2ይ ቆረንቶስ 2

BCVትግርኛ17 ፍቕድታት3:06 ስማዕ
ስማዕ 3:06 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ስለዙይ ብሓዘን፥ መሊሰ ናባኻትኩም ከይመፅእ ወሰንኩ።

2ኣነ እንተሕዚነኩም፥ እቲ ብኣይ ምኽንያት ዝሓዘነ እንተ ዘይኮይኑ ደኣ፥ መን እዩ ዘሐጕሰኒ?

3እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ክመፅእ እንተለኹ፥ ካብቶም ሓጐስ ክረኽበሎም ዝግበአኒ፥ ጓሂ ምእንቲ ኸይረክብ ኢለ እየ። ምኽንያቱ ሓጐሰይ፥ ሓጐስ ኵልኻትኩም ከም ዝኾነ፥ ከም እትፈልጡ ስለ ዝኣምን እየ።

4ብብዙሕ መከራን ጭንቀት ልብን፥ ብብዙሕ ንብዓትን ዝፀሓፍኩልኩም፥ ክሳዕ ኽንደይ ኣፀቢቐ ኸም ዘፍቅረኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ እምበር፥ ምእንቲ ኸሕዝነኩም ኢለ ኣይኮንኩን።

5ሰብ ዘሕዘነ(ሀ) እንተ ሃልዩ፥ ንኣይ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ከየኽብዶ ደኣ እምበር፥ ንዅልኻትኩም እዩ ዘሕዘነ።

6ነዝ ኸምዙይ ዝበለ ሰብ፥ እቲ ኻብቶም ብዙሓት ዝረኸቦ ተግሳፅ ይኣኽሎ እዩ።

7እኳ ደኣ፥ ብብዝሒ ሓዘን ከይወሓጥ፥ ይቕረ በሉሉን ኣፀናንዕዎን።

8ስለዙይ ምስኡ ፍቕርኹም ክተፅንዑ እምዕደኩም ኣለኹ።

9ነዙይ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ነቲ ፈተና ስዒርኩም፥ ብዅሉ ነገር እዙዛት ምዃንኩም፥ ምእንቲ ኽፈልጥ ኢለ እየ።

10ነቲ ይቕረ እትብሉሉ፥ ኣነውን ይቕረ እብለሉ ኣለኹ። እቲ ይቕረ ዝበልኩሉ ሰብ፥ ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ምእንታኻትኩም ኢለ እየ፥ ይቕረ ዝበልክዎ።

11እዙይ ማለተይ ከዓ፥ ተንኰል ሰይጣን ከመይ ከም ዝኾነ ኣይንስሕቶን ኢና እሞ፥ ከየታልለና ኢለ እየ።

12ወንጌል ክርስቶስ ክሰብኽ ናብ ጢሮኣዳ ምስ መፃእኹ፥ ንስራሕ ጐይታ ዝተኸፈተለይ ኣፍ ደገ ረኸብኩ።

13ንቲቶ ሓወይ ስለ ዘይረኸብክዎ ግና፥ ኣብ መንፈሰይ ዕረፍቲ ኣይነበረንን፤ ስለዙይ ካብኣቶም ተሰናቢተ፥ ናብ መቄዶንያ ኸድኩ።

14ግና ነቲ ብክርስቶስ ገይሩ፥ ኵልሻዕ ናብ ዓወት ዝመርሐና፥ ብኣና ገይሩውን ክርስቶስ ከም ዝፍለጥ ንምግባር፥ ከም ጥዑም መዓዛ ኣብ ኵሉ ቦታ ንዝገልፅ እግዚኣብሄር፥ ምስጋና ይኹኖ።

15ኣብ ማእኸል እቶም ዝድሕኑን እቶም ዝጠፍኡን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መዓዛ ክርስቶስ ኢናሞ።

16ነዚኣቶም፥ ካብ ሞት ናብ ሞት ዘብፅሕ መዓዛ፥ ነቲኣቶም ከዓ፥ ካብ ህይወት ናብ ህይወት ዘብፅሕ መዓዛ ኢና። ነዝ ነገርዙይ ብቑዕ እየ ዝብልከ መን ኣሎ?

17ብእግዚኣብሄር ተልኢኽና፥ ብቕንዕና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ኴንና፥ ንዛረብ ኣለና እምበር፥ ከምቶም ብዙሓት፥ ብቓል እግዚኣብሄር ዝነግዱ ኣይኮንናን።

ትርጓሜ

ቁ.2፡1-4 ሃዋርያ ምሳታቶም ሕጉስ ርክብ ኪህልዎ ተመንየ። እሞ ኸኣ ንሳቶም ንጥቕሞም ዝኸውንን ንዕኡ ጽንዓት ዝኸውንን ከምዝገብሩ፣ ስለዚ ድማ ካብኡ ነፍሲ ወከፍ ምኽንያት ምሽማሽ ንምእላይ ኪሕጎሱ ምዃኖም ድማ ብምትእምማን ጸሓይዎ ነይሩ። ምጕህሃይ ክንህብ ከለና ኩሉ ግዜ ብዘይድሌትና ክኸውን ኣለዎ፣ እኳ ደኣ እቲ ግቡእ ምሃቡ ዝሓትት እንተኾነ'ውን።

2:5-11 ሃዋርያ፡ ነቲ በደለኛ ዝነበረ ሰብ ከም ብሓድሽ ናብ ሓባርነቶም ኪቕበልዎ ይምሕጸኖም፤ ምኽንያቱ ንሱ በደሉ ስለ ዝተረድኦ፡ ከምኡ'ውን ብመቕጻዕቱ ኣዝዩ ስለ እተጨነቐ። ሓዘን ብዛዕባ ሓጢኣት እኳ፡ ንኻልእ ግዴታታት ኬዐንቅፍን ናብ ተስፋ ምቑራጽ ኬምርሕን የብሉን። ሰይጣን ንንስሓ ዝመጸ ሰብ ናብ ኣምላኽን ሃይማኖትን ዜሕምሙ ሓሳባት ብምውጥዋጥ፡ በዚ ድማ ናብ ተስፋ ምቑራጽ ኪድፍኦ ብልሓ ኸይረክብ ጥራይ ኣይነበረን ስግኣት፤ እንታይ ደኣስ፡ ንኣብያተ ክርስትያናትን ንኣገልገልቲ ክርስቶስን እውን፡ ንክርስትያናት ምሕረት የብሎምን ከም ዝኾኑ ብምምጽማጽ፡ በዚ ድማ ምፍልላይ ብምፍጣርን ንዓወት ኣገልግሎት ብምዕንቕፋን ኪጐድእ ይኽእል ነይሩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6