2ይ ቆረንቶስ 7

BCVትግርኛ16 ፍቕድታት3:44 ስማዕ
ስማዕ 3:44 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እምበኣርከስ፥ ኣቱም ፍቑራተይ፥ እዝ ዅሉ ተስፋ እዙይ ካብ ሃለወናስ፥ ካብቲ ዅሉ ስጋን መንፈስን ዘርክስ፥ ርእስና ነንፅህ። ንእግዚኣብሄር ብምፍራሕ፥ ቅድስናና ፍፁም ንግበሮ።

2ልብኹም ኣስፊሕኹም ክፈቱልና፤ ንሕና ንሓደኳ ኣይዓመፅናን፤ ንሓደኳ ኣይጐዳእናን፤ ንሓደውን ኣይተበለፅናሉን።

3እዝ ዝብለኩም ዘለኹ፥ ክወቕሰኩም ኢለ ኣይኮንኩን። ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኹም፥ ኣብ ልብና ኢኹም ዘለኹምሞ፥ ብህይወት እንተለና ወይ እንተ ሞትና፥ ኵልሻዕ ብሓደ ኢና።

4ኣባኻትኩም ዓብዪ እምነት ኣለኒ፤ ብኣኻትኩም ዘለኒ ትምክሕቲ ኸዓ ዓብዪ እዩ፤ ተፀናኒዐውን ኣለኹ። ብዙሕ መከራ እኳ እንተ ሃለወና፥ ሓጐሰይ ወሰን የብሉን።

5ኣብ መቄዶንያ ምስ በፃሕና ድማ፥ ብዅሉ ጨነቐና እምበር፥ ብስጋና ዕረፍቲ ኣይረኸብናን፤ ኣብ ወፃኢ ውግእ፥ ኣብ ውሽጢ እውን ፍርሓት ነበረና።

6እቲ ንዝሓዝኑ ዘፀናንዕ እግዚኣብሄር ግና፥ ብምምፃእ ቲቶ ገይሩ ኣፀናንዐና።

7ግና በቲ ንሱ ኻባኻትኩም ዝረኸቦ ምፅንናዕ ደኣ እምበር፥ ብምምፃኡ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ናተይ ናፍቖት ከም ዘለኩም፥ ከም እተናሳሕኹም፥ ንኣይውን እምብዛ ኸም እትሓልዩ ምስ ነገረና፥ የመና ተሓጐስኩ።

8ብመልእኽተይ ኣጕህየኩም እንተ ኾንኩ እኳ፥ ኣየናስሐንን እዩ። ቅድም ግና ንጊዜኡ እኳ እንተ ኾነ፥ ከም ዘጕሀኹኹም ስለ ዝፈለጥኩ ኣናሲሑኒ ነይሩ።

9ሕዚ ግና ስለ ዘጕሀኹኹም ዘይኮነስ፥ ብኣና ምኽንያት፥ ዝኾነ ጕድኣት ስለ ዘይበፅሐኩምን፥ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ንንስሃ ስለ ዝጐሀኹምን፥ እሕጐስ ኣለኹ።

10ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ምጕሃይ፥ ናብ ድሕነት ዘብፅሕ ንስሃ የስዕብ፤ ኣየናስሕን ከዓ እዩ፤ ጓሂ ዓለም ግና፥ ሞት የስዕብ እዩ።

11እንሆ እዝ ኸም ፍቓድ እግዚኣብሄር ዝጐሀኹምዎ፥ ክትፅዕሩን ካብ በደል ንፁሃት ምዃንኩም ክተረድኡን ገበረኩም። ሓጢኣት ምፅላእን፥ ፍርሓት እግዚኣብሄር ከም ዝህልወኩምን፥ ከም እትናፍቑን መንፈሳዊ ቅንኣት ከም ዝሓድረኩምን፥ ብቕንዕና ኸም እትፈርዱን እውን ገበረኩም። በዝ ነገር እዙይ፥ ብዅሉ ንፁሃት ከም ዝኾንኩም ኣመስከርኩም።

12እምበኣር ኣነ ዝፀሓፍኩልኩም፥ ብኣና ኸም እትግደሱ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ግሁድ ምእንቲ ክኸውን ኢለ እየ እምበር፥ ብዛዕባ በዳሊ ወይ ብዛዕባ ተበዳሊ ኢለ ኣይኮንኩን፥ ዝፀሓፍኩልኩም።

13ስለዙይ ድማ ተፀናናዕና። ኣብቲ ናትና ምፅንናዕ ብተወሳኺ፥ ቲቶ ብምሕጓሱን ንመንፈሱ ስለ ዘዕረፍኩምዎን፥ ብዝበለፀ ተሓጕስና ኣለና።

14ኣነ ኸም ዝምክሐልኩም ንቲቶ ነጊረዮ ነይረ፤ ንስኻትኩምውን ኣየሕፈርኩምንን። ከምቲ ዅሉ ንኣኻትኩም ዝነገርናኩም፥ ሓቂ ኸም ዝኾነ፥ ብዛዕባኻትኩም ተመኪሕና ንቲቶ ዝነገርናዮውን፥ ሓቂ ምዃኑ ተረጋጊፁ ኣሎ።

15ከም ዝተኣዘዝኩምዎን፥ ብፍርሓትን ብራዕድን ከመይ ጌርኩም ከም ዝተቐበልኩምዎን እናዘከረ፥ ኣባኻትኩም ዘለዎ ፍቕሪ እምብዛ ዓብዪ እዩ።

16ብዅሉ እተኣማመነልኩም እየሞ፥ ብኣኻትኩም ሕጉስ እየ።

ትርጓሜ

7:1-4 ተስፋታት ኣምላኽ ናብ ቅድስና ንኽንጓዓዝ ብርቱዕ ምኽንያት እዩ፤ ካብ ኵሉ ርኽሰት ስጋን መንፈስን ንርእስና ነንጽህ። ኣብ ኣምላኽ ከም ኣቦና ተስፋ እንተ ገበርና፣ ቅዱስ ከም ዝኾነ ንሕናውን ቅዱሳት ክንከውን፣ ከምቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦና ድማ ፍጹማት ክንከውን ክንድህስስ ኣሎና። ጸግኡ ብጽልዋታት መንፈሱ ጥራይ ከንጽህ ይኽእል፤ ግናኸ ቅድስና ናይ ኩሉ ግዜ ጸሎትና ዕላማ ክኸውን ይግባእ። ኣገልገልቲ ወንጌል ንቑንቂኦም እንተተረቝሑ፣ ወንጌል ባዕሉ እውን ይንጸግ ምዃኑ ስግኣት ኣሎ፤ ኣገልገልቲ ንሓደ እውን ዘይለቓለቑ እኳ እንተኾኑ፣ ናብ ኵሎም ግና ለዋሃት ክኾኑ ይግባእ። ኣገልገልቲ ምስ ህዝቢ ርግጸኛ ብዝኾነ መገዲ ክኸርዩ ዝኽእሉ እንተኾይኖም፣ ንሓደ እውን ብሓሶት ትምህርቲ ወይ ብልግመ ልሳን ከም ዘየበላሸዉ፤ ንሓደ እውን ከም ዘይሰለቡ፤ ንሓደ እውን ከይጎድኡ፣ ናይ ባዕሎም ጥቕሚ ከም ዘየናደዩ፣ ንኣኽብሮትን ሞገስን ክጽበዩ ይኽእሉ። እቲ ንሳቶም ዘለዎ ፍቕሪ ንሃዋርያ ብፍርቂ ልቡ ከም ዝዛረቦም ገይርዎ፤ ኣብ ኵሉ ቦታታትን ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚታትን ከኣ ብኣታቶም ከም ዝምካሕ ገይርዎ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG እንግዲህ፥ ወዳጆች ሆይ፥ የዚህ ተስፋ ቃል ካለን፥ በእግዚአብሔር ፍርሃት ቅድስናን ፍጹም እያደረግን ሥጋንና መንፈስን ከሚያረክስ ሁሉ ራሳችንን እናንጻ። አማርኛ ENGNIV Since we have these promises, dear friends, let us purify ourselves from everything that contaminates body and spirit, … English GAZBIB Yaa michoota ko! Abdii kana erga qabaannee, kottaa, waanuma dhagna keenyaa fi hafuura keenya xureessuttii of in qullees… Afaan Oromoo BCV GIZ ወበእንተ ዘብነ ዝንቱ ተስፋ አኀዊነ ናንጽሕ ርእሰነ ወኢናግምን ነፍስተነ ወንግበር በዘንትቄደስ በፈሪሀ እግዚአብሔር። giz GAZGAZ Yaa michoota ko! Abdii kana erga qabaannee, kottaa, waanuma dhagna keenyaa fi hafuura keenya xureessuttii of in qullees… Afaan Oromoo BCV aksum እምበኣርከስ፥ ኣቱም ፍቑራተይ፥ እዝ ዅሉ ተስፋ እዙይ ካብ ሃለወናስ፥ ካብቲ ዅሉ ስጋን መንፈስን ዘርክስ፥ ርእስና ነንፅህ። ንእግዚኣብሄር ብምፍራሕ፥ ቅድስናና ፍፁም ንግበሮ። ትግርኛ AMHNIV እንግዲህ፣ ወዳጆች ሆይ፤ ይህ የተስፋ ቃል ስላለን፣ ሥጋንና መንፈስን ከሚያረክስ ነገር ሁሉ ራሳችንን እናንጻ፤ እግዚአብሔርንም በመፍራት ቅድስናችንን ፍጹም እናድርገው። አማርኛ SWAHSUV Basi, wapenzi wangu, kwa kuwa tuna ahadi hizo, na tujitakase nafsi zetu na uchafu wote wa mwili na roho, huku tukitimiz… Kiswahili