ናብ ሰብ ሮሜ 4

BCVትግርኛ25 ፍቕድታት3:55 ስማዕ
ስማዕ 3:55 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እምበኣር እቲ ብስጋ ኣቦና ዝኾነ ኣብርሃም፥ እንታይ ረኺቡ ኽንብል ኢና?

2ኣብርሃም ብስራሑ ፀዲቑ እንተ ዝኸውን፥ ዝምክሐሉ ነገር ምሃለዎ ነይሩ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ግና፥ ሓንቲ እኳ የብሉን።

3መፅሓፍከ እንታይ ይብል? “ኣብርሃም ብእግዚኣብሄር ኣመነ፤ ፅድቂ ኾይኑ ድማ ተቘፀረሉ” ይብል።

4ነቲ ዝሰርሕ ሰብ፥ ደመወዙ ኸም ግቡእ ኾይኑ ይቝፀረሉ እምበር፥ ከም ውህብቶ ኣይኮነን።

5ሰብ ሰናይ ተግባር እንተ ዘይብሉ እኳ፥ በቲ ንሓጢኣተኛታት ዘፅድቕ እግዚኣብሄር እንተ ኣሚኑ፥ እቲ እምነቱ፥ ፅድቂ ኾይኑ ይቝፀረሉ እዩ።

6ዳዊት ብዛዕባ እቲ ብግብሪ ዘይኮነስ ብዛዕባ እቲ ብኸምኡ እግዚኣብሄር ዘፅድቖ ሰብ፥ ብፁእ ከም ዝኾነ ኽዛረብ እንተሎ፥ ከምዙይ ይብል፦

7“እቶም በደሎም ይቕረ ዝተብሃለሎም፥ ሓጢኣቶምውን ዝተሓደገሎም፥ ብፁኣን እዮም።

8እግዚኣብሄር ሓጢኣቱ ዘይቘፅረሉ ሰብ፥ ብፁእ እዩ።”

9እዛ ብፅእና እዚኣ፥ ንግሩዛት ጥራሕ ድያ ወይ ንዘይተገርዙውን? ንኣብርሃም፥ እታ እምነቱ ፅድቂ ኾይና ተቘፀረትሉ ኢልና ኣለና።

10ከመይ ኢላ እያኸ ዝተቘፀረትሉ? ምስ ተገርዘ ድያ? ወይ እንተይተገርዘ? እንተይተገርዘ እያ እምበር፥ ምስተገርዘ ኣይኮነትን።

11ነታ ገና ኸይተገርዘ እንተሎ፥ ብእምነት ዝረኸባ ፅድቂ፥ ምልክትን ማሕተምን ክትከውን፥ ግርዘት ተቐበለ። ስለዙይ፥ ነቶም ኵሎም እንተይተገርዙ ዝኣምኑ እሞ፥ እምነቶም ፅድቂ ኾይኑ ንዝቝፀረሎም ድማ፥ ኣቦ ኾኖም።

12ኣቦ ግሩዛትውን እዩ፤ እዙይ ከዓ ስለ ዝተገረዙ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ነታ ኣብርሃም ከይተገረዘ እንተሎ ዝረኸባ እምነት፥ ስለ ዝሰዓቡ እዩ።

13እታ ንኣብርሃም ምስ ዘርኡ ንዓለም ከም ዝወርሳ ዝተውሃበቶ ተስፋ፥ በቲ ብእምነት ዝርከብ ፅድቂ እያ እምበር፥ ሕጊ ብምፍፃም ኣይኮነትን።

14እቶም ፈፀምቲ ሕጊ ዝወርሱ እንተ ዝኾኑ ግና፥ እምነት ከንቱ ምኾነት፤ ተስፋ ኸዓ ዋጋ ኣይምነበራን።(ሀ)

15ሕግስ ቍጥዓ እዩ ዘምፅእ፤ ኣብቲ ሕጊ ዘይብሉ ግና፥ ኣብኡ ምጥሓስ ሕጊ የለን።

16እታ ተስፋ ኻብ እምነት እያ፤ ስለዙይ ኵሎም ዘርኢ ኣብርሃም፥ ነዛ ተስፋ እዚኣ፥ ብፀጋ ኽወርሱዋ እዮም። እዙይ ከዓ፥ ፈፀምቲ ሕጊ ጥራሕ ዘይኮኑስ፥ እቶም ከም ኣብርሃም ብእምነት ዝፀድቁውን እዮም፤ ኣብርሃም ብእምነት ኣቦ ዅልና እዩ እሞ።

17እዙይ ድማ “ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ገይረካ እየ” ዝብል ተፅሒፉ ስለ ዘሎ እዩ። ተስፋ ንኣብርሃም ዝተውሃቦ፥ ንሱ ንዝሞቱ ህይወት ብዝህብ፥ ንዘየለዉውን ናብ ህልውና ብዝፅውዕ እግዚኣብሄር ስለ ዝኣመነ እዩ።

18“ዘርእኻ ኸምኡ ክኸውን እዩ” ዝብል ዝተነግሮ ኣብርሃም፥ ኣብቲ ተስፋ ዘይነበሮ ተስፋ ብምግባር፥ ኣቦ ብዙሓት ከም ዝኸውን ኣመነ።

19ኣብርሃም ወዲ ሚእቲ ዓመት ኣቢሉ ስለ ዝነበረ፥ ክወልድ ከም ዘይኽእልን፥ ሳራውን ማህፀና ኸም ዝሞተ እናረአየ እኳ፥ እምነቱ ኣይደኸመን።

20ግና ብእምነቱ እናበርትዐ ደኣ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ሃበ እምበር፥ በቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ተስፋስ ኣይተጠራጠረን።

21ነቲ ዝሃቦ ተስፋ፥ እግዚኣብሄር ክፍፅሞ ኸም ዝኽእል፥ ኣፀቢቑ ተረዲኡ ነበረ።

22ስለዙይ ድማ “እምነቱ ፅድቂ ኾይኑ ተቘፀረሉ።”

23ግና “እቲ ፅድቂ ኾይኑ ተቘፀረሉ” ዝብል፥ ንኣብርሃም ጥራሕ ኣይተፅሓፈን፤

24ንኣናውን እዩ እምበር። በቲ ንጐይታና ኢየሱስ ካብ ምዉታን ዘተስኦ ንእንኣምን፥ ንኣናውን ክቝፀረልና እዩ።

25ንሱ ምእንቲ ሓጢኣትና ቤዛ ዝኾነ፥ ንኣና ንኸፅድቕውን ካብ ሞት ተስአ።

ትርጓሜ

4:1-12 ኣረኣእያ ኣይሁድ ንምምልካት፡ ሃዋርያ ፈለማ ናብቲ ኣይሁድ ብዝበዝሐ ዝኸብርሉ ዝነበሩ ቅድመ-ኣቦኦም ኣብርሃም ኣብነቱ ይጠቅስ። ብብዙሕ መዳያት እኳ እንተዓበየ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግን ዝምክሓሉ ገለ እኳ ኣይነበሮን፤ ከመይሲ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ብጸጋን ብእምነትን እዩ ድሒኑ። ቅድሚ ምጽውዖቱ ዝሓለፉ ዓመታትን፡ ብሓንሳእ ብሓንሳእ ኣብ ምእዛዙን ኣብ እምነቱን ዝነበሮ ውድቀታትን ከይተዘርዘረ፡ ኣብ ቅዱስ ጽሑፍ ብንጹር፡ ኣምላኽ ኣመነ እሞ ጽድቂ ኾይኑ ተቖጽረሉ ተባሂሉ ተጻሒፉ ኣሎ (ዘፍ 15፡6)። ካብዚ ኣብነት እዚ ኸኣ፡ ዝኾነ ሰብ ነቲ ሕጊ ዝሓቶ ምሉእ መለክዒ ተግባር እንተሰርሐ፡ እቲ ዓስቡ ከም ዕዳ ኽቑጸር ኣለዎ። እዚ ግን ናይ ኣብርሃም እኳ እንተዘይነበረ፡ ከመይሲ እምነቱ ጽድቂ ኾይኑ እዩ ተቖጺርሉ ዘሎ። ምእመናን ብእምነት ምስጋት ምስ ዝረኽቡ፡ እምነቶም ንጽድቂ ኾይኑ ምስ ዝቑጸር፡ እምነቶም ከም ንእሽቶ ይኹን ዓብዪ ክፋል ናይ ጽድቆም ኮይኑ ኣየስግቶምን። የግዳስ፡ ነቲ ስሙ እግዚኣብሄር ጽድቅና ተባሂሉ ኪጽዋዕ ዝመረጸ፡ ናብኡ ንምሕዋስ ዝተሰርዔ መገዲ ኾይኑ እዩ። ይቕረ ዝተገብረሎም ሰባት ጥራይ እዮም ብጹኣን። ኣብርሃም ቅድሚ ምግዝራቱ ብብዙሕ ዓመታት ምስጋት ከም ዝረኸበ፡ ካብ ቅዱስ ጽሑፍ ብንጹር ይርአ። ስለዚ እዚ ስርዓት እዚ ንምስጋት ኣድላዪ ከምዘይነበረ፡ ብንጹር ይረጋገጽ። ናይቲ ቀዳማይ ምብልሻው ሰብኣዊ ባህርይ ምልክት እዩ ነይሩ። ከምኡ እውን፡ እዚ ስርዓት እዚ፡ መብጽዓታት ኣምላኽ ንዕኡን ንዘርኡን ንምርግጋጽ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንሳቶም ናይ እግዚኣብሄር ክኾኑ ዘለዎም ግቡእን ንምምስካርን፡ ብተወሳኺ ድማ ንሱ ድሮ ናይ ጽድቂ እምነት ሓቀኛ ተሳታፊ ምዃኑ ንምርግጋጽ ዝተሰርዔ ግዳማዊ ማሕተም ዝኾነ ምልክት እዩ ነይሩ። በዚ ኸኣ ኣብርሃም፡ ነቶም በቲ ናይ ዝእዘዝ እምነቱ ኣብነት ዝኸዱ ኩሎም ምእመናን፡ መንፈሳዊ ቅድመ-ኣቦኦም ኮይኑ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6