1ፅቡቕ ስም ካብ ብዙሕ ሃብቲ ይምረፅ፤ ሞገስ ከዓ ኻብ ብሩርን ወርቅን ይበልፅ።
2ሃብታምን ድኻን ተራኸቡ፤ ንዅላቶም ዝፈጠሮም እግዚኣብሄር እዩ።
3መስተውዓሊ ሰብ ክፉእ ሪኡ ይሕባእ፤ ገርህታት ግና ይሓልፉሞ ብእኡ ይጕድኡ።
4ንእግዚኣብሄር ምፍራሕን ትሕትናን፥ ሃብትን ክብርን ህይወትን እዩ።
5ኣብ መንገዲ ቐይናን እሾዅን መፈንጠርን ኣሎ፤ ነፍሱ ዝሕሉ ግና ኻብኡ ይርሕቕ።
6ንቘልዓ እታ ክኸደላ ዝግብኦ መንገዲ ምርሓዮ፤ ምስ ዓበየውን፥ ካብኣ ኣየግልስን እዩ።
7ንድኻ ሃብታም ይገዝኦ፤ ተላቃሒ ኸዓ፥ ባርያ መለቅሒ እዩ።
8ሓጢኣት ዝዘርእ መከራ ይዓፅድ፤ በትሪ ቝጥዓኡ ድማ ይጠፍእ።
9ካብ እንጀራኡ ንድኻ ኣካፊሉ እዩሞ፥ ርህሩህ ዝተባረኸ ይኸውን።
10ንመላገፂ ስጐጎሞ ጐይቊ ኽውገድ እዩ፤ ባእስን ፀርፍን ከዓ ኽውዳእ እዩ።
11ንፅህና ልቢ ዝፈቱ፥ ሞገስ ኣብ ከናፍሩ ዘለዎ፥ ንጉስ ፈታዊኡ ይኸውን።
12ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ንጥበብ ይሕልዋኣ፤ ንሱ ግና ንቓላት ጠለምቲ ይግልብጦ።
13ሃካይ “ኣብ ወፃኢ ኣንበሳ ኣሎ፤ ኣብ ማእኸል መንገዲ ኽመውት እየ” ይብል።
14ኣፍ ኣመንዝራ ሰበይቲ ዓሚቝ ጕድጓድ እዩ፤ እግዚኣብሄር ዝተቘጥዖ ኸዓ ኣብኣ ይወድቕ።
15ስንፍና ኣብ ልቢ ህፃን ተኣሲሩ ኣሎ፤ በትሪ መቕፃዕቲ ግና ኻብኡ የርሕቖ።
16ክህብትም ኢሉ ንድኻ ዝጭቍን፥ ንሃብታምውን ዝህብ፥ ኣብ ድኽነት ይወድቕ።
17እዝንኻ ፅን ኣቢልካ ቓላት ጠቢባን ስማዕ፤ ልብኻውን ናብ ትምህርተይ ኣቕልብ፤
18ንኣኣተን ኣብ ልብኻ ኣፅኒዕኻ እንተ ሒዝካየን፥ ኣብ ከንፈርካውን ዝተዳለዋ እንተ ኾይነን፥ ሰናይ ነገር ክኾነልካ እዩ።
19እምነትካ ኣብ እግዚኣብሄር ምእንቲ ክኸውን፥ እንሆ ሎሚ ኣነ ንኣኻ ኣፍልጠካ ኣለኹ።
20ንዝጥይቑኻውን ቃል ሓቂ፥ ምምላስ ምእንቲ ኽትክእል ብምኽርን ብፍልጠትን፥ ዝኸበረ ነገርዶ ኣይፀሓፍኩልካን?
21እዚኣተን፥ ሓቂ እንታይ ከም ዝኾነ፥ ክምህራኻ እየን።
22ንድኻ፥ ኣይተገድዶ፥ ድኻ እዩሞ፤ ንፅጉም ድማ ኣብ በሪ ኣይትድፍኣዮ።
23እግዚኣብሄር ነቲ ፍርዶም ክፋረደሎም እዩሞ፤ ነቶም ዝገፈፍዎም ከዓ ህይወቶም ክገፎም እዩሞ።
24መንገዶም ምእንቲ ኸይትመሃር እሞ፥ ንነፍስኻ ኸይተፃውደላ፥ ምስ ኰራዪ ሰብ ኣይትመሓዞ፤ ምስ ቍጡዕ ኸዓ ኣይትኺድ።
26ከምቶም ኢዶም ዝጠቕዑ፥ ንበዓል ዕዳውን ዝወሓሱ ኣይትኹን፤ ምፍዳይ ምስ ሰኣንካ፥ ንምንታይ መንፀፍካ ኻብ ትሕቴኻ ዝውሰድ?
28ኣቦታትካ ዘቖምዎ፥ ናይ ቀደም ደረት ኣይትድፋእ።
29ብሞያኡ ኽኢላ ንዝኾነ ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ? ኣብ ቅድሚ ነገስታት እዩ ዝቐውም እምበር፥ ኣብ ቅድሚ ታሕተዎት ሰባት ኣይቐውምን።