1ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኽተሐጕስዎ፥ ከመይ ጌርኩም ክትነብሩ ኸም ዝግብአኩም፥ ካባና ተምሂርኩም ኢኹም። ድሮ እኳ ትነብርዎ ኣለኹም። ሕዚ ኸዓ ነዙይ ብዝበለፀ ኽትነብርዎ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ንልምነኩምን ነተባብዐኩምን ኣለና።
2ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ እንታይ ዓይነት ትእዛዝ ኸም ዝሃብናኩም ትፈልጡ ኢኹም።
3ፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ንስኻትኩም ክትቅደሱን ካብ ዝሙት ክትርሕቑን እዩ እሞ።
4ነፍሲ ወከፍ ሰብ፥ ሰብነቱ(ሀ) ብቕድስናን ብኽብርን ዓቂብካ ምንባር ይፍለጥ።
5ከምቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈልጡ ኣህዛብ ድማ፥ ብፍትወት ስጋ ኣይትሸነፉ።
6ሓደኳ በዝ ነገር እዙይ ጥሒሱ፥ ንሓዉ ኣይበድሎን ኣይበለፀሉን። ከምቲ ኣቐዲምና ዝነገርናኩምን ዘጠንቀቕናኩምን፥ ከምዙይ ንዝገብሩ፥ እግዚኣብሄር ፈዳዪ ሕነ እዩ እሞ።
7እግዚኣብሄር ንቕድስና እምበር፥ ንርኽሰት ኣይፀውዐናን።
8እምበኣር እቲ ነዙይ ዝንዕቕ፥ ነቲ ቕዱስ መንፈሱ ዝህበኩም ንእግዚኣብሄር እምበር፥ ንሰብ ኣይኮነን ዝንዕቕ ዘሎ።
9ብዛዕባ ፍቕሪ ኣሕዋት ግና፥ ንስንሳትኩም ምፍቓር፥ ካብ እግዚኣብሄር ተምሂርኩም ኢኹም እሞ፥ ሓደኳ ኽፅሕፈልኩም ኣየድልን።
10ብርግፅ ኣብ ኵላ መቄዶንያ ንዘለዉ ኣሕዋት ትፈትዉ ኢኹም፤ ግና ኣቱም ኣሕዋትና፥ ነዙይ ብዝበለፀ ኽትገብርዎ ንምዕደኩም ኣለና።
11ኣብ ናብራኹም፥ ካብ ሰብ ምእንቲ ኸይትደልዩ፥ እቶም ካብ እምነት ወፃኢ ዘለዉ ኸዓ፥ ምእንቲ ከኽብሩኹም፥ ከምቲ ዝኣዘዝናኩም ብህድኣት ክትነብሩን፥ ኣብ ናይ ባዕልትኹም ጉዳይ ክተተኵሩን፥ ብኢድኩም ክትሰርሑን፥ ንምዕደኩም ኣለና።
13ግና፥ ኣሕዋተይ፥ ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ካልኦት፥ ምእንቲ ኸይትሓዝኑ፥ ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ ኽትፈልጡ እደሊ ኣለኹ።
14ኢየሱስ ከም ዝሞተ፥ ካብ ሞትውን ከም ዝተስአ፥ እንተ ደኣ ንኣምን ኴንና፥ እግዚኣብሄር፥ ነቶም ብኢየሱስ ኣሚኖም ደቂሶም ዘለዉ፥ ብኢየሱስ ኣተሲኡ ምስኡ ኸምፅኦም እዩ።
15ንሕና ኽሳዕ ምፅኣት ጐይታ፥ ብህይወት እንፀንሕ ኸዓ፥ ነቶም ዝደቀሱ ኸቶ ኸም ዘይንቕድሞም፥ ብቓል ጐይታ ንነግረኩም ኣለና።
16ጐይታ ባዕሉ ብብርቱዕ ቃል ትእዛዝን፥ ብድምፂ ሊቀ መላእኽትን፥ ብመለኸት እግዚኣብሄርን፥ ካብ ሰማይ ክወርድ እዩ። እቶም ብክርስቶስ ኣሚኖም ዝሞቱ ኸዓ፥ ቀዲሞም ክትስኡ እዮም።
17ብድሕሪዙይ ንሕና ብህይወት እንፀንሕ፥ ንጐይታ ኣብ ኣየር ክንቅበሎ፥ ምስኣቶም ሓቢርና፥ ብደመና ክንዓርግ ኢና። ንሓዋሩ ድማ፥ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና።
18ደጊም በዘን ቃላት እዚኣተን፥ ንስንሳትኩም ተፀናንዑ።