1ይ ተሰሎንቄ 4

BCVትግርኛ17 ፍቕድታት3:30 ስማዕ
ስማዕ 3:30 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኽተሐጕስዎ፥ ከመይ ጌርኩም ክትነብሩ ኸም ዝግብአኩም፥ ካባና ተምሂርኩም ኢኹም። ድሮ እኳ ትነብርዎ ኣለኹም። ሕዚ ኸዓ ነዙይ ብዝበለፀ ኽትነብርዎ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ንልምነኩምን ነተባብዐኩምን ኣለና።

2ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ እንታይ ዓይነት ትእዛዝ ኸም ዝሃብናኩም ትፈልጡ ኢኹም።

3ፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ንስኻትኩም ክትቅደሱን ካብ ዝሙት ክትርሕቑን እዩ እሞ።

4ነፍሲ ወከፍ ሰብ፥ ሰብነቱ(ሀ) ብቕድስናን ብኽብርን ዓቂብካ ምንባር ይፍለጥ።

5ከምቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈልጡ ኣህዛብ ድማ፥ ብፍትወት ስጋ ኣይትሸነፉ።

6ሓደኳ በዝ ነገር እዙይ ጥሒሱ፥ ንሓዉ ኣይበድሎን ኣይበለፀሉን። ከምቲ ኣቐዲምና ዝነገርናኩምን ዘጠንቀቕናኩምን፥ ከምዙይ ንዝገብሩ፥ እግዚኣብሄር ፈዳዪ ሕነ እዩ እሞ።

7እግዚኣብሄር ንቕድስና እምበር፥ ንርኽሰት ኣይፀውዐናን።

8እምበኣር እቲ ነዙይ ዝንዕቕ፥ ነቲ ቕዱስ መንፈሱ ዝህበኩም ንእግዚኣብሄር እምበር፥ ንሰብ ኣይኮነን ዝንዕቕ ዘሎ።

9ብዛዕባ ፍቕሪ ኣሕዋት ግና፥ ንስንሳትኩም ምፍቓር፥ ካብ እግዚኣብሄር ተምሂርኩም ኢኹም እሞ፥ ሓደኳ ኽፅሕፈልኩም ኣየድልን።

10ብርግፅ ኣብ ኵላ መቄዶንያ ንዘለዉ ኣሕዋት ትፈትዉ ኢኹም፤ ግና ኣቱም ኣሕዋትና፥ ነዙይ ብዝበለፀ ኽትገብርዎ ንምዕደኩም ኣለና።

11ኣብ ናብራኹም፥ ካብ ሰብ ምእንቲ ኸይትደልዩ፥ እቶም ካብ እምነት ወፃኢ ዘለዉ ኸዓ፥ ምእንቲ ከኽብሩኹም፥ ከምቲ ዝኣዘዝናኩም ብህድኣት ክትነብሩን፥ ኣብ ናይ ባዕልትኹም ጉዳይ ክተተኵሩን፥ ብኢድኩም ክትሰርሑን፥ ንምዕደኩም ኣለና።

13ግና፥ ኣሕዋተይ፥ ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ካልኦት፥ ምእንቲ ኸይትሓዝኑ፥ ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ ኽትፈልጡ እደሊ ኣለኹ።

14ኢየሱስ ከም ዝሞተ፥ ካብ ሞትውን ከም ዝተስአ፥ እንተ ደኣ ንኣምን ኴንና፥ እግዚኣብሄር፥ ነቶም ብኢየሱስ ኣሚኖም ደቂሶም ዘለዉ፥ ብኢየሱስ ኣተሲኡ ምስኡ ኸምፅኦም እዩ።

15ንሕና ኽሳዕ ምፅኣት ጐይታ፥ ብህይወት እንፀንሕ ኸዓ፥ ነቶም ዝደቀሱ ኸቶ ኸም ዘይንቕድሞም፥ ብቓል ጐይታ ንነግረኩም ኣለና።

16ጐይታ ባዕሉ ብብርቱዕ ቃል ትእዛዝን፥ ብድምፂ ሊቀ መላእኽትን፥ ብመለኸት እግዚኣብሄርን፥ ካብ ሰማይ ክወርድ እዩ። እቶም ብክርስቶስ ኣሚኖም ዝሞቱ ኸዓ፥ ቀዲሞም ክትስኡ እዮም።

17ብድሕሪዙይ ንሕና ብህይወት እንፀንሕ፥ ንጐይታ ኣብ ኣየር ክንቅበሎ፥ ምስኣቶም ሓቢርና፥ ብደመና ክንዓርግ ኢና። ንሓዋሩ ድማ፥ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና።

18ደጊም በዘን ቃላት እዚኣተን፥ ንስንሳትኩም ተፀናንዑ።

ትርጓሜ

4:1-8 ኣብ እምነት ወንጌል ምጽናዕ ጥራይ ኣይኣክልን፣ የግዳስ ብግብሪ እምነት ክንምልእ ኣሎና። ኩሉ ሰብ ክመላለሰሉን ክገብረሉን ዝግብኦ ስርዓት፣ እቲ ብጐይታ የሱስ ክርስቶስ እተዋህበ ትእዛዛት እዩ። ምቅዳስ፣ ነፍሶም ትሕቲ ጽልዋታት መንፈስ ቅዱስ ብምሕዳስን፣ ከምኡ’ውን ነተን እተመደባ ግዴታት ብምእማትን፣ ብዛዕባኦም ፍቓድ ኣምላኽ ኮይኑ ነበረ። እዚ ምሕዳስ ነፍሲ ናብ ቅድስና ንምጥማት ከለዉ፣ ኣብ ልዕሊ ፍላጻታት ስጋን ስምዒታቱን፣ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ እቶም ናብ ሓጥእ ምጥቃም ዝመርሑ ሓሳባትን ዝንባሌታትን ፍቓድ ብርቱዕ ግድብ ክግበረሉ ኣለዎ። ጐይታ ንሓደ እኳ ርኹስ ህይወት ክነብር ኢሉ ናብ ስድራቤቱ ኣይጸውዖን፣ የግዳስ ቅድሚኡ ብቅድስና ክመላለሱ ምእንቲ ክምህርን ከኽእሎምን እዩ። ገሊኣቶም ንትእዛዛት ቅድስና ካብ ሰባት ስለ ዝሰምዕዎም የቃልልዎም፣ ግናኸ ንሳቶም ትእዛዛት ኣምላኽ እዮም፣ ንኣቶም ምፍራስ ከኣ ንኣምላኽ ምብዳህ እዩ።

4:9-12 ኣብ ካልኦት ዘሎ ጽቡቕ ክንዕዘብ ይግባእ እሞ፡ ንውዳሴኦም ክኸውን፡ በዚ ድማ ብዝያዳን ብዝያዳን ኣብኡ ንኽበዝሑ ነተባብዖም። ብኣምላኽ ንምድሓን እተማህሩ ዅሎም ንሓድሕዶም ኪፋቐሩ ተማሂሮም እዮም። ምምሃር መንፈስ ንምምሃር ደቂ ሰብ ይበልጾ፤ ኣምላኽ እንተ ዘይመሃረ ድማ፡ ምምሃር ደቂ ሰብ ከንቱን ፋይዳ ዘይብሉን እዩ። በዚ ወይ ብኻልእ ጸጋ ተሰሚዖም ዘለዉ፡ ኣብኡ ኪበዝሑ የድልዮም፡ ከምኡውን ክሳዕ መወዳእታ ኪጸንዑ። ህዱእን ቅኑዕን ባህሪ ምሓዝ ኣዝዩ እተደልየ እዩ፡ ከምኡውን ህዱእን ዕርቂ ዝመልኦን ጠባይ ክህልወና።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG እንግዲህ በቀረውስ፥ ወንድሞች ሆይ፥ ልትመላለሱ እግዚአብሔርንም ደስ ልታሰኙ እንዴት እንደሚገባችሁ ከእኛ ዘንድ እንደ ተቀበላችሁ፥ እናንተ ደግሞ እንደምትመላለሱ፥ ከፊት ይልቅ ትበዙ ዘንድ በ… አማርኛ ENGNIV Finally, brothers, we instructed you how to live in order to please God, as in fact you are living. Now we ask you and … English GAZBIB Obboloota nana! Kana irraa kan hafe immoo Waaqayyoon gammachiisuudhaaf attamitti jiraachuun akka isin irra jiru barumsa… Afaan Oromoo BCV GIZ ወይእዜኒ አኀዊነ ንነግረክሙ ወናስተበቍዐክሙ በእግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ከመ ተአዘዝክሙ በኀቤነ በዘይደሉ ከመ ትሑሩ ወታሥምርዎ ለእግዚአብሔር በከመ ሖርክሙ ዓዲ ከመ ታብዝኁ ወታፈድፍዱ በዝ… giz GAZGAZ Obboloota nana! Kana irraa kan hafe immoo Waaqayyoon gammachiisuudhaaf attamitti jiraachuun akka isin irra jiru barumsa… Afaan Oromoo BCV aksum ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኽተሐጕስዎ፥ ከመይ ጌርኩም ክትነብሩ ኸም ዝግብአኩም፥ ካባና ተምሂርኩም ኢኹም። ድሮ እኳ ትነብርዎ ኣለኹም። ሕዚ ኸዓ ነዙይ ብዝበለፀ ኽትነብርዎ፥ … ትግርኛ AMHNIV በቀረውስ ወንድሞች ሆይ፤ እግዚአብሔርን ደስ ለማሰኘት እንዴት መኖር እንደሚገባችሁ አስተምረናችኋል፤ በርግጥም እንደዚያው እየኖራችሁ ነው። ስለ ሆነም በጌታ በኢየሱስ የምንለምናችሁና የምንመክ… አማርኛ SWAHSUV Iliyobaki, ndugu, tunakusihini na kuwaonya kwamba mwenende katika Bwana Yesu; kama mlivyopokea kwetu jinsi iwapasavyo k… Kiswahili