ራእይ ዮሃንስ 5

BCV aksumትግርኛ14 ፍቕድታት3:21 ስማዕ
ስማዕ 3:21 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣብ የማን እቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ ድማ፥ ብውሽጡን ብደገኡን ዝተፅሓፈ፥ ብሸውዓተ ማሕተም ዝተሓትመ፥ ጥቕሉል መፅሓፍ ረአኹ።

2ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ድማ “ነዝ መፅሓፍ እዙይ ክቐልዖ፥ ንማሕተሙውን ክፈትሖ ዝበቅዕ መን ኣሎ?” እናበለ ዓው ኢሉ ኽዛረብ እንተሎ ረአኹ።

3ነቲ መፅሓፍ እቱይ፥ ክቐልዖን ወይ ከንብቦን ዝኽእል፥ ኣብ ሰማይ ኮነ ወይ ኣብ ምድሪ፥ ወይ ኣብ ትሕቲ ምድሪ፥ ሓደኳ ኣይነበረን።

4ኣነ ድማ፥ ነቲ መፅሓፍ ዝቐልዖ ወይ ዘንብቦ ብቑዕ፥ ሓደኳ ስለ ዘይተረኽበ፥ ብዙሕ በኸኹ።

5ሓደ ኻብቶም ኣሕሉቕ ድማ፥ “ኣይትብከ፤ እንሆ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ፥ ዘርኢ ዳዊት ዝኾነ ኣንበሳ፥ ነቲ መፅሓፍን ነቲ ሸውዓተ ማሕተማቱን ክኸፍቶ፥ ስዒሩ ኣሎ” በለኒ።

6ኣብ ማእኸል እቲ ዙፋንን፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን፥ ኣብ ማእኸል እቶም ኣሕሉቕን፥ ተሓሪዱ ኸም ዝነበረ ዝመስል በጊዕ፥ ደው ኢሉ ረአኹ። ንሱ፥ ሸውዓተ ኣቕርንትን ሸውዓተ ኣዒንትን ኣለዉዎ፤ ንሳቶም ከዓ፥ እቶም ናብ ኵላ ምድሪ ዝተልኣኹ፥ ሸውዓተ መናፍስቲ እግዚኣብሄር እዮም።(ሀ)

7ንሱ መፂኡ፥ ነቲ መፅሓፍ ካብ የማነይቲ ኢድ እቲ ኣብ ዙፋን ዝተቐመጠ ወሰዶ።

8ነቲ መፅሓፍ ምስ ወሰዶ ኸዓ፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን፥ እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ በጊዕ፥ ብግምባሮም ተደፊኦም ሰገዱ። ነፍሲ ወከፎም ከዓ፥ መሰንቆን፥ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቅን ሒዞም ነበሩ። እዙይ ድማ፥ ፀሎት እቶም ቅዱሳን እዩ።

9ከምዙይ እናበሉ ኸዓ፥ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ፦ “ንስኻ፥ ነቲ መፅሓፍ ክትወስዶ፥ ነቲ ማሕተማቱውን፥ ክትፈትሖ ይግብአካ እዩ። ተሓሪድካ ሞይትካ፥ ብደምካ ድማ፥ ካብ ኵሉ ዓሌታትን፥ ቋንቋታትን፥ ህዝብን፥ ኣህዛብን፥ ንእግዚኣብሄር ዝኾኑ ሰባት፥ ዓዲግካ ኢኻሞ፤

10ንኣምላኽና፥ መንግስትን ካህናትን ገበርካዮም፤ ንሳቶም ድማ፥ ኣብ ምድሪ ኽነግሱ እዮም።”

11ሽዑ ድማ ረአኹ፤ ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋንን፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን፥ እቶም ኣሕሉቕን ከዓ፥ ድምፂ ብዙሓት መላእኽቲ ሰማዕኹ፤ ቍፅሮም ድማ፥ ኣእላፍ ጊዜ ኣእላፍ፥ ኣሽሓት ጊዜውን ኣሽሓት እዩ።

12ዓው ብዝበለ ድምፂ ኸዓ፥ “ነቲ ዝተሓረደ በጊዕ፥ ስልጣን፥ ሃብቲ፥ ጥበብ፥ ሓይሊ፥ ክብሪ፥ ግርማ፥ ውዳሴ፥ ይግብኦ እዩ” በሉ።

13እቶም ኣብ ሰማይን፥ ኣብ ምድርን፥ ኣብ ትሕቲ ምድርን፥ ኣብ ባሕርን፥ ኣብኣቶም ዘለዉ ዅሎም ፍጡራን ድማ፦ “ውዳሴን፥ ክብርን፥ ግርማን፥ ስልጣንን፥ ነቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎን፥ ነቲ በጊዕን ይኹን” እንትብሉ ሰማዕኹ።

14እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸዓ፥ “ኣሜን” በሉ። እቶም ኣሕሉቕውን፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።

ትርጓሜ

5:1-7 ሃዋርያ ኣብ ኢድ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዝነበረ፣ በቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ልሙድ ዝነበረ ቅርጺ እተሰርሐን ብሸውዓተ ማሕተም እተዓሸገን መጽሓፍ ወረቐት ረኣየ። እዚ ኸኣ ስውር ዕላማታት ኣምላኽ ኪግለጽ ከም ዝግብኦ ኣመልከተ። ዕላማታትን ኣገባብን መለኮታዊ ምድላው፣ ናብ ቤተ ክርስቲያንን ዓለምን፣ ተነጊሮም፣ ተሰሪዖም፣ ከም ጽሑፍ ድማ ተሰኒዶም እዮም ዘለዉ። ምኽራት ኣምላኽ ካብ ዓይኒን ምስትውዓልን ፍጥረት ብፍጹም ስውራት እዮም። እቶም ዝተፈላለዩ ክፍሊታት ብሓንሳእ ኣይተፈትሑን ኣይተኸፈቱን፣ ግናኸ ሓደ ድሕሪ ሓደ እዮም፣ ክሳብ ኩሉ ምስጢር ምኽርን ኣሰራርሓን ኣምላኽ ኣብ ዓለም ዝፍጸም። ፍጥረታት ኪኸፍትዎን ኬንብብዎን ኣይክእሉን እዮም፤ እግዚኣብሔር ጥራይ እዩ ኸምኡ ኪገብር ዝኽእል:: እቶም ንኣምላኽ ዝበዝሐ ዝርእዩ፣ ዝበዝሐ ኺርእዩ እዮም ዝደልዩ፤ እቶም ንኽብሩ ዝረኣዩ ኸኣ ፍቓዱ ኺፈልጡ ይደልዩ። እኳ ደኣ ጽቡቑ ሰብ እውን ንምስጢራት መለኮታዊ ኣሰራርሓ ንምምርማር ኣዝዩ ፈጣጥን ሃጣጢን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ትምኒታት ብቕልጡፍ እንተ ዘይተመለሱ ናብ ጓሂን ሓዘንን ይቕይየሩ። ዮሃንስ ንመጽሓፍ ውሳነታት ኣምላኽ ኪምርምር ስለ ዘይከኣለ ኣዝዩ ብዙሕ እንተ በኸየ፣ ብዙሓት ግና ንዘይፍልጠቶም ወንጌል ክርስቶስ! ናይቲ ዘለኣለማዊ ምድሓን ዝምርኮሰሉ! ንምንታይ ብንብዓት ኪመሓለሉ ምኽንያት ኣለዎም! ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብዛዕባና ዘሎ ናይ መጻኢ ፍጻሜታት ርኢና ኸይንፈልጥ ንብከይ ኣየድልየናን እዩ፤ እቲ ናይ መጻኢ ተስፋታት ብሃር ዘለዎ ትጽቢት፣ ወይ እቲ ናይ መጻኢ መከራታት ምቅድሚኡ ምርኣ…

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6