ራእይ ዮሃንስ 14

BCV aksumትግርኛ20 ፍቕድታት4:38 ስማዕ
ስማዕ 4:38 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ብድሕሪዙይ እቲ በጊዕ፥ ኣብ እምባ ፅዮን ደው ኢሉ፥ ስሙን ስም ኣቦኡን፥(ሀ) ኣብ ግምባሮም ዝተፅሓፎም፥ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ኸዓ፥ ምስኡ ረአኹ።

2ከም ድምፂ ብዙሕ ማያትን፥ ከም ድምፂ ብርቱዕ ነጐድጓድን ዝበለ፥ ካብ ሰማይ ድምፂ ሰማዕኹ። ከምቲ ሰባት በገናኦም ክፃወቱ እንተለዉ፥ ዝስማዕ ድምፂ ድማ ሰማዕኹ።

3ንሳቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋንን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣሕሉቕን፥ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ። ነዝ መዝሙር እዙይውን፥ ብዘይ እቶም ካብ ምድሪ ዝተቤዘዎም፥ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ፥ ሓደኳ ኽመሃሮ ኣይከኣለን።(ለ)

4እዚኣቶም፥ ምስ ኣንስትውን ዘይረኸሱ ደናግል እዮም። ንሳቶም ነቲ በጊዕ ናብ ኵሉ ዝኸዶ ይኽተልዎ። ንሳቶም፥ ንኣምላኽን ነቲ በጊዕን በዅራት ምእንቲ ክኾኑ፥ ካብ ደቂ ኣዳም ዝተቤዘዎም እዮም።

5ኣብ ኣፎም ሓሰት ኣይተረኽበን፤ ነውሪ እውን የብሎምን።

6ድሕሪዙይ ካልእ መልኣኽ፥ ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን፥ ክዝምቢ እንተሎ ረአኹ። ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩን፥ ንዅሎም ኣህዛብን፥ ነገዳትን፥ ቋንቋታትን፥ ህዝብታትን፥ ክሰብከሎም ድማ፥ ናይ ዘለኣለም ወንጌል ሒዙ ነበረ።

7ብብርቱዕ ድምፂ ኸዓ፥ “እታ ዝፈርደላ ጊዜ በፂሓ እያ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ፍርሕዎ፤ ክብሪ እውን ሃብዎ፤ ነቲ፥ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝፈጠረ፥ ስገዱሉ” በለ።

8ሓደ ኻልኣይ መልኣኽ ድማ፥ “እታ ኻብቲ ዘስክር ወይኒ ምንዝርናኣ፥ ንዅሎም ኣህዛብ ከም ዝሰትዩ ዝገበረቶም፥ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ! ወዲቓ!” እናበለ ተኸተሎ።

9ካልእ ሳልሳይ መልኣኽ ድማ፥ ብብርቱዕ ድምፂ ኸምዙይ እናበለ ሰዓቦም፦ “እቲ ነዝ ኣራዊት እዙይን ንምስሉን ዝሰገደ፥ ኣብ ግምባሩ ወይ ኣብ ኢዱ ማሕተሙ ዝተቐበለ፥

10ኻብቲ ዝኾነ እንተይተሓወሶ፥ ካብ ፅዋዕ ቝጥዓኡ ዝተቐድሐ፥ ናይ እግዚኣብሄር ወይኒ መዓት፥ ክሰቲ እዩ። ኵሎም እቶም ከምዙይ ዝገበሩ፥ ኣብ ቅድሚ ቕዱሳን መላእኽትን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ በጊዕን፥ ብሓዊን ብዲንን ክሳቐዩ እዮም።

11ትኪ ናይቲ ዘሳቕዮም ሓዊ፥ ንዘለኣለመ ኣለም፥ ንላዕሊ ኣቢሉ ይወፅእ። እቶም ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ዝሰገዱ፥ እቶም ማሕተም ስሙ ዝተቐበሉ፥ ለይትን መዓልትን፥ ዕረፍቲ የብሎምን።”

12እቶም ንትእዛዛት ኣምላኽን፥ ንእምነት ኢየሱስን ዝሕልዉ ቕዱሳን ከዓ፥ ትዕግስቶም ኣብዙይ እዩ ዝረአ።

13ካብ ሰማይ ከዓ፥ “እቶም ካብ ሕዚ ንደሓር፥ ብጐይታ ኢየሱስ ኣሚኖም ዝሞቱ፥ ብፁኣን እዮም፤ ኢልካ ፀሓፍ” ዝብለኒ ድምፂ ሰማዕኹ። መንፈስ ቅዱስ ከዓ “እወ፥ ግብሮም ክስዕቦም እዩ እሞ፥ ካብ ፃዕሮም ክዓርፉ እዮም”(ሐ) በለ።

14ረአኹ ድማ፥ እንሆ ፃዕዳ ደመና፥ ኣብቲ ደመና ኸዓ፥ ወዲ ሰብ ዝመስል ተቐሚጡ ነበረ። ንሱ፥ ኣብ ርእሱ ኣኽሊል ወርቂ ደፊኡ፥ ኣብ ኢዱውን፥ በሊሕ ማዕፂድ ሒዙ ነበረ።

15ካልእ መልኣኽ ድማ፥ ካብ መቕደስ እግዚኣብሄር ወፂኡ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደመና ተቐሚጡ ዘሎ፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ “ጊዜ ዓፂድ ቀሪቡ፥ ፍረ ምድሪ እውን በፂሑ እዩ እሞ፥ ማዕፂድካ ስደድ፤ ዕፀድውን” በሎ።

16እቲ ኣብ ደመና ዝተቐመጠ ኸዓ፥ ማዕፂዱ ናብ ምድሪ ሰደደ፤ ምድሪ እውን ተዓፀደት።

17ካልእ መልኣኽ ድማ፥ ካብታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ ወፀ፤ ንሱውን፥ በሊሕ ማዕፂድ ሒዙ ነበረ።

18ካብቲ መሰውኢ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ስልጣን ዘለዎ፥ ሓደ ኻልእ መልኣኽ ወፀ። ነቲ በሊሕ ማዕፂድ ዝሓዘ መልኣኽ ከዓ፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ፥ “እቲ ዘለላ ወይኒ፥ በሲሉ እዩ እሞ፥ ነቲ በሊሕ ማዕፂድካ ሰዲድካ፥ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘለላ ወይኒ ቘሪፅካ ኣክቦ” በሎ።

19እቲ መልኣኽ ከዓ፥ ማዕፂዱ ናብ ምድሪ ሰዲዱ፥ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ወይኒ ኣከቦሞ፥ ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር፥ ዓብዪ መፅመቝ ቝጥዓ ደርበዮ።

20እቲ ወይኒ ድማ፥ ኣብቲ ወፃኢ ኸተማ ኣብ ዘሎ መፅመቝ ተረገፀ፤ እቲ ደም ክሳዕ ልጓም ፈረስ ዝበፅሕ፥ ካብቲ መፅመቝ ወፂኡ፥ ክሳዕ ሰለስተ ሚእቲ ኺሎ ሜትር(መ) ድማ ወሓዘ።

ትርጓሜ

14:1-5 ደብረ ጽዮን ናይ ወንጌል ቤተ ክርስትያን እያ። ክርስቶስ ምስ ቤተ ክርስትያኑ እዩ፣ ኣብ ኩሉ ሽግራትኣ ድማ ኣብ ማእከላ ኣሎ፣ ስለዚ ኣይትጠፍእን እያ። ምህላዉ ጽንዓት የውሕስ። ህዝቡ ብኽብሪ ይረኣዩ። ስም ኣምላኽ ኣብ ግምባሮም ተጻሒፉ ኣሎ፤ ኣብ ኣምላኽን ኣብ ክርስቶስን ዘለዎም እምነት ብትብዓትን ብግልጽን ይእመኑ፣ እዚ ድማ ብቕኑዕ ግብሪ ይስዕብ። ኣብ ዝጸልመተሉ ግዜታት እውን ገለ ሰባት ነበሩ፣ ንመምለኽን ንሓቂ ወንጌል ክርስቶስን ህይወቶም ዝኸፈሉ። ንርእሶም ካብቲ ፍሕሕታትን ርኽሰታትን ሰዓብቲ ፀረ-ክርስቶስ ሓልዮም ኣንጺሖም። ልቦም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ ነበረ፤ ብክርስቶስ ድማ ብነጻ ተሓዲጎም፣ ንሱ ኣባታቶም ይኸብር፣ ንሳቶም ድማ ኣብኡ። ኣብዛ ኸበርቲ ጉጅለ ክንርከብ፣ ጸሎትና፣ ጽዒትና፣ ትምኒትና ይኹን። እዚ ኣብዚ ንሓቀኛታት እቶም ብሓቂ ዝተቐደሱን ዝተመስገቱን እዩ ዝምልከት፣ ከመይሲ ዝኾነ ግብዝ፣ ክሳዕ ክንደይ እኳ ልክዕ እንተመሰለ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ገበን-ኣልቦ ክኸውን ኣይከኣልን እዩ።

14:6-13 ምዕባለ ናይ ምምሕያሽ ቤተ-ክርስትያን (Reformation) ኣብዚ ተገሊጹ ከም ዝርአ ይገልጽ። እቶም ኣርባዕተ ኣዋጃት ብትርጉሞም ንጹሃት እዮም፣ ኩሎም ክርስትያናት ኣብ ግዜ ፈተና ንጐይታኦም እሙናት ክኾኑ ምእንቲ ኸኣ የተባብዑ። ወንጌል ሰባት ንኣምላኽ ክፈርሑን ንእኡ ኸኣ ክብሪ ክህቡን ዝገብር ዓብዪ መገዲ እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG አየሁም፥ እነሆም፥ በጉ በጽዮን ተራራ ቆሞ ነበር፥ ከእርሱም ጋር ስሙና የአባቱ ስም በግምባራቸው የተጻፈላቸው መቶ አርባ አራት ሺህ ነበሩ። አማርኛ ENGNIV Then I looked, and there before me was the Lamb, standing on Mount Zion, and with him 144,000 who had his name and his … English BCV ብድሕሪዙይ እቲ በጊዕ፥ ኣብ እምባ ፅዮን ደው ኢሉ፥ ስሙን ስም ኣቦኡን፥(ሀ) ኣብ ግምባሮም ዝተፅሓፎም፥ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ኸዓ፥ ምስኡ ረአኹ። ትግርኛ GAZBIB Ergasiis ani ilaalee, hoolicha tulluu Xiyoon irra dhaabate nan arge; namoonni kumaatamni dhibbaa fi kumni afurtamii arf… Afaan Oromoo BCV GIZ ወእምዝ ቆመ ዝክቱ በግዕ ላዕለ ደብረ ጽዮን ወምስሌሁ ዐሠርቱ ወአርባዕቱ እልፍ ወአርብዓ ምእት እለ ጽሑፍ ውስተ ፍጽሞሙ ስሙ ወስመ አቡሁ ወስመ ቅዱስ መንፈሱ። giz GAZGAZ Ergasiis ani ilaalee, hoolicha tulluu Xiyoon irra dhaabate nan arge; namoonni kumaatamni dhibbaa fi kumni afurtamii arf… Afaan Oromoo AMHNIV ከዚህ በኋላ አየሁ፤ እነሆ፤ በጉ በጽዮን ተራራ ላይ ቆሞ ነበር፤ ከእርሱም ጋር የእርሱ ስምና የአባቱ ስም በግምባራቸው ላይ የተጻፈባቸው መቶ አርባ አራቱ ሺህ ሰዎች ነበሩ። አማርኛ SWAHSUV Kisha nikaona, na tazama, huyo MwanaKondoo amesimama juu ya mlima Sayuni, na watu mia na arobaini na nne elfu pamoja na… Kiswahili