ትንቢት ዘካርያስ 11

BCVትግርኛ17 ፍቕድታት3:30 ስማዕ
ስማዕ 3:30 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣታ ሊባኖስ፥ በርታትካ ኽፈት፤ ሓዊውን ንዝግባታትካ ትብላዕ።

2ኣታ ኦም ፅሕዲ፥ ዝግባ ሊባኖስ ወዲቑ እዩሞ፥ ክቡራትውን ጠፊኦም እዮምሞ፥ ዋይ ዋይ በል። ኣቱም ኣእዋም ባሳን፥ እቲ ፀምፀም ዱር ተቘሪፁ እዩ እሞ፥ ዋይ ዋይ በሉ።

3ክብሪ ጓሶት ተዋሪዱ እዩሞ፥ ድምፂ ኣውያቶም ተሰምዐ፤ ትዕቢት ዮርዳኖስ ተዋሪዱ እዩሞ፥ ድምፂ ምጕዛም ኣንበሳ ተሰምዐ።

4እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ከምዙይ ይብል፦ “እተን ንማሕረዲ ዝተፈለያ ኣባጊዕ ሓሉ።

5እቶም ዓደግተን ክሓርድወን እዮም፤ ንርእሶም ከዓ ኸም በደልቲ ገይሮም ኣይቘፅሩን። እቶም ሸየጥተን ከዓ ‘ንሕና ሃብቲምና ኢናሞ፥ እግዚኣብሄር ይመስገን’ ይብሉ። ጓሶተንውን ኣይርህሩሁለንን።”

6“ድሕሪ ሕዚ ነቶም ኣብታ ምድሪ ዝነብሩ ኣይርህርሀሎምን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። እንሆ፥ ንዅሉ ሰብ ኣብ ኢድ ብፃዩን፥ ኣብ ኢድ ንጉሱን ኣሕሊፈ ኽህብ እየ፤ ንሳቶም ከዓ ነታ ምድሪ ኸባድምዋ እዮም፤ ኣነውን ካብ ኢዶም ኣየናግፎምን እየ” ይብል እግዚኣብሄር።

7ኣነውን ነተን ንማሕረዲ ዝተፈለያ ኣባጊዕ፥ ብፍላይኳ ነተን መሳኺን መጓሰ ኣባጊዕ፥ ጓሰኹ። ክልተ በትሪ ድማ ወሰድኩ፤ ነታ ሓንቲ “ፅባቐ” ነታ ሓንቲ ኸዓ “መእሰሪ” ኢለ ሰመኽወን፤ ነተን መጓሰውን ሓለኹወን።

8ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ፥ ነቶም ሰለስተ ጓሶት ኣወገድክዎም። ነፍሰይውን ተሰቀቐቶም፤ ነፍሳቶምውን ንኣይ ፀልአትኒ።

9“ኣነ ንኣኻትኩም ኣይሕሉን፤ እቲ ዝመውት ይሙት፤ እቲ ዝጠፍእ ይጥፋእ፤ እቲ ዝተረፈ ድማ ስጋ ንስንሳቱ ይባላዕ” በልኩ።

10ሽዑ ኣነ ምስ ኵሎም ህዝብታት፥ ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን ምእንቲ ኸፍርስ ነታ “ሞገስ” ዝስማ በትረይ ወሲደ ሰበርክዋ።

11በታ መዓልቲ እቲኣ ፈረሰ። እቶም ዝጥምቱኒ ዝነበሩን፥ እቶም ዝተጨነቑ ኣባጊዕን፥ ቃል እግዚኣብሄር ምዃኑ ፈለጡ።

12ኣነ ድማ “ባህ እንተይሉኩም ዓስበይ ሃቡኒ፤ ደስ እንተ ዘይሉኩም ድማ ሕደግዎ” በልክዎም። ንሳቶም ከዓ ዓስበይ ሰላሳ ቕርሺ ብሩር መዘኑ።

13እግዚኣብሄር ከዓ፥ ነቲ ዝገምገሙለይ ክቡር ዓስበይ “ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተ መዛግብቲ ኣንብሮ” በለኒ። ኣነ ድማ ነቲ ሰላሳ ቕርሺ ብሩር ወሲደ፥ ኣብቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘሎ ቤተ መዛግብቲ ኣንበርክዎ።

14ሽዑ ነቲ ኣብ መንጎ ይሁዳን እስራኤልን ዘሎ ሕውነት ክሰብር፥ ነታ “መእሰሪ” ዝበልክዋ ኻልአይቲ በትረይ ሰበርክዋ።

15እግዚኣብሄር ከዓ “መሊስካ ኣቕሓ እቲ ሰነፍ ጓሳ ውሰድ” በለኒ።

16“እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ እዛ ሃገር ጓሳ ኸተስእ እየ። ንሱ ንዝጠፍአ ኣይዝክርን፤ ከርተት ንዝብል ኣይደልን፤ ንዝተሰበረ ኣይፅግንን፤ ነቲ ዝደሓነ ኸዓ ኣይቕልብን እዩ፤ ግና ስጋ ስቡሓት ይበልዕ፤ ሸኾናኣቶምውን ይቆረጣጥም።

17መጓሰኡ ንዝሓድግ ሰነፍ ጓሳ ወይለኡ! ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ቕልፅሙን፥ የማናይ ዓይኑን ክኸውን እዩ። ቅልፅሙ ፈፂማ ኽትሰልል፥ የማነይቲ ዓይኑውን ክትዓውር እያ።”

ትርጓሜ

11:1-3 ብምሳላዊ ኣገላልጻ፡ ጥፍኣት የሩሳሌምን ናይ ኣይሁድ ቤተክርስትያንን ሃገርን ተነጊሩ ኣሎ። እዚ ድማ ጐይታና የሱስ እዋኑ ምስ ቀረበ፡ ብግልጽን ብንጹርን ዝተነበዮ እዩ። ኣእዋም ስራሕ ከመይ ጌረን ደው ክብላ ይኽእላ፡ ኣእዋም ኣርዘ ሊባኖስ እንተ ወዲቐን? ጥበበኛታትን ጽቡቕ ዝገብሩን ናብ ሓጢኣት ምውዳቖም፡ ከምኡ'ውን ሃብታማትን ዓባይ ቦታ ዘለዎምን ናብ ሽግር ምእታዎም፡ ንብኹሉ መገዲ ንዕኦም ንዝትሕቱ፡ ብርቱዕ መጠንቀቕታ እዩ። እቶም ጓሶቶም ክኾኑ ዝግብኦም፡ ከም ኣናብስ ፍንጃል ክኾኑ ከለው፡ ንሓደ ህዝቢ ዜሕዝን እዩ። ትዕቢት ዮርዳኖስ፡ ኣብ ገምገም ዝነበረ ጫካ እዩ ነይሩ። እቲ ርባ ገምገሙ ምስ ዓለቦ ድማ፡ ኣናብስ ካብኡ እናጓረሩ ደይቦም። ስለዚ፡ ጥፍኣት የሩሳሌም ንኻልኦት ኣብያተ ክርስትያን ከተጠንቅቕ ይኽእል እዩ።

11:4-14 ክርስቶስ ናብዛ ዓለም እዚኣ፡ ናብታ ብኣዝዩ ዘሕዝን ኩነታት ዝተበላሸወትን ዝወረደትን ኣይሁዳዊት ቤተክርስትያንን ህዝብን ንፍርዲ መጸ። እቶም እኩይ ዝገብሩን ብእኡ ንርእሶም ንጹሃት ገይሮም ዝቖጽሩን ኣእምሮኦም ብኣዝዩ ዘሕዝን ኩነታት ተዓዊሩ እዩ፤ ግናኸ ኣምላኽ ነቶም ንርእሶም ንጹሃት ገይሮም ዝቖጽሩ ንጹሃት ኣይገብሮምን። ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንዝረኸብናዮ ሃብቲ ሓይር ክንልምን ወይ ድማ ብእኡ ንዝረኸብናዮ ዓወት ምስጋና ከነውርበሉ ከመይ ጌርናስ ናብ ኣምላኽ ክንከይድ ንኽእል? ኣብ መንጎኦም ኣጠቃላሊ ምብላሽ ሃይማኖት ነበረ፡ ንእኡ ድማ ኣቓልቦ ኣይሃብዎን።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6