1ወደይ፥ ንብፃይካ እንተ ተውሓስካ፥ ስለ ጓና ኸዓ ኢድ እንተ ጠቓዕኻ፥
2ብቓል ኣፍካ ተትሓዝካ፤ ብቓል ኣፍካ ተፈንጠርካ።
3ወደይ፥ ኣብ ኢድ ጐረቤትካ ኻብ ወደቕካስ፥ ምእንቲ ነፃ ኽትወፅእ፥ ከምዙይ ግበር፦ ኪድሞ ቐልጢፍካ ንጐረቤትካ ኣትክሮ፤
4ንዓይንኻ ድቃስ፥ ንቕርንብካ ትኽስታ ኣይትሃብ፤
5ሜዳቝ ኻብ ኢድ ሃዳናይ፥ ዒፍውን ካብ መፈንጠር ከም ዘምልጣ፥ ንርእስኻ ኣድሕን።
6ኣታ ሃካይ ናብ ፃፀ ኺድ፤ መንገዱ ተመልኪትካውን ጠቢብ ኩን።
7ሓለቓ ኾነ ኣዛዚ፥ ወይ ገዛኢ እንተይሃለዎ፥
8ቀለቡ ብሓጋይ የዳሉ፤ ምግቡ ድማ ብቐውዒ ይእክብ።
9ኣታ ሃካይ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ እትድቅስ? መኣዝከ ኢኻ ኻብ ድቃስካ እትትስእ?
10ሓንሳእ ትድቅስ፤ ሓንሳእ ኸዓ ትታኸስ፤ ክትድቅስውን ኢድካ ተመሳቕል ኣለኻ።
11እምበኣር ድኽነት ከም ቅልጡፍ ጕሒላ፥ ስእነት ድማ ኣፅዋር ከም ዝተዓጠቐ ሽፍታ ኾይኑ ይመፀካ ኣሎ።
12ክፉእን፥ ዓማፂን ሰብ፥ ብቐይናን ኣፍ ይመላለስ።
13ብዓይኑ ይጠቅስ፤ ብእግሩ ይዛረብ፤ በፃብዕቱ የመልክት።
14ኵሉ ጊዜ ብልቡ ተንኰል ይኣልም፤ ክፋእ ይፍሕስ፤ ፅልኢ ድማ ይዘርእ።
15ስለዙይ ጥፍኣቱ ብድንገት ይመፅእ፤ ብድንገት ድማ ይደቅቕ፤ ፈውሲውን ከ??? የብሉን።
16እግዚኣብሄር ዝፀልአን፥ ሽዱሽተ ነገራት እየን፤ ነታ ሻውዐይቲ ግና ነፍሱ ኣጥቢቓ ትፅየፋ፤
17“ዕቡይ ዓይኒ፥ ሓሳዊት መልሓስ፥ ንፁህ ደም ዘፍስሳ ኣእዳው፥
18“ክፍኣት ዝፍሕስ ልቢ፥ ክፉእ ንምግባር ዝቕልጥፋ ኣእጋር፥
19“ሓሰት ዝዛረብ ሓሳዊ ምስክር፥ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእሲ ዘሳውር ሰብ” እየን።
20ወደይ፥ ንትእዛዝ ኣቦኻ ሓልዎ፤ ንሕጊ ወላዲትካ ኸዓ ኣይትሕደግ።
21ኵልሻዕ ኣብ ልብኻ ዕቘሮ፤ ኣብ ክሳድካ እሰሮ።
22ንሱ ኽትከይድ እንተለኻ ይመርሐካ፤ ክትድቅስ እንተለኻ ይሕልወካ፤ ምስ ነቓሕኻውን የነጋግረካ።
23ትእዛዝ መብራህቲ፥ ሕጊ ብርሃን እዩሞ፤ ተግሳፅ ትምህርቲ ድማ መንገዲ ህይወት እዩሞ።
24እዙይ ካብታ ኽፍእቲ ሰበይቲ፥ ካብታ ልዙብ ዝመልሓሳ ኣመንዝራ ኸናግፈካ እዩ።
25ንፅባቐኣ ብልብኻ ኣይትመነዮ፤ ቈላሕታኣውን ኣይማርኽካ።
26ዋጋ ኣመንዝራ ክሳዕ ሓንቲ እንጀራ እዩ፤ ዘማዊት ሰበይቲውን ንህይወት ሰብ ተፃውድ።
27ኣብ ሕቍፉ ሓዊ ዝሓቍፍ፥ ክዳኑ ዘይቃፀልከ መን እዩ?
28ኣብ ልዕሊ ጓህሪ ዝኸይድ፥ ኣእጋሩ ዘይቃፀልከ መን እዩ?
29ናብ ሰበይቲ ብፃዩ ዘኣቱ ኸዓ ኸምኡ እዩ፤ ኵሉ ዝነኽኣውን እንተይተቐፅዐ ኸቶ ኣይተርፍን።
30ሰራቒ ጠምዩ ኽዕንገል ኢሉ እንተ ሰረቐ፥ ሰባት ኣይንዕቕዎን እዮም።
31እንተ ተትሓዘ ኸዓ፥ ሸውዓተ ኢድ ይዓዲ፤ ኣብ ቤቱ ዘሎ ዅሉውን ይፈዲ።
32እቲ ምስ ሰበይቲ እማቱ ዘመንዝር ግና ኣእምሮ ዝጐደሎ እዩ፤ ከምኡ ዝገብርውን ንህይወቱ እዩ ዘጥፍኣ።
33ውርደትን መግረፍትን ይቕበል፤ ውርደቱውን ከቶ ኣይድምሰስን።
34ቅንኢ ንሰብኣይ ብቝጥዓ የንድዶ እዩ እሞ፥ ሕነ ኽፈዲ እንተሎ ኣየናሕስን እዩ።
35ንሱውን ካሕሳ ኣይቕበልን፤ ኣብዚሕኻ ውህብቶ እንተ ኣቕረብካሉኳ፥ ኣይዕረቕን።