1እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ እግዚኣብሄር ምሳና እንተ ዘይኸውን፥
2ሰባት ኣብ ልዕሌና ኽትስኡ እንተለዉ፥ እግዚኣብሄር ምሳና እንተ ዘይኸውን፥
3ቍጥዓኦም ኣብ ልዕሌና እንትነድድ፥ ብህይወትና እንተለና ምወሓጡና ነይሮም፤
4ሽዑ ማይ መስጠመና ነይሩ፤ ኣብ ልዕሊ ነፍስና ውሕጅ ምሓለፈ ነይሩ፤
5ሽዑ ማይ ውሕጅ ብልዕሊ ነፍስና ምሓለፈ ነይሩ።
6ንምንካስ ኣስናኖም ዘይገበረና፥ እግዚኣብሄር ይመስገን።
7ነፍስና ኸም ዒፍ ካብ መፈንጠር ሃዳኖ ኣምለጠት፤ መፈንጠር ተበተኸ፤ ንሕናውን ኣምለጥና።
8ረድኤትና ብስም እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ እግዚኣብሄር እዩ።