1መሰረታታ ኣብ ዝተቐደሱ እምባታት እዮም።
2እግዚኣብሄር ካብ ድንኳናት ያእቆብ፥ ንበርታት ፅዮን ይፈትወን እዩ።
3ኣቲ ኸተማ እግዚኣብሄር፥ ብዛዕባኺ ዝተነግረ ዘደንቕ እዩ።
4“ንዝፈልጣኒ ንረዓብን ንባቢሎንን እዝክረን ኣለኹ፤ እንሆ ፍልስጥኤምን ጢሮስን ምስ ኢትዮጵያ፥ እዚኣቶም ኣብኣ ተወለዱ።”
5ሰብ እኖና ፅዮን ይብል፤ ኣብ ውሽጣውን ሰብ ተወለደ፤ እቲ ልዑልውን ባዕሉ መስረታ።
6እግዚኣብሄር ንህዝቡ፥ ክፅሕፎም እንተሎ፥ ኣብ ውሽጣ ንዝተወለዱ ኣሕሉቓውን ብመፅሓፍ ይነግሮም።
7ንዅሎም ነቶም ኣባኺ ዝነብሩ፥ ደስ ከም ዝብሎም ይነግሮም።