1ሰነፍ ብልቡ “እግዚኣብሄር የለን” ይብል። ረኸሱ፤ ብበደሎም ድማ ሓሰሩ፤ ንሰናይ ነገር ዝገብራ የለን።
2ዘስተውዕል፥ ንእግዚኣብሄርውን ዝደሊ እንተ ሃልዩ ኽርኢ፥ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ናብ ደቂ ሰብ ተመልከተ።
3ኵላቶም በደሉ፤ ኵላቶም ድማ ሓቢሮም ረኸሱ፤ ንሰናይ ነገር ዝገብራ የለን፤ ሓደኳ የለን።
4ንህዝበይ እንጀራ ኸም ዝበልዕ ዝበልዑ፥ ኵሎም ገበርቲ ግፍዒ ኣይፈልጡንዶ? ንእግዚኣብሄርውን ኣይፅውዕዎን።
5እግዚኣብሄር ነዕፅምቲ እቶም ግብዛት በቲኑ እዩሞ፥ ኣብኡ ዘፍርሕ እንተይሃለወ የመና ፈርሑ፤ እግዚኣብሄር ንዒቑዎም እዩ እሞ፥ ኣሕፈርካዮም።
6መድሓኒት ካብ ፅዮን ንእስራኤል መን ምሃበ! እግዚኣብሄር ምርኮ ህዝቡ ምስ መለሰ፥ ያእቆብ ደስ ክብሎ፤ እስራኤልውን ክሕጐስ እዩ።