ራእይ ዮሃንስ 15

BCVትግርኛ8 ፍቕድታት2:37 ስማዕ
ስማዕ 2:37 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ሽዑ ኻልእ ዓቢይን ዘገርም ምልክትን፥ ኣብ ሰማይ ረአኹ፤ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ብኣኣቶም ስለ ዝፍፀም፥ ነቶም ዳሕረዎት ሸውዓተ መቕሰፍትታት ዝሓዙ፥ ሸውዓተ መላእኽቲ ተርኣዩ።

2ድሕሪዙይ ብርለ ዝመስል ባሕሪ ረአኹ፤ ንሱውን ምስ ሓዊ ዝተሓዋወሰ እዩ። እቶም፥ ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን፥ ነቲ መፀውዒኡ ዝኾነ ቝፅርን ዝሰዓሩ፥ ናይ እግዚኣብሄር በገናታት ሒዞም፥ ኣብ ጥቓ እቲ ባሕሪ መስትያት፥ ደው ኢሎም ረአኹ።

3መዝሙር እቲ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ዝኾነ ሙሴን፥ መዝሙር እቲ በጊዕን፥ ከምዙይ እናበሉ ይዝምሩ ነበሩ፦ “ኦ፥ ንዅሉ እትገዝእ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ስራሕኻ ዓቢይን ግሩምን እዩ። ኦ፥ ንጉስ ኣህዛብ፥ መንገድኻ ፅድቅን ሓቅን እዩ።

4ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቕዱስ እሞ፥ ኦ፥ እግዚኣብሄር፥ ዘይፈርሐካን፥ ንስምካ ዘየኽብርን፥ መን ኣሎ? እቲ ቕኑዕ ፍርድኻ፥ ተግሂዱ እዩ እሞ፥ ኵሎም ኣህዛብ ክመፁ፥ ኣብ ቅድሜኻውን ክሰግዱ እዮም።”

5ድሕሪዙይ ድማ ረአኹ፥ እንሆ እታ ድንኳን ምስክር ዝኾነት ቤተ መቕደስ፥ ኣብ ሰማይ ተኸፍተት።

6እቶም ሸውዓተ መቕሰፍትታት ዝሓዙ፥ ሸውዓተ መላእኽቲ፥ ካብ ቤተ መቕደስ ወፁ። ንሳቶም ካብ ሃሪ ዝተሰርሐ፥ ዘንፀባርቕ ፅሩይ ክዳን ተኸዲኖም፥ ኣብ ኣፍ ልቦምውን፥ ቅናውቲ ወርቂ ተቐኒቶም ነበሩ።

7ሓደ ኻብቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸዓ፥ ካብ ቍጥዓ እቲ ንዘለኣለመ ኣለም ዝነብር እግዚኣብሄር ዝተመልአ፥ ሸውዓተ ፅዋዕ ወርቂ፥ ነቶም ሸውዓተ መላእኽቲ ሃቦም።

8እታ መቕደስ ድማ፥ ካብቲ ናይ እግዚኣብሄር ግርማን ሓይልን ዝተልዓለ፥ ብትኪ መልአት። ናይቶም ሸውዓተ መላእኽቲ፥ ሸውዓቲአን መቕሰፍትታት ክሳዕ ዝውድኣ ኸዓ፥ ሓደኳ ናብ መቕደስ ክኣቱ ኣይከኣለን።

ትርጓሜ

15:1-4

ሸውዓተ መላእኽቲ ኣብ ሰማይ ተራእዩ፡ ጥፍኣት ፀረ-ክርስቶስ ንምፍጻም ተዳሊዮም ነበሩ። መጠን ሓጢኣት ባቢሎን ምስ ተማልአ፡ ምሉእ መጠን መዓት ኣምላኽ ረኸበ። ኣመንቲ ኣብዛ ዓለም፡ ኣብ ግዜ ሽግር፡ ከም ኣብ ባሕሪ መርኣያ ብሓዊ ዝተሓወሰ ደው ክብሉ እንከለዉ፡ ናብ ናይ መወዳእታ ምድሓኖም ክትምብሱ ይኽእሉ እዮም፡ ሓድሽ ምሕረት ከኣ ሓድሽ መዝሙር ምስጋና የስዕብ። ስለምንታይ ግሩም ግብራት ኣምላኽ ዝበዝሐ ክንፈልጥ እንከለና፡ ዝበዝሐ ድማ ንዕቤትኡ ኸም እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኩሉ ዝኽእል፡ ፈጣሪን ገዛእን ኩሎም ዓለማት ክንውድስ ኢና። ግናኸ ስሙ እማኑኤል፡ ንጉስ ቅዱሳን፡ ንዓና ክቡር ኪገብሮ እዩ። ሓይሊ መዓት ኣምላኽ፡ ዋጋ ሞገሱ፡ ወይ ክብርቲ ቅድስናኡ ዝሓስብ፡ ንበይኑ ንምፍራህን ንምኽባርን እንታይ ይእብየሉ? ምስጋናኡ ኣብ ላዕሊ ሰማይን ምድርን እዩ።

ራእይ 15:5-8። እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ፀረ-ክርስቶስን ሰዓብቱን ዜውርዶ ፍርድታት፡ ትንቢታትን መብፅዓታትን ቃሉ ይፍፅም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 5