1ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፤ መዝሙር ሰናይ እዩሞ፤ ንኣምላኽና ብመዝሙር ምምስጋንውን ፅቡቕ እዩ።
2እግዚኣብሄር ንኢየሩሳሌም ክሃንፃ እዩ፤ ነቶም ዝተበተኑ ህዝቢ እስራኤል ከዓ ኽእክቦም እዩ።
3ነቶም ልቦም ዝቘሰለውን ይፍውሶም፤ ንቝስሎምውን ይፅግን።
4ንብሙሉኦም ከዋኽብቲ ይቘፅሮም፥ ንዅሎምውን በብስሞም ይፅውዖም።
5ጐይታና ዓብዪ እዩ፤ ሓይሉውን ዓብዪ እዩ፤ ንጥበቡውን ወሰን የብሉን።
6እግዚኣብሄር ንየዋሃን ልዕል የብሎም፤ ንሓጥኣን ግና ኽሳዕ ምድሪ የዋርዶም።
7ንእግዚኣብሄር ብምስጋና ዘምሩ፤ ንኣምላኽናውን ብመሰንቆ ዘምሩሉ።
8ንሰማያት ብደመና የጐልብብ፤ ንምድሪ እውን ዝናብ የዳሉ፤ ኣብ እምባታት ድማ ሳዕሪ የብቍል፤ ለምለምውን ንደቂ ሰባት ጥቕሚ ይህብ።
9ነቶም ዝፅውዕዎ ጫቚታት ኳዃት፥ ንእንስሳትውን ምግቦም ይህቦም።
10ንሓይሊ ፈረስ ኣይብህጎን፤ በእጋር ሰብውን ኣይሕጐስን።
11እግዚኣብሄር በቶም ዝፈርሕዎን፥ በቶም ብምሕረቱ ዝእመኑን ይሕጐስ።
12ኦ ኢየሩሳሌም፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኒ፤ ኦ ፅዮን፥ ንኣምላኽኪ ወድሲ።
13መሸጐሪ መዓፁኺ ኣፅኒዑ እዩሞ፥ ንደቅኺውን ኣብ ውሽጥኺ ባሪኹዎም እዩሞ።
14ኣብ ወሰናትኪ ሰላም ገበረ፤ ብስብሒ ስርናይውን ኣፅገበኪ።
15ትእዛዙ ናብ ምድሪ ይሰድድ፤ ቃሉውን ቀልጢፉ ይጐዪ።
16ንበረድ ከም ፀምሪ ይህብ፤ ንግመ ኸዓ ኸም ሓመድ ይብትኖ።
17ንበረድውን ከም ርፍራፍ የውርድ፤ ንቝሩኸ መን ክቃወሞ ይኽእል?
18ቃሉ ይልእኽ እሞ፥ የምክኾ፤ ንፋስ የንፍስ እሞ፥ ማያት የውሕጅ።
19ቃሉ ንያእቆብ፥ ስርዓታቱን ፍርድታቱን ድማ ንእስራኤል ይነግር።
20ንኻልኦት ኣህዛብ ከምዙይ ከቶ ኣይገበረሎምን፤ ፍርዱውን ኣይገለፀሎምን። ሃሌ ሉያ።