1ኣምላኽ ኣማልኽቲ፥ እግዚኣብሄር ተናገረ፤ ካብ ምብራቕ ፀሓይ ጀሚሩ፥ ክሳዕ መዕረቢኣ፥ ንምድሪ ፀውዓ።
2ካብ ፅባቐ ኽብሩ ኻብ ፅዮን፥ እግዚኣብሄር ብገሃድ ክመፅእ እዩ።
3ኣምላኽና ኽመፅእ እዩ፤ ስቕውን ኣይብልን፤ ኣብ ቅድሜኡ ዝቃፀል ሓዊ ኣሎ፤ ኣብ ዙርያኡውን ብዙሕ ኣውሎ ኣሎ።
4ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሰማይን፥ ምድሪ እውን ብህዝቡ ንምፍራድ ክፅውዕ እዩ።
5ነቶም ንመስዋእቲ ኺዳን ምሳይ ዝቖሙ ቕዱሳነይ ኣክቡለይ።
6ሰማያት ፅድቁ ክናገሩ እዮም፤ እግዚኣብሄር ፈራዳይ እዩሞ።
7ህዝበይ፥ ስማዕ ክነግረካ፤ እስራኤልውን ስምዐኒ፥ ክምስክረልካ፤ ኣምላኽስ ኣነ ኣምላኽካ እየ።
8ስለ መስዋእትኻ ዝዘልፈካ ኣይኮንኩን፤ እቲ ዝቃፀል መስዋእትኻ ዅልሻዕ ኣብ ቅድመይ እዩ።
9ካብ ገዛኻ ዝራብዓት፥ ካብ ደምቤኻውን ዲበላታት ኣይወስድን።
10ኵሎም እንስሳ በረኻን፥ ኣብ ኣሽሓት እምባታት ዘለዉ እንስሳትውን ናተይ እዮምሞ።
11ንዅለን ኣዕዋፍ ሰማይ እፈልጠን እየ፤ ኣብ ምድረ በዳ ዘለዉ ኣራዊትውን ኣባይ እዮም።
12ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ናተይ እዩሞ፥ እንተ ዝጠሚውን ንኣኻ ኣይነግረካን።
13ኣነዶ ስጋ ዝራብዓት እበልዕ እየ? ደም ዲበላታትከ እሰቲ ድየ?
14ንኣምላኽ፥ መስዋእቲ ምስጋና ሰውእ፤ ንልዑልውን መብፅዓኻ ሃብ።
15ብመዓልቲ መከራ ፀውዐኒ፤ ኣነ ኸናግፈካ እየ፤ ንስኻውን ክተኽብረኒ ኢኻ።
16ንሓጥእ ግና ኣምላኽ ከምዙይ ይብሎ፥ ስለ ምንታይ ንስኻ ሕገይ ትናገር? ኪዳነይከ ብኣፍካ ንምንታይ ትዛረብ?
17ንስኻስ ተግሳፀይ ፀላእኻ፤ ንቓላተይውን ንድሕሬኻ ደርበኻዮ።
18ሰራቂ እንተ ረአኻ ምስኡ ትጐዪ፤ ዕድልካውን ምስ ኣመንዝራታት ገበርካ።
19ኣፍካ ኽፍኣት ኣብዝሐ፤ ኣንደበትካውን ጥበራ ተነጐ።
20ተቐሚጥካ ንሓውካ ሓመኻዮ፤ ንወዲ እኖኻውን ዕንቅፋት ኣቐመጥካ።
21እዝ ዅሉ ጌርካ ኣነ ስቕ በልኩኻ፤ ኣነ ከማኻ ከም ዝኾንኩ ጠርጠርካ? ኣነ ክግስፀካ፥ ኣብ ቅድሜኻውን ክቐውም እየ።
22ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትርስዑ፥ ነዙይ ኣስተውዕሉ፤ እንተ ዘይኮይኑ ኽነጥቕ እዩ፥ ዘድሕንውን የለን።
23መስዋእቲ ምስጋና ዝስውአለይ የኽብረኒ፤ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ምድሓን፥ ንእኡ ዘርእየሉ መንገዲ ኣብኡ ኣሎ።