1ብድሕሪዙይ እቲ በጊዕ፥ ኣብ እምባ ፅዮን ደው ኢሉ፥ ስሙን ስም ኣቦኡን፥(ሀ) ኣብ ግምባሮም ዝተፅሓፎም፥ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ኸዓ፥ ምስኡ ረአኹ።
2ከም ድምፂ ብዙሕ ማያትን፥ ከም ድምፂ ብርቱዕ ነጐድጓድን ዝበለ፥ ካብ ሰማይ ድምፂ ሰማዕኹ። ከምቲ ሰባት በገናኦም ክፃወቱ እንተለዉ፥ ዝስማዕ ድምፂ ድማ ሰማዕኹ።
3ንሳቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋንን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣሕሉቕን፥ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ። ነዝ መዝሙር እዙይውን፥ ብዘይ እቶም ካብ ምድሪ ዝተቤዘዎም፥ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ፥ ሓደኳ ኽመሃሮ ኣይከኣለን።(ለ)
4እዚኣቶም፥ ምስ ኣንስትውን ዘይረኸሱ ደናግል እዮም። ንሳቶም ነቲ በጊዕ ናብ ኵሉ ዝኸዶ ይኽተልዎ። ንሳቶም፥ ንኣምላኽን ነቲ በጊዕን በዅራት ምእንቲ ክኾኑ፥ ካብ ደቂ ኣዳም ዝተቤዘዎም እዮም።
5ኣብ ኣፎም ሓሰት ኣይተረኽበን፤ ነውሪ እውን የብሎምን።
6ድሕሪዙይ ካልእ መልኣኽ፥ ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን፥ ክዝምቢ እንተሎ ረአኹ። ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩን፥ ንዅሎም ኣህዛብን፥ ነገዳትን፥ ቋንቋታትን፥ ህዝብታትን፥ ክሰብከሎም ድማ፥ ናይ ዘለኣለም ወንጌል ሒዙ ነበረ።
7ብብርቱዕ ድምፂ ኸዓ፥ “እታ ዝፈርደላ ጊዜ በፂሓ እያ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ፍርሕዎ፤ ክብሪ እውን ሃብዎ፤ ነቲ፥ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝፈጠረ፥ ስገዱሉ” በለ።
8ሓደ ኻልኣይ መልኣኽ ድማ፥ “እታ ኻብቲ ዘስክር ወይኒ ምንዝርናኣ፥ ንዅሎም ኣህዛብ ከም ዝሰትዩ ዝገበረቶም፥ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ! ወዲቓ!” እናበለ ተኸተሎ።
9ካልእ ሳልሳይ መልኣኽ ድማ፥ ብብርቱዕ ድምፂ ኸምዙይ እናበለ ሰዓቦም፦ “እቲ ነዝ ኣራዊት እዙይን ንምስሉን ዝሰገደ፥ ኣብ ግምባሩ ወይ ኣብ ኢዱ ማሕተሙ ዝተቐበለ፥
10ኻብቲ ዝኾነ እንተይተሓወሶ፥ ካብ ፅዋዕ ቝጥዓኡ ዝተቐድሐ፥ ናይ እግዚኣብሄር ወይኒ መዓት፥ ክሰቲ እዩ። ኵሎም እቶም ከምዙይ ዝገበሩ፥ ኣብ ቅድሚ ቕዱሳን መላእኽትን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ በጊዕን፥ ብሓዊን ብዲንን ክሳቐዩ እዮም።
11ትኪ ናይቲ ዘሳቕዮም ሓዊ፥ ንዘለኣለመ ኣለም፥ ንላዕሊ ኣቢሉ ይወፅእ። እቶም ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ዝሰገዱ፥ እቶም ማሕተም ስሙ ዝተቐበሉ፥ ለይትን መዓልትን፥ ዕረፍቲ የብሎምን።”
12እቶም ንትእዛዛት ኣምላኽን፥ ንእምነት ኢየሱስን ዝሕልዉ ቕዱሳን ከዓ፥ ትዕግስቶም ኣብዙይ እዩ ዝረአ።
13ካብ ሰማይ ከዓ፥ “እቶም ካብ ሕዚ ንደሓር፥ ብጐይታ ኢየሱስ ኣሚኖም ዝሞቱ፥ ብፁኣን እዮም፤ ኢልካ ፀሓፍ” ዝብለኒ ድምፂ ሰማዕኹ። መንፈስ ቅዱስ ከዓ “እወ፥ ግብሮም ክስዕቦም እዩ እሞ፥ ካብ ፃዕሮም ክዓርፉ እዮም”(ሐ) በለ።
14ረአኹ ድማ፥ እንሆ ፃዕዳ ደመና፥ ኣብቲ ደመና ኸዓ፥ ወዲ ሰብ ዝመስል ተቐሚጡ ነበረ። ንሱ፥ ኣብ ርእሱ ኣኽሊል ወርቂ ደፊኡ፥ ኣብ ኢዱውን፥ በሊሕ ማዕፂድ ሒዙ ነበረ።
15ካልእ መልኣኽ ድማ፥ ካብ መቕደስ እግዚኣብሄር ወፂኡ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደመና ተቐሚጡ ዘሎ፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ “ጊዜ ዓፂድ ቀሪቡ፥ ፍረ ምድሪ እውን በፂሑ እዩ እሞ፥ ማዕፂድካ ስደድ፤ ዕፀድውን” በሎ።
16እቲ ኣብ ደመና ዝተቐመጠ ኸዓ፥ ማዕፂዱ ናብ ምድሪ ሰደደ፤ ምድሪ እውን ተዓፀደት።
17ካልእ መልኣኽ ድማ፥ ካብታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ ወፀ፤ ንሱውን፥ በሊሕ ማዕፂድ ሒዙ ነበረ።
18ካብቲ መሰውኢ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ስልጣን ዘለዎ፥ ሓደ ኻልእ መልኣኽ ወፀ። ነቲ በሊሕ ማዕፂድ ዝሓዘ መልኣኽ ከዓ፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ፥ “እቲ ዘለላ ወይኒ፥ በሲሉ እዩ እሞ፥ ነቲ በሊሕ ማዕፂድካ ሰዲድካ፥ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘለላ ወይኒ ቘሪፅካ ኣክቦ” በሎ።
19እቲ መልኣኽ ከዓ፥ ማዕፂዱ ናብ ምድሪ ሰዲዱ፥ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ወይኒ ኣከቦሞ፥ ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር፥ ዓብዪ መፅመቝ ቝጥዓ ደርበዮ።
20እቲ ወይኒ ድማ፥ ኣብቲ ወፃኢ ኸተማ ኣብ ዘሎ መፅመቝ ተረገፀ፤ እቲ ደም ክሳዕ ልጓም ፈረስ ዝበፅሕ፥ ካብቲ መፅመቝ ወፂኡ፥ ክሳዕ ሰለስተ ሚእቲ ኺሎ ሜትር(መ) ድማ ወሓዘ።