1ድሕሪዙይ፥ እንሆ ኣብ ሰማይ፥ ክፉት ኣፍ ደገ ረአኹ። እቲ ኸም መለኸት ዝጥዕም፥ ቅድም ክዛረበኒ እንተሎ ዝሰማዕኽዎ ድምፂ ድማ፥ “ነቲ ብድሕሪ ሕዚ ክኸውን ዘለዎ ነገር ከርእየካስ፥ ነዓ ናብዙይ ደይብ” በለኒ።
2ሽዑ ንሽዑ ኸዓ፥ ብመንፈስ ተመሰጥኩ፤ እንሆ ድማ ኣብ ሰማይ ዙፋን ተዘርጊሑ፥ ኣብቲ ዙፋንውን ሓደ ተቐሚጡ ነበረ።
3እቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዝነበረ ኸዓ፥ ትርኢቱ ኽቡር እምኒ ኢያሰጲድን፥ ሰርዲኖንን ይመስል ነበረ። ነቲ ዙፋን ድማ፥ መረግድ ዝመስል ቀስተ ደመና ኸቢብዎ ነበረ።
4ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋን ከዓ፥ ዕስራን ኣርባዕተን ዙፋናት ረአኹ። ኣብተን ዙፋናትውን፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸደኑ፥ ኣብ ኣራእሶም ኣኽሊል ወርቂ ዝደፍኡ፥ ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕ፥(ሀ) ተቐሚጦም ረአኹ።
5ካብቲ ዙፋን ከዓ፥ መብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ወፀ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋንውን፥ ሸውዓተ ናይ ሓዊ መብራህትታት ይበርሁ ነበሩ። ንሳቶም ሸውዓተ መናፍስቲ እግዚኣብሄር እዮም።(ለ)
6ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን ድማ፥ ዘንፀባርቕ መስትያት ዝመስል ባሕሪ ኣሎ። ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋን፥ በብመኣዝኑ፥ ብቕድሚቶምን ብድሕሪቶምን ኣዒንቲ ዝመልኦም፥ ኣርባዕተ እንስሳ ነበሩ።
7እቲ ቐዳማይ እንስሳ፥ ኣንበሳ ይመስል፤ እቲ ኻልኣይ እንስሳ፥ ብዕራይ ይመስል፤ እቲ ሳልሳይ እንስሳ ኸዓ፥ ናይ ሰብ ዝመስል ገፅ ኣለዎ፤ እቲ ራብዓይ እንስሳ ድማ፥ ዝነፍር ንስሪ ይመስል።
8እቶም ኣርባዕተ እንስሳ፥ ነፍሲ ወከፎም፥ ሸሽዱሽተ ኣኽናፍ ኣለዎም። ብዙርያኣቶምን ብውሽጣቶምን፥ ኣዒንቲ ዝመልኦም እዮም፤ ለይትን መዓልትን ድማ “ቅዱስ፥ ቅዱስ፥ ቅዱስ፥ ኵሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ዝነበረን ዘሎን ዝመፅእን” ካብ ምባል፥ ኣየቋርፁን ነበሩ።
9እቶም እንስሳ፥ ነቲ ኣብ ዙፋን ዝተቐመጠ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኮይኑ ንዝነብር፥ ክብርን ሞገስን ምስጋናን ክህብዎ እንተለዉ፥
10እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዙፋን ዝተቐመጠ፥ ነቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኮይኑ ዝነብር፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ። ኣኽሊላቶም፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን ኣንቢሮም ከዓ፦
11“ኦ ጐይታናን ኣምላኽናን፥ ንስኻ፥ ክብርን ምስጋናን ስልጣንን ክትቅበል ይግበአካ እዩ። ንዅሉ ንስኻ ፈጠርካዮ፤ ፍቓድካ ስለ ዝኾነ ድማ፥ ተፈጢሩን ህላዌ ረኺቡን ኣሎሞ” በሉ።