ናብ ሰብ ሮሜ 15

BCV aksumትግርኛ31 ፍቕድታት5:29 ስማዕ
ስማዕ 5:29 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ንሕና ብእምነት ዝፀናዕና፥ ነቶም ብእምነት ዘይፀንዑ ኣሕዋትና፥ ክንድግፎም ደኣ እምበር፥ ንባዕልትና ጥራሕ ክነሐጕስ፥ ኣይግብአናን እዩ።

2ነፍሲ ወከፍና፥ ንብፃይና ምእንቲ ኽንሃንፆ፥ ሰናይ ንግበረሉ፤ ነሐጕሶውን።

3ከምቲ ፅሑፍ “ፀርፊ እቶም ዝፀርፉኻ፥ ኣባይ ወደቐ” ዝብሎ፥ ክርስቶስውን እንተ ኾነ፥ ንባዕሉ ኣየሐጐሰንሞ።

4በቲ ኻብ ቅዱሳት መፃሕፍቲ ዝርከብ ትዕግስትን ምፅንናዕን፥ ተስፋ ምእንቲ ኽንረክብ፥ ኵሉ እቲ ኣቐዲሙ ዝተፅሓፈ፥ ንትምህርትና እዩ ዝተፅሓፈ።

5ሓቢርኩም ብሓደ ኣፍ ኴንኩም፥ ከምቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቦ ንዝኾነ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽተኽብሩ፥ እቲ ናይ ትዕግስትን ምፅንናዕን ኣምላኽ፥ ኣብ ንስንሳትኩም፥ ከምቲ ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ጌርኩም፥ ሓደ ሓሳብ ከም እትሓስቡ ይግበርኩም።

7ስለዙይ ከምቲ ክርስቶስ፥ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ዝተቐበለኩም፥ ንስንሳትኩም ተቐባበሉ።

8ክርስቶስ፥ ነቲ ነቦታት ዝተውሃበ ተስፋ ምእንቲ ኸፅንዖ፥ ኣምላኽ ሓቀኛ ኸም ዝኾነ ምእንቲ ኸርኢ፥ ኣገልጋሊ ግርዘት ከም ዝኾነ፥ እነግረኩም ኣለኹ።

9ከምቲ መፅሓፍ፦ “ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ከመስግነካ እየ፤ ንስምካውን ክዝምር እየ” ዝብሎ፥ ኣህዛብ፥ ንእግዚኣብሄር ብምሕረቱ ምእንቲ ኸመስግንዎ እዩ።

10ደጊሙውን “ኣቱም ኣህዛብ፥ ምስ ህዝቡ ዄንኩም ተሓጐሱ” ይብል።

11ቀፂሉ ኸዓ፥ “ኵልኻትኩም ኣህዛብ፥ ንጐይታ ኣመስግንዎ፤ ኵሎም ህዝብታትውን፥ ይወድስዎ” ይብል።

12ኢሳይያስውን፥ “ካብ ሱር እሴይ ክትስእ እዩ፤ ንሱ ኣብ ኣህዛብ ክገዝእ እዩ፤ ብእኡ ኸዓ፥ ኣህዛብ ተስፋ ኽገብሩ እዮም” ይብል።

13ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ፥ ተስፋኹም ኣፀቢቑ ምእንቲ ኽዓቢ፥ እቲ ዝኣመንኩምዎ ናይ ተስፋ ኣምላኽ፥ ኵሉ ሓጐስን ሰላምን ይምላእኹም።

14ኣሕዋተይ፥ ብሰናይ ነገርን፥ ብዅሉ ፍልጠትን ከም ዝተመላእኹም፥ ንስንሳትኩምውን ምምዕዓድ ከም እትኽእሉ፥ ኣነ ባዕለይ ተረዲአዮ ኣለኹ።

15በቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተውሃበኒ ፀጋ፥ ከዘኻኽረኩም ደልየ፥ ብዛዕባ ሓድሓደ ነገራት፥ ብድፍረት ፅሒፈልኩም ኣለኹ።

16እዙይ ከዓ፥ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐደሰ መስዋእቲ ኾይኖም ዝቐረቡ ኣህዛብ፥ ብኣምላኽ ቅቡላት ምእንቲ ክኾኑ፥ ካህን ወንጌል ኣምላኽ ኮይነ፥ ንኣህዛብ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣገልጋሊ ምእንቲ ክኸውን እዩ።

17ስለዙይ ንእግዚኣብሄር ስለ ዘገልግል፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ እምካሕ ኣለኹ።

18እንተ ኾነ፤ ኣህዛብ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኽእዘዙ ኢሉ፥ ክርስቶስ ብቓልን ብግብርን ዝሰርሖ ዘሎ እንተ ዘይኮይኑ፥ ብኻልእ ኽዛረብ ኣይደፍርን።

19ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስን፥ ብዘደንቕ ምልክትን ተኣምራትን፥ ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚረ ኽሳዕ እልዋሪቆን፥ ናይ ክርስቶስ ወንጌል ሰበኽኩ።

20ከምቲ ኣብ መፅሓፍ፥ “እቶም ብዛዕባኡ ዘይተነገሮም፥ ክሪኡ እዮም፤ እቶም ብዛዕባኡ ዘይሰምዑውን፥ ከስተውዕሉ እዮም” ዝብሎ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኻልእ ሰብ ዝመስረቶ ምእንቲ ኸይሃንፅ፥ ክርስቶስ ኣብ ዘይተፀውዐሉ ዅሉ ስፍራ፥ ወንጌል ክሰብኽ ብርቱዕ ድልየት ኣለኒ።

22ስለዙይ ከዓ እየ፥ ናባኻትኩም ካብ ምምፃእ፥ ብዙሕ ጊዜ ዝተኸልከልኩ።

23ሕዚ ግና ኣብዝ ሃገርዙይ ዝነበረኒ ስራሕ ወንጌል ስለ ዝወዳእኹ፥ ካብ ብዙሕ ዓመታት ሒዘውን፥ ናባኻትኩም ክመፅእ ድልየት ስለ ዝነበረኒ፥

24ንእስፔይን ክኸይድ እንተለኹ፥ ክሪአኩም በኣኻትኩም ክሓልፍ እየ፤ ንኣኻትኩም ሪአ ምስ ተሓጐስኩ፥ ናብኡ ክኸይድ እየ፤ ንስኻትኩም ድማ ብዘድሊ ኸም እተፋንዉኒ፥ ተስፋ እገብር ኣለኹ።

25ሕዚ ግና፥ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዘለዉ ቕዱሳን ምእንቲ ኸገልግል፥ እኸይድ ኣለኹ።

26እቶም ናይ መቄዶንያን ኣካይያን ቅዱሳን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ካብ ዘለዉ ቅዱሳን፥ ነቶም ድኻታት ገንዘብ ከዋፅኡሎም ፈትዮም ኣለዉሞ።

27ግቡኦም ስለ ዝኾነውን፥ ተሰማሚዖም እዮም። እቶም ኣህዛብ፥ ካብቲ መንፈሳዊ በረኸት ካብ ተኻፈሉ፥ ንሳቶም ድማ፥ በቲ ስጋዊ በረኸት ከገልግልዎም ግቡእ እዩ።

28እምበኣር ነዙይ ፈፂመ፥ ኣገልግሎተይ ምስ ወዳእኹ፥ ብኣኻትኩም ኣቢለ፥ ንእስፔይን ክኸይድ እየ።

29ናባኻትኩም ክመፅእ እንተለኹ ኸዓ፥ ብበረኸት ክርስቶስ መሊአ ኸም ዝመፅእ፥ እፈልጥ ኣለኹ።

30ኣሕዋተይ፥ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስን፥ ብፍቕሪ መንፈስ ቅዱስን፥ ምእንታይ ናብ እግዚኣብሄር፥ ብፀሎት ምሳይ ክትጋደሉ እልምነኩም ኣለኹ።

31እትፅልዩለይ ከዓ፥ ካብቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ዘይኣምኑ ምእንቲ ኽድሕንን፥ እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘወፍዮ ኣገልግሎተይ ድማ፥ በቶም ቅዱሳን ቅቡል ክኸውንን፥

32ብፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ብሓጐስ ናባኻትኩም መፂአ፥ ምሳኻትኩም ምእንቲ ኸዕርፍን እዩ።

33ኣምላኽ ሰላም፥ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን። ኣሜን።

ትርጓሜ

15:1-7

ክርስትያናዊት ናጽነት ንሓጎስና ዘይኮነስ፡ ንኽብሪ ኣምላኽን ንጥቕሚ ካልኦትን እያ ተፈቒዳ። ንብጻይና ንጥቕሚ ነፍሱ ከነሐጉስ ኣሎና፡ ነቲ እኩይ ፍቓዱ ብምግልጋልን ኣብ ሓጢኣታዊ መገዲ ብምፍቃድን/ብምምሕዳርን ዘይኮነስ። በዚ መገዲ ሰብ ከነሐጉስ እንተደሊና፡ ንሕና ባሮት ክርስቶስ ኣይኮናን። ብምሉኡ ህይወት ክርስቶስ ንርእሱ ዝነጸገ፡ ንርእሱ ዘየሐጎሰ ህይወት ነይሩ። እቲ ዝበዝሐ ዝሰጎመ ክርስትያን ድማ፡ ንክርስቶስ ዝበዝሐ ዝመስለ/ዝተሰማማዕ እዩ። ንጽህናኡን ቅድስናኡን እንተሓሲብና፡ ንኣና ሓጢኣትን መርገምን ካብ ምዃን ንላዕሊ፡ ከምኡውን ናይ ኣምላኽ ነቀፌታታት ኣብኡ ካብ ምውዳቕ ንላዕሊ፡ ካብኡ ዝተጋረጸ ነገር የልቦን፤ ጻድቕ ምእንቲ ሓጥኣን። ንሱ ንጓሂ ሓጢኣትን ንመርገሙን ጸዊሩ፤ ንሕና ግን ሓንቲ ንእሽቶ ጸገሙ ክንጸውር ጥራይ ኢና ተጸዊዕና። ንሱ ንዕብዳን ሓጢኣት ናይ እኩያት ጸዊሩ፤ ንሕና ግን ንድኻማት ናይ ድኹማት ክንጸውር ጥራይ ኢና ተጸዊዕና። ንሕናስ ትሑታት፡ ርእስና ንጹጋን፡ ንሓድሕድና ንምሕሳብ ድሉዋት ክንከውን ኣይግብኣናን ዶ፡ እምበኣር ንሓድሕድና ኣባላት ዘሎና?

ቅዱሳት ጽሑፋት ንጥቕምናን ረብሓናን እዮም ተጻሒፎም፡ ልክዕ ከምቶም ፈለማ ዝተዋህብዎም። እቶም ዝተማህሩ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝበዝሑ ብርቱዓት እዮም። እቲ ካብ ቃል ኣምላኽ ዝብገስ ምጽንናዕ፡ ዝተኣማምንን ዝጣዕምንን፡ ከምኡውን ንተስፋ ዝበለጸ መደገፊ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ከም መጸናንዒ፡ መብጽዓ ውርሻና እዩ። እዚ ሓደ-ሓሳብ ምዃን ብመሰረት ትእዛዝ ክርስቶስ፡ ብመሰረት ትርኢቱን ኣብነቱን ክኸውን ኣለዎ። ንሱ ውህበት ኣምላኽ እዩ፤ ክቡር ውህበት ድማ እዩ፡ በዚ ምኽንያት ብትግሃት ክንልምን ይግብኣና። ኣምላኻዊ መምህርና ንደቀ-መዛሙርቱ ይዕድም፡ ትሑት መንፈስ ኮይኑ ንርእሱ ብምርኣይ ድማ የባብዖም። እዚ ሓደ ባህሪ ንኣገባብ ባሮቱ ክፍሊጥ ይግብኦ፡ ብፍላይ ድማ ናይ እቶም ብርቱዓት ናብቶም ድኹማት። እቲ ኣብ ኩሉ ተግባራትና ዓቢ ዕላማ ክኸውን ዘለዎ፡ ኣምላኽ ክኸብር እዩ፤ ካብቲ ንሓድሕድ ፍቕሪን ሕያውነትን ናይቶም ንእምነት ዝምስክሩ ዝበለጸ ዝዕድግ የልቦን። እቶም ብክርስቶስ ዝሰማምዑ፡ ንሓድሕዶም ብሓይሊ ክሰማምዑ ይኽእሉ እዮም።

15:8-13 ክርስቶስ ነቶም ንኣይሁድ ዚምልከቱ ትንቢታትን ተስፋታትን ፈጸመ፣ እቶም ኣህዛብ ዝኾኑ ምእመናን ድማ ንኣኦም ንምንዓቕ መመኽነይታ የብሎምን ነይሩ። ኣህዛብ ናብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ኣተዉ፡ ብትዕግስትን መከራን ተኻፈልቲ እዮም። ንኣምላኽ ኪውድሱዎ ይግባእ። ንኹሎም ኣህዛብ ንእግዚኣብሔር ከም ዚውድሱ ምጽዋዕ፡ ፍልጠት ብዛዕባኡ ከም ዚረኽቡ የርኢ። ክሳብ ንክርስቶስ እንእመኖ፡ ፈጺምና ኣይንደልዮን።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6