1ብክርስቶስ ሓቂ ኸም ዝዛረብ እምበር ከም ዘይሕሱ፥ ሕሊናይ ብመንፈስ ቅዱስ ይምስክረለይ እዩ።
2ብዙሕ ጓህን፥ ዘየቋርፅ ጭንቅን፥ ኣብ ልበይ ኣሎ።
3ኣነ ንባዕለይ፥ ምእንቲ እቶም ብስጋ ኣሕዋተይን ኣዝማደይን ዝኾኑ፥ ርጉም ኮይነ፥ ካብ ክርስቶስ ክፍለ ምደለኹ።
4ንሳቶም እስራኤላውያን እዮም፤ ውሉድነትን፥ ክብርን፥ ኪዳንን፥ ምሕጋግ ሕግን፥ ንኣምላኽ ምግልጋልን፥ ተስፋን፥ ናታቶም እዩ።
5ንሳቶም ካብ ኣቦታት ዝተወለዱ እዮም፤ ክርስቶስውን ብስጋ ኻብኣቶም እዩ ዝተወለደ። ንሱ ልዕሊ ዅሉ ዝኾነ ኣምላኽ፥ ንዘለኣለም ቡሩኽ እዩ። ኣሜን!
6ግና እቲ ቓል እግዚኣብሄር፥ በዙይ ከንቱ ኾይኑ ተሪፉ ማለት ኣይኮነን፤ እቶም ካብ እስራኤል ዝተወለዱ ዅሎም፥ እስራኤላውያን ኣይኮኑንሞ።
7ከምኡውን ኵላቶም እቶም ካብ ኣብርሃም ዝተወለዱ፥ ደቂ ኣብርሃም እዮም ማለት ኣይኮነን። እንተ ኾነ “ካብ ይስሓቅ ዘርኢ ኽስመየልካ እዩ” ኢልዎ ነበረ።
8እዙይ ማለት ከዓ፥ እቶም ከም ተስፋ ቓሉ ዝተወለዱ እዮም፥ ደቁ ዝኾኑ እምበር፥ እቶም ብስጋ ዝተወለዱስ፥ ደቂ እግዚኣብሄር ኣይኮኑን።
9እቲ ቓል ተስፋ “ንዓመታ ኸምዛ እዋን እዚኣ ኽመፅእ እየ፤ ሳራ ኸዓ ወዲ ኽትወልድ እያ” ዝብል ነበረሞ።
10እዙይ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ርብቃውን ካብ ሓደ ኣቦና ይስሓቅ ምስ ጠነሰት፥
11ካብ ሕርየት እምበር፥ ካብ ግብሪ ኸም ዘይኮነ፥ እቲ ፈቓድ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ኣብ ምሕራይ ከም ዝተመስረተ ምእንቲ ኽገሃድ፥ እቶም ህፃናት ገና እንተይተወለዱ፥ ፅቡቕ ኮነ ኽፉእ እንተይገበሩ፥
12ንርብቃ “እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶይ ክግዛእ እዩ” ዝብል ተነገራ።
13እዙይ ከዓ “እቲ ንያእቆብ ኣፍቀርኩ፤ ንኤሳው ግና ፀላእኹ” ዝብል ፅሑፍ ስለ ዘሎ እዩ።
14እሞኸ እንታይ ክንብል ኢና? ኣብ እግዚኣብሄርዶ ዓመፅ ኣሎ እዩ? የለን!
15እግዚኣብሄር ንሙሴ፦ “ንዝምሕሮ ኽምሕሮ እየ፤ ንዝርህርሀሉ ኽርህርሀሉ እየ” ኢልዎ እዩ።
16ስለዙይ ምሕረት፥ ካብቲ ዝምሕር እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ንዝደለየን ንዝጐየየን ኣይኮነን።
17ንፈርዖን “ሓይለይ ኣባኻ ኸርኢ፥ ስመይውን ኣብ ኵሉ ምድሪ ምእንቲ ኽንገር እየ ዘተሳእኹኻ” ዝብል ፅሑፍ ኣሎ እሞ።
18እምበኣር፥ ንዝደለዮ ይምሕሮ፤ ንዝደለዮ ድማ የሀልኾ እዩ።
19እምበኣር “ስለ ምንታይ ክሳዕ ሕዚ ዝነቅፍ? ንፍቓዱኸ ዝቃወም መን እዩ?” ትብል ትኸውን።
20ኣታ ሰብ፥ ንእግዚኣብሄር እትከራኸሮ፥ ንስኻ መን ኢኻ? ስራሕ፥ ንሰራሒኡ ንምንታይ ከምዙይ ጌርካ ሰራሕኻኒ፥ ክብሎዶ ይኽእል እዩ?
21ወይ እቲ ሰራሒ መሬት፥ ካብ ሓደ ፀብሪ፥ ገሊኡ ንኽብሪ፥ ገሊኡውን ንሓሳር ዝኸውን ኣቕሑ ኽሰርሕ፥ ኣብቲ ፀብሪ ስልጣንዶ የብሉን እዩ?
22ከምኡ ድማ እግዚኣብሄር ቍጥዓኡ ኸርኢ ሓይሉውን ከፍልጥ እንተ ደልዩ፥ ትዕግስቱ ምስ ኣርኣየ፥ ነቶም ንጥፍኣት ዝተዳለዉ፥ ናይ ጥፍኣት መልእኽተኛታት(ሀ) የምፅእ።
23ከምኡውን ዕብየት ጐይትነቱ ኸርኢ እንተ ደለየ፥ ኣቐዲሙ ንኽብሪ ንዘዳለዎም ናይ ምሕረት መልእኽተኛታት(ለ) የምፅእ።
24እዚኣቶምውን፥ ንሕና እቶም ካብ ኣይሁድ ኮነ ኻብ ኣህዛብ፥ ዝተፀዋዕና ሰባት ኢና።
25ኣብ ነቢይ ሆሴዕውን፦ “ነቲ ህዝበይ ዘይኮነ ‘ህዝበይ’ ክብሎ እየ፤ ነታ ዘይፍቕርተይውን፥ ‘ፍቕርተይ’ ክብላ እየ” ይብል እዩ።
26ኣብታ “ህዝበይ ኣይኮንኩምን” ተብሂሎም ዝተፀውዑላ ስፍራ፥ “ደቂ ህያው እግዚኣብሄር” ተብሂሎም ክፅውዑ እዮም ይብል።
27ኢሳይያስውን ብዛዕባ ደቂ እስራኤል፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ፦ “ቍፅሪ ደቂ እስራኤል፥ ከም ሑፃ ባሕሪ እኳ እንተ በዝሐ፥ እቲ ተረፍ ጥራሕ እዩ ዝድሕን።
28እግዚኣብሄር ንፍርዱ፥ ኣብ ምድሪ ብርግፅን ብቕልጡፍን ክፍፅሞ እዩ እሞ።”
29ከምቲ ኢሳይያስ ኣቐዲሙ “እግዚኣብሄር ፀባዖት፥ ዘርኢ እንተ ዘይሓድገልናስ፥ ከም ሰዶም ምኾንና፤ ንገሞራውን ምመሰልና ኔርና” ዝበሎ እዩ።
30ደጊምከ እንታይ ንበል? እቶም ፅድቂ ዘይደለዩ ኣህዛብ፥ ንፅድቂ ረኸብዋ፤ እዙይ ከዓ ብእምነት ዝርከብ ፅድቂ እዩ።
31እስራኤል ግና፥ ነቲ ናብ ፅድቂ ዘብፅሕ ሕጊ እናተኸተሉስ፥ ንሕጊ ስለ ዘይፈፀምዎ፥ ነቲ ፅድቂ ኣይረኸብዎን።
32ስለ ምንታይ ነቲ ፅድቂ ዘይረኽብዎ? ፅድቆም ብስራሕ እምበር፥ ብእምነት ስለ ዘይኮነ እዩ። ኣብቲ እምኒ መዐንቀፊ ድማ ተዓንቀፉ።
33እዙይ ከዓ መፅሓፍ፦ “እንሆ ኣብ ፅዮን መዐንቀፊ እምንን፥ ዘንደልህፅ ኰዅሕን ኣንብር ኣለኹ፤ ብእኡ ዝኣምን ከዓ፥ ኣይሓፍርን እዩ” ኸም ዝበሎ እዩ።