1(ዳዊት።) ኣብ ጎንና ዝነበረ እግዚኣብሄር እንተ ዘይከውን ነይሩ፡ እስራኤል ሕጂ ይበል፤
2ህዝቢ ኣንጻርና ምስ ተላዕሉ ኣብ ጎንና ዝነበረ እግዚኣብሄር እንተ ዘይከውን ነይሩ።
3ሽዑ፡ ቍጥዓኦም ኣብ ልዕሌና ምስ ነደደ፡ ቀልጢፎም በልዑና።
4ሽዑ እቲ ማያት ሰዓረና፡ እቲ ውሕጅ ኣብ ልዕሊ ነፍስና ሓለፈ።
5ሽዑ እቲ ትዕቢተኛ ማያት ኣብ ልዕሊ ነፍስና ሓለፈ።
6ኣብ ኣስናኖም ምርኮ ዘይሃበና እግዚኣብሄር ይባረኽ።
7ነፍስና ከም ዑፍ ካብ መጻወድያ ኣዕዋፍ ኣምሊጣ፡ እቲ መጻወድያ ተሰባቢሩ፡ ንሕናውን ኣምሊጥና።
8ሓገዝና ብስም እቲ ንሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እዩ።