጡ መሲልዎ፥ ሰይፉ መዚዙ ባዕሉ ንባዕሉ ኽቐትል ደለየ።

28ጳውሎስ ግና ዓው ኢሉ “ኣብ ባዕልኻ ኽፉእ ኣይትግበር፤ ኵላትና ኣብዙይ ኣለና” በሎ።

29ንሱ ድማ “መብራህቲ ኣምፅኡለይ” ኢሉ እናጐየየ ኣተወ፤ እናንቀጥቀጠውን፥ ኣብ ቕድሚ ጳውሎስን ሲላስን ፍግም ኢሉ ሰገደ።

30ናብ ደገ ኣውፂኡ ድማ “ጐይቶተይ! ምእንቲ ኽድሕንስ፥ እንታይ ክገብር ይግብአኒ?” በሎም።

31ንሳቶም ከዓ “ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እመን፤ ንስኻን ስድራኻን ድማ፥ ክትድሕኑ ኢኹም” በልዎ።

32ንእኡን ንዅሎም እቶም ምስኡ ኣብ ገዛኡ ዝነበሩን ድማ፥ ቃል እግዚኣብሄር ነገርዎም።

33ሽዑ በታ ለይቲ እቲኣ ወሲዱ፥ ቍስሎም ሓፀበሎም፤ ምስ ኵሎም ስድራ ቤቱ ኸዓ ተጠመቐ።

34ናብ ገዛኡ ወሲዱ ድማ፥ ማእዲ ቐረበሎም፤ ብእግዚኣብሄር ስለ ዝኣመነውን፥ ምስ ኵሎም ስድራ ቤቱ ተሓጐሰ።

35ምድሪ ምስ ወግሐ፥ እቶም ሰብ ስልጣን “ነቶም ሰባት ፈቲሕኻ ስደዶም” ኢሎም፥ ሓሻኽር ለኣኹሉ።

36እቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ድማ “እቶም ሰብ ስልጣን ‘ፍትሕዎም’ ኢሎም ልኢኾም ኣለዉ እሞ፥ ሕዚ እምበኣር ወፂእኹም ብሰላም ኪዱ” ኢሉ ንጳውሎስ ነገሮ።

37ጳውሎስ ግና፥ “ንሕና ሮማውያን እንተለና፥ ብዘይ ፍርዲ ብገሃድ ገሪፎም፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትዮምናስ፥ ሕዚዶ ብሕቡእ ክሰዱና? ባዕልቶም ደኣ መፂኦም የውፅኡና እምበር፥ እዙይ ከቶ ኣይኸውንን እዩ” በሎም።

38እቶም ሓሻኽር ድማ፥ ነቶም ሰብ ስልጣን፥ ነዝ ነገር እዙይ ነገርዎም። ንሳቶም ድማ፥ ሮማውያን ምዃኖም ምስ ሰምዑ ፈርሑ።

39መፂኣቶም ከዓ “ይቕረ በሉልና” ኢሎም ኣውፅእዎም፤ ካብታ ኸተማ ኽወፁ ኸዓ ለመንዎም።

40ሽዑ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ወፂኦም፥ ናብ ቤት ልድያ ኣተዉ፤ ነቶም ኣሕዋት ምስ ረኸብዎም ድማ፥ ኣፀናኒዖምዎም ካብኡ ወፁ።

ትርጓሜ

16:1-5 ቤተ ክርስቲያን ከም ትሞቴዎስ ብተመሳሳሊ መንፈስ ካብ ዝጀመሩ መንእሰያት ኣገልገልቲ ብዙሕ ኣገልግሎት ክትጽበ ይግባእ። ግናኸ ሰባት ብዝኾነ ይኹን ነገር ዘይግዝኡን ብዝኾነ ይኹን ነገር ዘይተሓባበሩን ከለዉ፡ እቲ ናይ ክርስትና ባህርይ መሰረታዊ ነገራት ዝጎድሎም ይመስል። እሞ እቲ ትምህርትታትን ትእዛዛትን ወንጌል ብዓወት ኣይኪምሃሩን ኢሉ ንምእማን ብዙሕ ምኽንያት ኣሎ። እቲ ድንጋገ ንስርዓተ ኦሪትን ስጋዊ ስርዓታቱን ንምስናብ ዝዓለመ ብምዃኑ፡ ምእመናን ኣብ ክርስትያናዊ እምነት ተደልደሉ። ምኽንያቱ ንሱ ንባህርይ ኣምላኽን ሰብን ክልቲኡ ዝሰማማዕ መንፈሳዊ ኣገባብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ስለ ዝሰርዐ። በዚ ኸኣ ቤተ ክርስቲያን መዓልታዊ ብቑጽሪ ወሰኸት።

16:6-15 ምልጋዕ ኣገልገልቲን ብኣታቶም መራኸቢ ጸጋ ምቕራብን ብፍላይ ትሕቲ መሪሕነትን ኣንፈትን ኣምላኽ እዩ። ንምርሓተ ኣምላኽ ክንክተል ይግባእ፤ እሞ ዝኾነ ክንገብሮ እንሓስቦ ነገር እንተ ዘይፈቐደልና፣ ክንእዘዝን ንጥቕምና ምዃኑ ክንኣምንን ኣሎና። ህዝቢ ንነፍሶም ብዕቱብ ሓገዝ የድልዮም፣ ስለዚ ክድልዩዎን ክሕግዝዎም ዝኽእሉ ድማ ክዕድሙን ግቡኦም እዩ። ጽውዓ ኣምላኽ ድማ ብቕልጡፍ ክትግበር ኣለዎ። ኣምለኽቲ ኣምላኽ፣ እንተ ዝኸውን፣ ብመዓልቲ ሰንበት ቅዱስ ኣኼባ ክህልዎም ይግባእ። ኣባይቲ ኣምልኾ እንተ ዘይብልና፣ ነብጽሓዊ ቦታታት ክንምስግን ይግባእ፣ ከምኡ’ውን ናብአን ክንከይድ ኣሎና፤ ከምቲ ዕድላትና ዘፍቅዶ፣ ምእካብ ኣይንሕደግ።

ካብቶም ሰማዕቲ ጳውሎስ ከኣ ሓንቲ ሊድያ እትብሃል ሰበይቲ ነበረት። ቅኑዕ ሞያ ነበራ፣ እዚ ድማ ጸሓፋይ ንምውዳስኣ ይጠቕሶ። ንሞያኣ ክትሓስብ ዘድልያ ኮይኑ እኳ እንተ ነበረ፣ ንነፍሳ ዝጠቕማ ዕድላት ንምጥቃም ግዜ ረኸበት። 'ሞያ ኣሎና' ምባል ካብ ሃይማኖታዊ ግዴታት ኣይዕድገናን እዩ፤ ንሕና’ውን ክነገልግሎ ኣምላኽ፣ ክንከናኸና ድማ ነፍሳት ኣየብልናን ድዩ? ሃይማኖት ካብ ዓለማዊ ዕዮና ኣይጸውዓናን፣ የግዳስ ኣብኡ ይመርሓና። ትዕቢት፣ ኣድልዎን ሓጢኣትን ሓቅታት ኣምላኽ ይዓጽዋ፣ ክሳብ ጸጋኡ ተባዕተወ ኮይኑ፣ ንኣታተን ናብ ኣእምሮን ስምዒታትን መንገዲ ዝኸፈተለን። ጐይታ በይኑ ድማ ንቓሉ ንምቕባልን ንምእማንን ልቢ ክኸፍት ይኽእል። ብኢየሱስ ክርስቶስ ክንኣምን ይግባእ፤ ናብ ኣምላኽ ከም ኣቦ ኮይኑ ኺድል ከምዘይከኣል እዩ፣ እንተ ዘይኮይኑ ብወዲ ከም መራኽቢ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ወደ ደርቤንና ወደ ልስጥራንም ደረሰ። እነሆም፥ በዚያ የአንዲት ያመነች አይሁዳዊት ልጅ ጢሞቴዎስ የሚባል አንድ ደቀ መዝሙር ነበረ፤ አባቱ ግን የግሪክ ሰው ነበረ። አማርኛ ENGNIV He came to Derbe and then to Lystra, where a disciple named Timothy lived, whose mother was a Jewess and a believer, bu… English GAZBIB Phaawulos karaa isaa itti fufee mandara Derbee dhaqee, mandara Lisxiraattis darbe. Achi immoo Ximotewos kan jedhamu dar… Afaan Oromoo BCV GIZ ወበጽሐ ሀገረ ደርቤን ወልስጥራን ወረከበ አሐደ ረድአ ዘስሙ ጢሞቴዎስ፤ ወእሙሰ አይሁዳዊት ወአምነት ወአቡሁሰ አረማዊ። giz GAZGAZ Phaawulos karaa isaa itti fufee mandara Derbee dhaqee, mandara Lisxiraattis darbe. Achi immoo Ximotewos kan jedhamu dar… Afaan Oromoo BCV aksum ካብኡ ጳውሎስ፥ ኣብ ደርቤንን ኣብ ልስጥራንን በፅሐ፤ ኣብኡ ኸዓ፥ ካብ ሓንቲ ኣይሁዳዊት ኣማኒት ሰበይትን፥ ካብ ሓደ ግሪካዊ ሰብኣይን ዝተወለደ፥ ጢሞቴዎስ ዝበሃል ደቀ መዝሙር ነበረ። ትግርኛ AMHNIV ጳውሎስ ወደ ደርቤንና ወደ ልስጥራን ደረሰ። በዚያም እናቱ አይሁዳዊት ሆና በጌታ ያመነች፣ አባቱ ግን የግሪክ ሰው የሆነ፣ ጢሞቴዎስ የተባለ አንድ ደቀ መዝሙር ነበረ። አማርኛ SWAHSUV Basi akafika Derbe na Listra, na hapo palikuwa na mwanafunzi mmoja jina lake Timotheo, mwana wa mwanamke Myahudi aliyea… Kiswahili