1እቲ ገበል ድማ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ወሰን ባሕሪ ዘሎ ሑፃ ደው በለ። ሓደ ኣራዊት፥ ካብ ባሕሪ ኽወፅእ እንተሎ ረአኹ። ንሱ ዓሰርተ ኣቕርንትን ሸውዓተ ኣራእስን ነበሮ። ኣብ ኣቕርንቱ ዓሰርተ ዘውዲ፥ ኣብ ኣራእሱውን ስማት ፀርፊ ነበሮ።
2እቲ ዝረአኽዎ ኣራዊት ከዓ፥ ነብሪ ይመስል ነበረ። ኣእጋሩ ከም ኣእጋር ድቢ፥ ኣፉ ኸም ኣፍ ኣንበሳ ይመስል ነበረ። እቲ ገበል ድማ፥ ሓይሉን ዙፋኑን ዓብዪ ስልጣኑን ሃቦ።
3ሓደ ኻብቶም ኣራእሱውን፥ ንሞት ከም ዝተሓረደ ኾይኑ ረአኽዎ፤ እቲ ናብ ሞት ዘብፅሕ ቍስሉ ግና ሓወየ። ምድሪ ብምልእታ ድማ፥ ተገሪማ ደድሕሪ እቲ ኣራዊት ሰዓበት።
4ንሳቶም ከዓ፥ ነቲ ኣራዊት ስልጣን ስለ ዝሃቦ፥ ነቲ ገበል ሰገዱሉ። ነቲ ኣራዊትውን፥ “ነዝ ኣራዊት እዙይ፥ መን ይመስሎ? መንከ ኽዋግኦ ይኽእል?” እናበሉ ሰገዱሉ።
5ዓበይቲ ነገራትን፥ ዝፀርፍ ቃላትን፥ ዝዛረብ ኣፍ ተውሃቦ። ነርብዓን ክልተን ኣዋርሕ፥ ግብሩ ኽገብርውን ስልጣን ተውሃቦ።
6ንእግዚኣብሄር ክፀርፍ፥ ንስሙን ንማሕደሩን፥ ነቶም ኣብ ሰማይ ዝነብሩውን፥ ክፀርፎም ኣፉ ኸፈተ።
7ነቶም ቅዱሳን፥ ክዋግኦምን ክስዕሮምን ተውሃቦ። ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ነገዳትን፥ ህዝብን፥ ቋንቋታትን፥ ኣህዛብን ድማ፥ ስልጣን ተውሃቦ።
8እቶም ካብ ምፍጣር ዓለም ጀሚሩ፥ ስሞም ኣብቲ ናይቲ ዝተሓርደ በጊዕ መፅሓፍ ህይወት ዘይተፅሓፈ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዅላቶም፥ ክሰግዱሉ እዮም።
9“ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ፤
10‘እቲ ኽማረኽ ዘለዎ፥ ተማሪኹ ክኸይድ እዩ፤ እቲ ብሰይፊ ኽቕተል ዘለዎ፥ ብሰይፊ ኽቕተል እዩ።’ እቲ ናይቶም ቅዱሳን ትዕግስትን እምነትን ዝረአ ኸዓ፥ ኣብዙይ እዩ።”(ሀ)
11ካልእ ኣራዊትውን፥ ካብ ምድሪ ኽወፅእ እንተሎ ረአኹ። ከም ናይ በጊዕ ዝመስል፥ ክልተ ቐርኒ ድማ ነበሮ። ከም ገበልውን ይዛረብ ነበረ።
12ብስልጣን እቲ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ኣብ ቅድሚኡ ዅሉ ይሰርሕ። ምድርን እቶም ኣብኣ ዝነብሩን ከዓ፥ ነቲ ናብ ሞት እተብፅሕ ቍስሉ ዝሓወየትሉ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ከም ዝሰግዱሉ ገበረ።
13እቲ ኻልኣይ ኣራዊት፥ ኣብ ቅድሚ ሰብ፥ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ፥ ሓዊ ኽሳዕ ዘውርድ፥ ዓበይቲ ምልክታት ገበረ።
14ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩውን፥ “ነቲ ብሰይፊ ተወቒዑ፥ ዝቘሰለ እሞ ዝሓወየ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ምስሊ ግበሩሉ” እናበለ፥ በቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ክገብሮ ዝተውሃቦ ምልክታት፥ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ የስሕቶም ነበረ።
15ምስሊ እቲ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ምእንቲ ኽዛረብን፥ ነቶም ንምስሊ እቲ ኣራዊት ዘይሰገዱ ዅላቶም፥ ምእንቲ ኸቕትሎምን ከዓ፥ እቲ ኻልኣይ ኣራዊት፥ ንምስሊ እቲ ቐዳማይ ኣራዊት፥ እስትንፋስ ክህቦ ተፈቕደሉ።
16እቲ ኻልኣይ ኣራዊት፥ ኵላቶም እቶም ኣናእሽቱን ዓበይትን፥ ሃብታማትን ድኻታትን፥ ጐይቶትን ኣገልገልትን፥ ኣብ የማናይ ኢዶም ወይ ኣብ ግምባሮም፥ ማሕተም ከም ዝግበረሎም ገበረ።
17ናይቲ ኣራዊት፥ ስም ማሕተም ወይ ናይ ስሙ ቝፅሪ ዘይብሉ፥ ሓደኳ ኽዕድግን ክሸይጥን፥ ከም ዘይኽእል ይገብር ነበረ።
18እምበኣርከስ፥ ጥበብ ኣብዙይ እዩ ዘሎ፤ ቍፅሪ እቲ ኣራዊት ቍፅሪ ሰብ እዩ እሞ፥ ኣእምሮ ዘለዎ ይፀብፅቦ። እቲ ቝፅሩ ኸዓ፥ ሽዱሽተ ሚእትን ስሳን ሽዱሽተን እዩ።