1እምበኣርከስ፥ ኣቱም ፍቑራተይ፥ እዝ ዅሉ ተስፋ እዙይ ካብ ሃለወናስ፥ ካብቲ ዅሉ ስጋን መንፈስን ዘርክስ፥ ርእስና ነንፅህ። ንእግዚኣብሄር ብምፍራሕ፥ ቅድስናና ፍፁም ንግበሮ።
2ልብኹም ኣስፊሕኹም ክፈቱልና፤ ንሕና ንሓደኳ ኣይዓመፅናን፤ ንሓደኳ ኣይጐዳእናን፤ ንሓደውን ኣይተበለፅናሉን።
3እዝ ዝብለኩም ዘለኹ፥ ክወቕሰኩም ኢለ ኣይኮንኩን። ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኹም፥ ኣብ ልብና ኢኹም ዘለኹምሞ፥ ብህይወት እንተለና ወይ እንተ ሞትና፥ ኵልሻዕ ብሓደ ኢና።
4ኣባኻትኩም ዓብዪ እምነት ኣለኒ፤ ብኣኻትኩም ዘለኒ ትምክሕቲ ኸዓ ዓብዪ እዩ፤ ተፀናኒዐውን ኣለኹ። ብዙሕ መከራ እኳ እንተ ሃለወና፥ ሓጐሰይ ወሰን የብሉን።
5ኣብ መቄዶንያ ምስ በፃሕና ድማ፥ ብዅሉ ጨነቐና እምበር፥ ብስጋና ዕረፍቲ ኣይረኸብናን፤ ኣብ ወፃኢ ውግእ፥ ኣብ ውሽጢ እውን ፍርሓት ነበረና።
6እቲ ንዝሓዝኑ ዘፀናንዕ እግዚኣብሄር ግና፥ ብምምፃእ ቲቶ ገይሩ ኣፀናንዐና።
7ግና በቲ ንሱ ኻባኻትኩም ዝረኸቦ ምፅንናዕ ደኣ እምበር፥ ብምምፃኡ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ናተይ ናፍቖት ከም ዘለኩም፥ ከም እተናሳሕኹም፥ ንኣይውን እምብዛ ኸም እትሓልዩ ምስ ነገረና፥ የመና ተሓጐስኩ።
8ብመልእኽተይ ኣጕህየኩም እንተ ኾንኩ እኳ፥ ኣየናስሐንን እዩ። ቅድም ግና ንጊዜኡ እኳ እንተ ኾነ፥ ከም ዘጕሀኹኹም ስለ ዝፈለጥኩ ኣናሲሑኒ ነይሩ።
9ሕዚ ግና ስለ ዘጕሀኹኹም ዘይኮነስ፥ ብኣና ምኽንያት፥ ዝኾነ ጕድኣት ስለ ዘይበፅሐኩምን፥ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ንንስሃ ስለ ዝጐሀኹምን፥ እሕጐስ ኣለኹ።
10ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ምጕሃይ፥ ናብ ድሕነት ዘብፅሕ ንስሃ የስዕብ፤ ኣየናስሕን ከዓ እዩ፤ ጓሂ ዓለም ግና፥ ሞት የስዕብ እዩ።
11እንሆ እዝ ኸም ፍቓድ እግዚኣብሄር ዝጐሀኹምዎ፥ ክትፅዕሩን ካብ በደል ንፁሃት ምዃንኩም ክተረድኡን ገበረኩም። ሓጢኣት ምፅላእን፥ ፍርሓት እግዚኣብሄር ከም ዝህልወኩምን፥ ከም እትናፍቑን መንፈሳዊ ቅንኣት ከም ዝሓድረኩምን፥ ብቕንዕና ኸም እትፈርዱን እውን ገበረኩም። በዝ ነገር እዙይ፥ ብዅሉ ንፁሃት ከም ዝኾንኩም ኣመስከርኩም።
12እምበኣር ኣነ ዝፀሓፍኩልኩም፥ ብኣና ኸም እትግደሱ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ግሁድ ምእንቲ ክኸውን ኢለ እየ እምበር፥ ብዛዕባ በዳሊ ወይ ብዛዕባ ተበዳሊ ኢለ ኣይኮንኩን፥ ዝፀሓፍኩልኩም።
13ስለዙይ ድማ ተፀናናዕና። ኣብቲ ናትና ምፅንናዕ ብተወሳኺ፥ ቲቶ ብምሕጓሱን ንመንፈሱ ስለ ዘዕረፍኩምዎን፥ ብዝበለፀ ተሓጕስና ኣለና።
14ኣነ ኸም ዝምክሐልኩም ንቲቶ ነጊረዮ ነይረ፤ ንስኻትኩምውን ኣየሕፈርኩምንን። ከምቲ ዅሉ ንኣኻትኩም ዝነገርናኩም፥ ሓቂ ኸም ዝኾነ፥ ብዛዕባኻትኩም ተመኪሕና ንቲቶ ዝነገርናዮውን፥ ሓቂ ምዃኑ ተረጋጊፁ ኣሎ።
15ከም ዝተኣዘዝኩምዎን፥ ብፍርሓትን ብራዕድን ከመይ ጌርኩም ከም ዝተቐበልኩምዎን እናዘከረ፥ ኣባኻትኩም ዘለዎ ፍቕሪ እምብዛ ዓብዪ እዩ።
16ብዅሉ እተኣማመነልኩም እየሞ፥ ብኣኻትኩም ሕጉስ እየ።