ትንቢት ዘካርያስ 4

BCVትግርኛ14 ፍቕድታት3:05 ስማዕ
ስማዕ 3:05 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ ተመሊሱ፥ ከምቲ ንሰብ ካብ ድቃሱ እተበራብሮ ኣበራበረኒ።

2“ንሱ እንታይ ትርኢ ኣለኻ?” ድማ በለኒ። ኣነ ኸዓ “እንሆ ዅለንትናኡ ወርቂ ዝኾነ ቐዋሚ ቐንዲል ረአኹ፤ ኣብ ልዕሊ ርእሱ፥ እንዳ ዘይትን ሸውዓተ መብራህትን ነበሮ። እተን ኣብ ርእሱ ዘለዋ መብራህትታት ከዓ ሸውዓተ ሸምበቆታት ነበረን።

3ኣብ ጥቓአን ድማ ኽልተ ኣእዋም ኣውሊዕ ነበራ፤ እታ ሓንቲ ኣብ የማን እቲ እንዳ ዘይቲ፥ እታ ሓንቲውን ኣብ ፀጋሙ ነበራ” በልኩ።

4መሊሰ፥ ነቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ “ጐይታይ፥ እዚኣተን እንታይ እየን?” በልክዎ።

5ንሱ ኸዓ “እዚኣተን እንታይ ምዃነንዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ?” በለኒ። ኣነ ድማ “ጐይታይ፥ ኣይፈልጥን” በልክዎ።

6መሊሱ “ንዘሩባቤል፥ ዝተብሃሎ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦ ብመንፈሰይ እምበር፥ ብሓይልን ብብርተዐን ኣይኮነን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።

7ኣታ ዓብዪ እምባ፥ ንስኻ እንታይ ኢኻ? ኣብ ቅድሚ ዘሩባቤል፥ ለጥ ዝበለ ሜዳ ኽትከውን ኢኻ፤ ሰባት ሞገስ ይኹነሉ ኢሎም እናድመፁ፥ ንሱ ነቲ መዛዘሚ እምኒ ኸውፅኦ እዩ” ኢሉ ተናገረኒ።

8ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፦

9“ኣእዳው ዘሩባቤል፥ መሰረት እዝ ቤተ መቕደስ እዙይ መስረታ፤ ዝፍፅማኦውን ኣእዳዉ እየን። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንኣይ ናባኻትኩም ከም ዝለኣኸኒውን ክትፈልጡ ኢኹም።

10ንመዓልቲ ኣናእሽቲ ነገር ዝንዕቕ መን እዩ? ኣብ ኢድ ዘሩባቤል ዘላ መለክዒት መንደቕ እንትሪኡ ክሕጐሱ እዮም፤ እዞም ሸውዓተ እዚኣቶም ከዓ፥ ኣብ ኵሉ ምድሪ ዝዘዋወሩ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር እዮም።”

11ብድሕሪኡ ነቲ መልኣኽ “እዞም ብየማነ ፀጋም እዝ ቐዋሚ ቐንዲል ዘለዉ፥ ክልተ ኣእዋም ኣውሊዕኸ እንታይ እዮም?” በልክዎ።

12ደጊመውን “እቶም ኣብ ጥቓ እቶም ክልተ ሻምበቆታት ወርቂ፥ ዘይቲ ዘውሕዙ ኽልተ ጨናፍር ኣውሊዕኸ እንታይ እዮም?” በልክዎ።

13ንሱ ኸዓ “እዚኣቶም እንታይ ከም ዝኾኑዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ?” ኢሉ መለሰለይ። ኣነ ድማ “ጐይታይ፥ ኣይፈልጥን” በልክዎ።(ሀ)

14ሽዑ ንሱ “እዚኣቶም ኣብ ጥቓ እቲ ጐይታ ዅላ ምድሪ ዝቖሙ ኽልተ ቕቡኣት እዮም” በለኒ።

ትርጓሜ

4:1-7 መንፈስ ነብዪ ንምእዛዝ ድሉይ ነበረ፣ ስጋ ግና ድኹም ነበረ። ክዛረበና ከሎ፡ ከባርበና፡ ንሕና ድማ ንርእስና ኸነበራብር፡ ኣምላኽ ክንልምኖ ይግብኣና። ቤተክርስትያን ነዛ ጸልማት ዓለም ንምንጋፍን፡ ንብርሃን መገለጺ ኣምላኽ ንምቕራብን፡ እተዘርግሐት ወርቃዊት ጨፍጨፍ ወይ መብራህቲ እያ። ክልተ ኦሊቫታት፡ ሓንቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጐድን እታ ጨፍጨፍ ተራእያ፡ ዘይተቋረጸ ዘይቲ ናብቲ ማዕከን እታ መብራህቲ ይውሕዝ ነበረ። ኣምላኽ ንቤተክርስትያኑ ዝምልከት ጸጋዊ ዕላማታቱ፡ ብዘይ ገለ ናይ ሰብ ጥበብ ወይ ጻዕሪ የብጽሕ። ሓሓሊፉ ንመሳርሒታቱ ይጥቀም፡ ግናኸ ኣየድልይዎን እዩ። እዚ ንምልኣት ናይ መለኮታዊ ጸጋ፡ ንሚኒስተራትን ኣባላት ቤተክርስትያንን ንምንጋፍን ንምቅዳስን ዝኸውን፡ ብገለ ሰብኣዊ ሓይሊ ክረኸብ ወይ ክዕገት ዘይከኣል ምዃኑ ይገልጽ ነበረ።

እቲ ራእይ፡ ጽቡቕ ናይ ህንጻ ቤት መቕደስ ስራሕ፡ ናብ ሓጎስ ዝመልኦ መወዳእታ ከምዝበጽሕ የረጋግጸልና። እቲ ጸገም ከም ዓብዪ ከረን ተገሊጹ ኣሎ። ግናኸ ኩሉ ጸገማት ክጠፍእ፡ ኩሉ ተቓውሞታት ድማ ክስገር እዩ። እምነት ኣኽራናት ከተርሕቕ፡ ማዕዱ ድማ ክትገብረን እያ። ክርስቶስ ዘሩባቤልና እዩ። ኣኽራናት ጸገም ኣብ መንገዲ ምግባሩ ነይረን፡ ግናኸ ምንም ነገር ንእኡ ዝኸብዶ የልቦን። ካብ ጸጋ ኣምላኽ ዝመጸ፡ ብእምነት ናብ ጸጋ ኣምላኽ ክውከል ይከኣል እዩ፡ ምኽንያቱ ንሱ ስራሕ ኢዱ ኣይሓድጎን እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6