1ኦ ጐይታ፥ ንኣኻ ተኣሚነ ኣለኹ፤ ንዘለኣለም ኣይሕፈር።
2ብፅድቅኻ ኣድሕነንን ኣናግፈንን፤ እዝንኻ ናባይ ፅን ኣብል፤ ኣድሕነኒውን።
3ኣብ ፅኑዕ ቦታ ምእንቲ ኽተድሕነኒ፥ ኣምላኽን መሕብእን ኩነኒ፤ ሓይለይን መፀግዕየይን ንስኻ ኢኻሞ፥ ንምድሓነይ ኣዘዝካ።
4ኦ ኣምላኸይ፥ ካብ ኢድ ሓጥኣን፥ ካብ ኢድ ዓማፅን ገፋዕንውን ኣናግፈኒ።
5ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ተስፋይ ኢኻሞ፥ ኦ እግዚኣብሄር፥ ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ መተኣማመኒየይ ኢኻሞ።
6ካብ ከርሲ እኖይ ጀሚረ ብኣኻ ተደገፍኩ፤ ካብ ማህፀን ወላዲተይ ጀሚሩውን ንስኻ ተስፋይ ኢኻ፤ ኵልሻዕውን ምስጋናይ ንኣኻ እዩ።
7ንስኻ ብርቱዕ መዕቘቢ ስለ ዝኾንካኒ፥ ንብዙሓት መደነቒ ኾንክዎም።
8ኵልሻዕ ኽብርኻን ግርማኻን ንኽዝምር፥ ንኣፈይ ምስጋናኻ ምላእ።
9ኣምላኸይ ብጊዜ እርግናይ ኣይትደርብየኒ፤ ሓይለይ ምስ ተወድአውን ኣይትሕደገኒ።
10ፀላእተይ ኣብ ልዕለይ ይዛረቡ ኣለዉ፤ እቶም ንነፍሰይ ዝደልዩዋውን፥ ከምዙይ ኢሎም ሓቢሮም ተማኸሩ፦
11“ኣምላኽ ሓዲግዎ እዩ፤ ዘናግፎ የለን እሞ ተኸቲልኩም ሓዝዎ።”
12ኦ ኣምላኽ፥ ካባይ ኣይትርሓቕ፤ ኦ ኣምላኸይ፥ ንኣይ ንምርዳእ ፍጠን።
13እቶም ንነፍሰይ ዝፃረሩዋ ይሕፈሩን ይጥፍኡን፤ እቶም ጕድኣተይ ዝደልዩውን ሕፍረትን ሓሳርን ይከደኑ።
14ኣነ ግና ዅልሻዕ ተስፋ እገብር ኣለኹ፤ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምስጋናኻውን ክውስኽ እየ።
15ቍፅሩ ኣይፈልጦንሞ፥ ኣፈይ ፅድቅኻ፥ ኵሉ ጊዜውን ምድሓንካ ይናገር
16ብሓይሊ እግዚኣብሄር ክኣቱ እየ፤ ኦ ጐይታ፥ ንፅድቅኻ ጥራሕ ክዝክር እየ።
17ኦ ኣምላኸይ፥ ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ መሃርካኒ፤ ክሳዕ ሕዚ እውን ተኣምራትካ እናገር ኣለኹ።
18ነቲ ዝመፅእ ትውልዲ፥ ቅልፅምካን ሓይልኻን ፅድቅኻን፥ ክሳዕ ዝነግር፥ ክሳዕ ዝኣርግን ዝሽምግልን፥ ኦ ጐይታ ኣይትሕደገኒ።
19ኦ ጐይታ፥ ክሳዕ ኣርያም ዓበይቲ ነገራት ገበርካ፤ ኦ ኣምላኽ፥ ከማኻ ዝበለ መን እዩ?
20ብዙሕ ጭንቀትን መከራን ኣርአኻኒ፤ ግና ተመሊስካ ህያው ገበርካኒ፤ ካብ ውሽጢ ምድሪ እውን መሊስካ ኣውፃእኻኒ።
21ንፅድቅኻውን ኣብዛሕኻዮ፤ ተመሊስካውን ኣሐጐስካኒ፤ ካብ መዓሙቕውን መሊስካ ኣውፃእኻኒ።
22ኣነውን ብበገና፥ ስለ ሓቅኻ ኸመስግነካ እየ፤ ኣታ ኣምላኽ ናይ እስራኤል ቅዱስ፥ ብመሰንቆ ኽዝምረልካ እየ።
23ክዝምረልካ እንተለኹ ኸናፍረይን፥ እታ ዘድሓንካያ ነፍሰይን ደስ ይብለን።
24እቶም ጕድኣተይ ዝደልዩ ምስ ሓፈሩን ምስ ተዋረዱን፥ መልሓሰይ ኵልሻዕ ፅድቅኻ ኽትናገር እያ።