1ይ ቆረንቶስ 4

BCV aksumትግርኛ21 ፍቕድታት3:15 ስማዕ
ስማዕ 3:15 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እምበኣር ሰብ፥ ንኣና ኸም ኣገልገልቲ ክርስቶስን ከም መገብቲ ምስጢራት እግዚኣብሄርን፥ ገይሩ ይቝፀረና።

2ኣብ ርእሲዙይ ከዓ፥ ኵሎም መገብቲ፥ እሙናት ኮይኖም ክርከቡ ይግብኦም።

3ኣነ እኳ፥ ብኣኻትኩም ወይ ብኻልእ ሰብ እንተ ተፈረድኩ፥ ግዲ የብለይን፤ ንባዕለይ እኳ ኣይፈርድን እየ።(ሀ)

4ኣብ ልዕለይ ምንም ኣይፈልጥን እየሞ፤ በዙይ ግና፥ ንፁህ እየ ማለት ኣይኮነን። ጐይታ ጥራሕ እዩ ንኣይ ዝፈርደኒ።

5ስለዙይ ነቲ ኣብ ፀልማት ዝተሓብአ፥ ናብ ብርሃን ዘምፅእ፥ ሓሳባት ልቢ ኸዓ ዝገልፅ ጐይታ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ጊዜ እንተይበፅሐ ሓደኳ ኣይትፍረዱ። ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ነናእዳኡ፥(ለ) ኻብ እግዚኣብሄር ክቕበል እዩ።

6ኣሕዋተይ፥ በቲ ሓደ ኽትምክሑ፥ ነቲ ሓደ ኸዓ ኽትንዕቑ ኣይግባእን እዩ። ነቲ “ካብ ፅሑፍ ኣይትሕለፍ” ዝብሎ፥ ካባና ምእንቲ ኽትመሃሩ ንጥቕምኹም ኢለ፥ ንባዕለይን ንኣጵሎስን፥ ከም ምሳሌ ኣቕሪበልኩም ኣለኹ።

7ካብ ካልኦት ብሉፅ ዝገበረካ መን እዩ? ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ ኣለካ? ዝተቐበልካ ኻብ ኮንካኸ፥ ስለ ምንታይ ከም ዘይተቐበልካ እትምካሕ?

8ድሮ ኸዓ ፀገብኩም፤ ሃብተምኩምውን፤ ብዘይ ብኣና ድማ ነገስኩም፤ ንሕናውን ምሳኻትኩም ምእንቲ ኽንነግስስ፥ ኣበይሞ ኸም ነገስኩም!

9ኣነ ግና፥ እግዚኣብሄር ንኣና ንሃዋርያት፥ ከምቶም ንሞት ዝተፈርዱ፥ ድሕሪ ዅሎም ዝገበረና ይመስለኒ። ስለዙይ ንዓለምን ንመላእኽትን ንሰብን፥ መሳለቒ ዄንና ኣለና።

10ንሕና፥ ምእንቲ ክርስቶስ ዓያሹ ኢና፤ ንስኻትኩም ግና ብክርስቶስ ጥበበኛታት ኢኹም፤ ንሕና ድኹማት፥ ንስኻትኩም ግና፥ ሓያላት ኢኹም፤ ንስኻትኩም ክቡራት፥ ንሕና ግና ሕሱራት ኢና።

11ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ ንጠምን ንፀምእን ንዓርቕን ንውቃዕን ኣለና፤ መሕደሪውን የብልናን።

12በእዳውና እናሰራሕና ንደክም ኣለና። ንዝፀርፉና ንምርቕ፥ ንዘሳጕጉና ንዕገስ፥

13ስምና ንዘኽፍኡ፥ ብጥዑም ቃል ንምልስ ኣለና። ክሳዕ ሕዚ ኸም ናይ ዓለም ጐሓፍን፥ ከም ናይ ዅሉ ነገር ጐድፍን ኴንና ኣለና።

14እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ከም ተፈተውቲ ደቀይ ክምዕደኩም እምበር፥ ከሕፍረኩም ኢለ ኣይኮንኩን።

15ሺሕ እኳ ብክርስቶስ ኣእላፋት መዕበይቲ እንተ ሃለዉኹም፥ ብዙሓት ኣቦታት የብልኩምን። ወንጌል ብምብሳር፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝወለድኩኹም ኣነ እየሞ።

16ስለዙይ ንኣይ ምሰሉ እናበልኩ እልምነኩም ኣለኹ።

17በዝ ምኽንያት እዙይ ከዓ፥ ኣብ ኵሉ ስፍራ፥ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ከመይ ገይረ ኸም ዝምህር፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝኾነ መንገደይ ምእንቲ ኸዘኻኽረኩም፥ ነቲ ፍቑር ወደይን ብጐይታ እሙንን፥ ጢሞቴዎስ፥ ሰዲደልኩም ኣለኹ።

18ገሊኣቶም ግና፥ ኣነ ናባኻትኩም ዘይመፅእ መሲልዎም፥ ብትዕቢት ዝተመልኡ ኣለዉ።

19እግዚኣብሄር እንተ ፈቒዱስ፥ ቀልጢፈ ናባኻትኩም ክመፅእ እየ፤ ሽዑ እቶም ዕቡያት ዝዛረብዎ ዘይኮነስ ሓይሎም ክርኢ እየ።

20መንግስቲ እግዚኣብሄር ብሓይሊ እምበር፥ ብቓል ኣይኮነትንሞ።

21እንታይ ትደልዩ? ብበትሪዶ ወይ ብፍቕርን ብመንፈስ ለውሃትን ክመፀኩም?

ትርጓሜ

4:1-6 ሓዋርያት ካብ ኣገልገልቲ ክርስቶስ ዝበለጹ ኣይነበሩን፣ ግናኸ ክናኣሱ ኣይግባእን። ንሳቶም ዓቢ ኣደራሽ ነበሮም፣ ስለዚ ድማ ክቡር ግዴታ ነበሮም። ጳውሎስ ብዛዕባ ክብሩ ቅኑዕ ሓሳብ ነበሮ፣ ግናኸ ብቐዳምነት ንሰብ ንምሕጓስ ዚዓለመ እሙን ኣገልጋሊ ክርስቶስ ከም ዘይከውን ይፈልጥ ነበረ። ሰባት ናይ መወዳእታ ዳያኑና ዘይምዃኖም ምጽንናዕ እዩ። ንርእስና ብጽቡቕ ምፍራድ ወይ ንርእስና ምስጋት ድሕኑን ሕጉስን ከም እንኸውን ዜርኢ ኣይኮነን። ብዛዕባ እሙንነትና ናይ ገዛእ ርእስና ፍርዲ ዚውከል ኣይኮነን፣ ንምስጋትና ኸም ናይ ገዛእ ርእስና ግብሪ ዘይንውከል ከምኡ ኢዩ። ሓደ መዓልቲ ይመጽእ እዩ፣ ንሕቡእ ሓጢኣታት ሰባት ናብ ግሉጽ ዜውጽእ፣ ከምኡውን ንሕቡኣት ልቢኦም ዜግልጽ እዩ። ሽዑ ዅሉ ዚተጸረፈ ምእመን ኪምስገት እዩ፣ ዅሉ እሙን ኣገልጋሊ ድማ ተቐባልነት ረኺቡ ኪኽሕስ እዩ። ቃል ኣምላኽ ንሰብ ብእኡ እንፈርድሉ ዝበለጸ መምርሒ እዩ። ትዕቢት መብዛሕትኡ ግዜ መሰረት ባእሲ እዩ። ናይ ርእስኻ ትዕቢት ንመምህራንና ኸምኡውን ንገዛእ ርእስና ዘይግባእ ኣኽብሮት ንምሃብ የበርክት። ዅሎም ብኣምላኽ ዚጥቀመሎም ከምኡውን ብእኡ ብዝተፈላለየ ኣቕማት ዚተዋህቡ ኣቕሑ ምዃኖም እንተ ዘኪርና፣ ንሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣይንዕበ።

4:7-13 ንኽንዕበ ምኽንያት የብልናን፤ ዘሎናዮ፣ ወይ ዝኾንናዮ፣ ወይ ዝገበርናዮ ዅሉ ሰናይ ነገር ካብቲ ናይ ኣምላኽ ናጻን ሃብታምን ጸጋ ዝተረኽበ እዩ። ሓደ ካብ ጥፍኣት ብናይ ልዑል ጸጋ ጥራይ ዝደሓነ ሓጥእ፡ ብናጻ ህያባት ኣምላኽ ዝዕበ እንተኾይኑ፡ ኣዝዩ ዘየመሓርን ዘይሰማማዕን እዩ።

ቅዱስ ጳውሎስ ንገዛእ ኩነታቱ ኣብ ጥቕሲ 9 የቕርብ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6