2ይ ነገስት 20

BCVትግርኛ21 ፍቕድታት3:46 ስማዕ
ስማዕ 3:46 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1በቲ ጊዜ እቱይ ሕዝቅያስ ሓሚሙ ኽመውት ቀረበ። ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ድማ ናብኡ መፂኡ “ንስኻ ኽትመውት ኢኻ እምበር፥ ኣይትሓውን ኢኻ እሞ ቤትካ ኣመዓራሪ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር” ኢሉ ነገሮ።

2ሽዑ ሕዝቅያስ ገፁ ናብ መንደቕ መሊሱ፦

3ኦ እግዚኣብሄር! እልምነካ ኣለኹ፤ ኣብ ቅድሜኻ ብሓቅን ብፍፁም ልብን ከም ዝተመላለስኩን፥ ዘሐጕሰካውን ከም ዝገበርኩን ክትዝክር እልምነካ ኣለኹ? ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ። ሕዝቅያስ ድማ ኣምሪሩ በኸየ።

4ኢሳይያስውን ገና ናብቲ ኣደባባይ ማእኸላዊ ኸተማ እንተይበፅሐ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፆ፦

5“ተመለስ እሞ ንሕዝቅያስ፥ ነቲ ሓለቓ ህዝበይ፥ ከምዙይ በሎ፦ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ፀሎትካ ሰሚዐ ኣለኹ፤ ንብዓትካውን ሪአ ኣለኹ፤ እንሆ ኸዓ ኸሕውየካ እየ፤ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክትድይብ ኢኻ።

6ኣብ ልዕሊ ዕድሜኻውን ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ወሲኸልካ ኣለኹ፤ ንኣኻን ነዛ ኸተማ እዚኣን ከዓ ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከድሕነኩም እየ፤ ነዛ ኸተማ እዚኣውን ምእንታይን ምእንቲ ባርያይ ዳዊትን ኢለ ኽከላኸለላ እየ’ ” በሎ።

7ኢሳይያስ ድማ “ጎጎ በለስ ኣምፅኡለይ” በለ። ኣምፂኦም ከዓ ኣብቲ ዝሓበጠ ቝስሉ ገበሩሉ እሞ፥ ሓወየ።

8ሕዝቅያስ ንኢሳይያስ “እግዚኣብሄር ከም ዘሕውየንን፥ ኣነውን ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከም ዝድይብንከ፥ ምልክቱ እንታይ እዩ?” በሎ።

9ኢሳይያስ ድማ “እግዚኣብሄር ነቲ ዝተዛረቦ ዘረባ ኸም ዝፍፅሞ፥ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝመፀ ምልክት እዙይ እዩ፦ እዝ ፅላሎት ዓሰርተ ደረጃ ንቕድሚትዶ ይኺድ ወይ ንድሕሪት ዓሰርተ ደረጃ ይመለስ?” በለ።

10ሕዝቅያስ ከዓ “ፅላሎት ዓሰርተ ደረጃ ንቕድሚት ክኸይድስ ቀሊል እዩ፤ ኣይፋሉን፥ እቲ ፅላሎት ንድሕሪት ደኣ ዓሰርተ ደረጃ ይመለስ” በለ።

11ነቢይ ኢሳይያስ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ፤ ነቲ ፅላሎት ብናይ ኣካዝ ኣሰፋፍራ ሰዓት ፅላሎት በቲ ዝወረደሉ መንገዲ፥ ዓሰርተ ደረጃ ንድሕሪት መለሶ።

12በቲ ጊዜ እቱይ መሮዳክ ወዲ መሮዳክባልዳን፥ ንጉስ ባቢሎን፥ ሕዝቅያስ ከም ዝሓመመ ሰሚዑ ነበረ እሞ፥ መልእኽትን ገፀ በረኸትን ናብ ሕዝቅያስ ሰደደሉ።

13ሕዝቅያስ ከዓ ደስ በሎ፤ ኵሉ እቲ ኣብ ቤተ መዛግብቱ ዝነበረ ብሩርን ወርቅን ጥዑም ጨናታትን ፅቡቕ ዘይትን፥ ኵሉ እቲ መሳርሒ ውግእን ኣርኣዮም። ኣብ ቤቱ ኾነ ኣብ ኵሉ ግዝኣቱ ዘየርኣዮም ነገር ኣይነበረን።

14ሽዑ ነቢይ ኢሳይያስ ናብ ንጉስ ሕዝቅያስ መፂኡ “እዞም ሰባት እዚኣቶም ካበይ መፂኦም? እንታይከ ኢሎምኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ሕዝቅያስ ድማ “ካብ ርሑቕ ሃገር፥ ካብ ባቢሎን ዝመፁ እዮም” ኢሉ መለሰሉ።

15ኢሳይያስ ከዓ “ኣብ ቤተ መንግስትኻኸ እንታይ ረአዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ሕዝቅያስ ድማ “ኵሉ ኣብ ቤተ መንግስተይ ዘሎ ሪኦም እዮም፤ ኣብ መዛግብተይ ዘየርአኽዎም ነገር የለን” ኢሉ መለሰሉ።

16ኢሳይያስ ድማ ንሕዝቅያስ ከምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር ዝብሎ ስማዕ፦

17‘እዝ ዅሉ ኣብ ቤትካ ዘሎ፥ ኣቦታትካውን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዘደለብዎን፥ ናብ ባቢሎን ዝውሰደሉ መዓልቲታት ይመፃ ኣለዋ፤ ሓደ ነገር እኳ ኣይተርፍን እዩ ይብል እግዚኣብሄር።

18ካብቶም ካባኻ ዝወፁ ካብ እትወልዶም ደቅኻ ተማሪኾም፥ ክውሰዱ እዮም፤ ኣብ ቤተ መንግስቲ ባቢሎን ድማ ስሉባት ኮይኖም ከገልግሉ እዮም’ ” በሎ።

19ሕዝቅያስ ድማ ንኢሳይያስ “ብዘመነይ ደኣ ሰላምን ህድኣትን ይኹን እምበር፥ ‘እዝ ዝተዛረብካዮ ቓል እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ’ ” በሎ።

20እቲ ዝተረፈ ናይ ሕዝቅያስ ነገርን ኵሉ ጅግንነቱን፥ ሓፅብን መስኖን ከም ዝሰርሐን፥ ናብ ከተማ ኸዓ ማይ ከም ዘእተወን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?

21ሕዝቅያስ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ምናሴ ነገሰ።

ትርጓሜ

20:1-11 ሕዝቅያስ ኣብታ ንጉስ ኣሶር ንየሩሳሌም ዝኸበበላ ዓመት ክሳዕ ሞት ሓሚሙ ነበረ። ብኢሳይያስ ድማ፡ ንሞት ክዳሎ ዘለዎ መጠንቀቕታ መጸቶ። ጸሎት ካብቲ ንሞት ዘዳልወና ዝበለጸ መገዲ እዩ፣ ከመይሲ ብእኡ ኻብ ኣምላኽ ሓይልን ጸጋን ንረክብ እሞ ብጽቡቕ ክንውድእ የኽእለና። ብዙሕ በኸየ። ገሊኦም ካብዚ፡ ክመውት ዘይደሊ ምንባሩ ይኣስሩ፡ ምኽንያቱ ምፍልላይ ነፍስን ስጋን ምፍራህ ባህርይ ሰብ እዩ። ኣብ ኩነታት ሕዝቅያስ ፍሉይ ነገር እውን ነበረ፡ ንሱ ኣብ ማእከል ኣገልግሎቱ ዝነበረ እዋን እዩ። ጸሎት ሕዝቅያስ (ኢሳ 38 ተመልከት) ንንብዓቱ ይትርጉሞ። ኣብኡ ግና ከምቲ ባርነት ወይ ስቓይ ዘለዎ ሞት ምፍራህ ኣይነበረን። ቕንዕና ሕዝቅያስ ኣብ ስምብሳበ ሕማሙ ሰላም ሃቦ።

ዎ እግዚኣብሄር ሕጂ ዘክር። ከምቲ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ሓንቲ እኳ ክዝከር ዘድልዮ ኮይኑ ኣይተዛረበን፤ ከምኡ’ውን ከምቲ ዓስቢ ርእሱ ዝኸፍሎ ዝግባእ ኣይኰነን፤ ንምሕረትን ጸጋን ዝዕድግ ናይ ክርስቶስ ጽድቂ ጥራይ እዩ። ሕዝቅያስ፡ ዎ ጐይታይ ኣድሕነኒ፡ ኢሉ ኣይጸለየን፤ ግን፡ ዎ ጐይታይ፡ ዘክረኒ፤ እንተ ሞትኩ ወይ እንተ ነበርኩ ድማ፡ ናትካ ክኸውን። ኣምላኽ ንጸሎት እቶም ዝተሰብረ ልቦም ወትሩ ይሰምዕ፡ ቅኑዕ ንጥቕሞም ክሳዕ ዝዀነ ድማ ጥዕናን ነዊሕ ዕድመን ግዝያዊ ምድሓንን ንኽህቦም እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በዚያም ወራት ሕዝቅያስ እስከ ሞት ድረስ ታመመ። ነቢዩም የአሞጽ ልጅ ኢሳይያስ ወደ እርሱ መጥቶ፦ እግዚአብሔር እንዲህ ይላል፦ ትሞታለህ እንጂ በሕይወት አትኖርምና ቤትህን አስተካክል፡ አለው። አማርኛ ENGNIV In those days Hezekiah became ill and was at the point of death. The prophet Isaiah son of Amoz went to him and said, “… English GAZBIB Baras Hisqiyaas dhukkubsatee du'uu ga'ee ture; Isaayaas raajichi ilmi Amos gara isaa dhaqee,“Waaqayyo,“Ati in duuta mal… Afaan Oromoo BCV GIZ ወውእተ አሚረ ደወየ ሕዝቅያስ ወበጽሐ ለመዊት፤ ወቦአ ኢሳይያስ ነቢይ ወልደ አሞጽ ኀቤሁ፤ ወይቤሎ፦ ከመዝ ይቤ እግዚአብሔር፦ ሥራዕ ቤተከ እስመ ትመውት ወኢተሐዩ። giz GAZGAZ Baras Hisqiyaas dhukkubsatee du'uu ga'ee ture; Isaayaas raajichi ilmi Amos gara isaa dhaqee,“Waaqayyo,“Ati in duuta mal… Afaan Oromoo BCV aksum በቲ ጊዜ እቱይ ሕዝቅያስ ሓሚሙ ኽመውት ቀረበ። ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ድማ ናብኡ መፂኡ “ንስኻ ኽትመውት ኢኻ እምበር፥ ኣይትሓውን ኢኻ እሞ ቤትካ ኣመዓራሪ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር” ኢሉ… ትግርኛ AMHNIV በዚያ ጊዜ ሕዝቅያስ በጠና ታሞ ሊሞት ተቃርቦ ነበር። የአሞጽ ልጅ ነቢዩ ኢሳይያስም ወደ እርሱ ሄዶ፣ “እግዚአብሔር፣ ‘ትሞታለህ ከእንግዲህ በሕይወት አትኖርምና ቤትህን አስተካክል’ ብሎሃል”… አማርኛ SWAHSUV Siku hizo Hezekia akaugua, akawa katika hatari ya kufa. Isaya, nabii, mwana wa Amozi, akamjia akamwambia, Bwana asema h… Kiswahili