ትንቢት ዘካርያስ 7

BCV aksumትግርኛ14 ፍቕድታት2:50 ስማዕ
ስማዕ 2:50 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ዳርዮስ ምስ ነገሰ ኣብ ራብዓይ ዓመቱ፥ ካሴሉ ብዝበሃል ታሽዓይ ወርሒ፥ ብራብዐይቲ መዓልቲ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ዘካርያስ መፀ።

2ሰብ ቤቴልውን ንሳራሳርን ንሬጌሜሌክን ንሰባቶምውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክልምኑ፥

3ነቶም ካህናት ቤት ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄርን ንነቢያትን “ከምቲ ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ዝገበርኩዎዶ ኣብ ሓምሻይ ወርሒ ምፍላይን ምብካይንዶ ይግብአኒ?” ኢሎም ክናገሩ ልኢኽዎም ነበረ።

4ከምዙይ ዝብል ቃል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከዓ ናባይ መፀ፦

5“ንዅሉ ህዝቢ እታ ምድርን ንኻህናትን ከምዙይ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘በዘን ሰብዓ ዓመታት፥ ኣብ ሓምሻይን ሻውዓይን ወርሒ እትፆሙን እትበኽዩን ዝነበርኩምስ፥ ብሓቂዶ ንኣይ ኢኹም ዝፆምኩምለይ?

6ትበልዑን ትሰትዩን ዝነበርኩምስ፥ ንርእስኹምዶ ኣይኮነን ትበልዑን ትሰትዩን ዝነበርኩም?’ ”

7ኢየሩሳሌምን እተን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ኸተማታትን ሰብ ሰፊርወን እንተለዋ፥ ብምቾት እንትነብሩ ደቡብን እቲ ቘላን ሰብ ሰፊርወን ኣብ ዝነበራሉ ጊዜ እንተለዋ፥ እግዚኣብሄር በቶም ቀዳሞት ነቢያት ገይሩ ዝኣወጆ ቓል፥ ክትሰምዑዶ ኣይግብአኩምን ነይሩ?

8ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ፥ ናብ ዘካርያስ መፀ፦

9“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦ ‘ሓቀኛ ፍርዲ ፍረዱ፤ ኵልኻትኩም ድማ ነሕዋትኩም ሰናይን ምሕረትን ግበሩ።

10ንመበለትን ንደኽታምን ንስደተኛን ንድኻን ኣይትግፍዑ፤ ካባኻትኩምውን፥ ሓደ እኳ ብልቡ ንሓዉ ኽፉእ ነገር ኣይሕሰብ።’

11“ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣበዩ፥ እምቢተኛ እንግድዓ መለሱለይ፤ ከይሰምዑ እውን ኣእዛኖም ኣፅመሙ።

12ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ድማ፥ ብቶም ቀዳሞት ነቢያት ገይሩ ብመንፈሱ ዝለኣኾ ሕጉን ቃሉን ከይሰምዑ፥ ልቦም ከም ኣልማዝ ኣትረሩ፤ ስለዙይ ካብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዓብዪ ቝጥዓ መፀ።

13ኣነ ፀዊዐዮም ከም ዘይሰምዑ፥ ኣነውን ከምኡ እንትፅውዑኒ ኣይሰምዖምን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።

14ኣነውን ናብቶም ዘይፈልጥዎም ኣህዛብ፥ ብንፋስ ኣውሎ በተንክዎም፤ እታ ምድሪ ኸዓ ብድሕሪኦም ባደመት፤ ስለዙይውን ናብኣ ዝኸይድ ወይ ብኣኣ ዝሓልፍ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ነታ ፅብቕቲ ሃገር ድማ ኣባደምዋ።”

ትርጓሜ

ዘካርያስ 7:1-7

7:1-7 ኣብ ዘሰክፉ ጉዳያት ሓቂ ፍቓድ ኣምላኽ ክንፈልጥ እንተደሊና፡ ቃሉን ኣገልገልቱን ምምካር ጥራይ ኣይኮነን ዘድልየና፡ ብትግሃት ጸሎት መሪሕነቱ ክንሓትት ኣለና። ኣእምሮ ኣምላኽ ክፈልጡ ዝደልዩ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ክመኽሩ ኣለዎም፣ ኣብ ዘሰክፉ ጉዳያት ከኣ ነቶም ቅዱሳት ጽሑፋት ምምርማር ፍሉይ ዕዮኦም ዝገበሩ ምኽሪ ክሓትቱ ኣለዎም።

ኣይሁድ ከኣ ከተማን ቤተ-መቕደስን ክፍጸማ እናተቐርበን ስለ ዝነበረ፡ ጾሞም ከቕጽሉ ይግባኦም ድዩ ኢሎም ክሓቱ መሰሎም። ነዚ ሕቶኦም እቲ ቀዳማይ መልሲ ኸኣ፡ ብርቱዕ ወቐሳ ግብዝና እዩ። እዞም ኣጽዋማት እዚኦም ብዝሓሸ ኣገባብን ብዝሓሸ ዕላማን እንተዘይተዓቀቡ፡ ንኣምላኽ ቅቡላት ኣይነበሩን። ናይ ግዴታ መልክዕ ነበሮም፡ ግናኸ ህይወት ወይ ነፍሲ ወይ ሓይሊ ኣይነበሮምን።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በንጉሡም በዳርዮስ በአራተኛው ዓመት ካሴሉ በሚባል በዘጠነኛው ወር በአራተኛው ቀን የእግዚአብሔር ቃል ወደ ዘካርያስ መጣ። አማርኛ ENGNIV In the fourth year of King Darius, the word of the Lord came to Zechariah on the fourth day of the ninth month, the mon… English BCV ዳርዮስ ምስ ነገሰ ኣብ ራብዓይ ዓመቱ፥ ካሴሉ ብዝበሃል ታሽዓይ ወርሒ፥ ብራብዐይቲ መዓልቲ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ዘካርያስ መፀ። ትግርኛ GAZBIB Daariyos mo'ee waggaa afuraffaatti, waggicha keessaa ji'a salgaffaa isa “Kisluu” jedhamutti, ji'icha keessaa guyyaa afu… Afaan Oromoo BCV GIZ ወእምዝ በራብዕ ዓመተ መንግሥቱ ለዳርዮስ ንጉሥ ኮነ ቃለ እግዚአብሔር ኀበ ዘካርያስ አመ ረቡዑ ለሠርቀ ታስዕ ወርኅ ወወርኁ ወርኅ ካሴል። giz GAZGAZ Daariyos mo'ee waggaa afuraffaatti, waggicha keessaa ji'a salgaffaa isa “Kisluu” jedhamutti, ji'icha keessaa guyyaa afu… Afaan Oromoo AMHNIV ዳርዮስ በነገሠ በአራተኛው ዓመት፣ ካሴሉ በተባለው በዘጠነኛው ወር፣ በአራተኛው ቀን የእግዚአብሔር ቃል ወደ ዘካርያስ እንዲህ ሲል መጣ፤ አማርኛ SWAHSUV Ikawa katika mwaka wa nne wa mfalme Dario, neno la Bwana lilimjia Zekaria, siku ya nne ya mwezi wa kenda, yaani, Kisleu. Kiswahili