መጽሓፍ ምሳሌ 16

BCV aksumትግርኛ33 ፍቕድታት3:51 ስማዕ
ስማዕ 3:51 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ምድላው ልቢ ኻብ ሰብ እዩ፤ መልሓስ እትምልሶ ግና ኻብ እግዚኣብሄር እዩ።

2ሰብ ኵሉ መንገዱ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ንፁህ እዩ፤ መንፈስ ዝምዝን ግና እግዚኣብሄር እዩ።

3ኵሉ እትገብሮ ንእግዚኣብሄር ሓደራ ሃቦ፤ ትልምኻውን ክሰልጠልካ እዩ።

4እግዚኣብሄር ንዅሉ ንባዕሉ ፈጠሮ፤ ንሓጥኣን ድማ ንመዓልቲ ኽፍኣት ኣዳለዎም።

5ኵሉ ብልቡ ዝዕበ ብእግዚኣብሄር ርኹስ እዩ፤ ኢድ ብኢድ እንተይተቐፅዐ ኣይተርፍን።

6ብምሕረትን ብሓቅን፥ ስርየት በደል ይርከብ፤ ሰብውን ንእግዚኣብሄር ብምፍራሕ ካብ ክፍኣት ይርሕቕ።

7ሰብ በካይዳኡ ንእግዚኣብሄር እንተ አሐጒስዎ፤ ኣብ ማእኸሉን ኣብ ማኸል ፀላእቱን ሰላም ይገብር።

8ካብቲ ብዓመፅ ዝርከብ ብዙሕ እቶት፥ እቲ ብፅድቂ ዝርከብ ውሑድ እቶት ይሐይሽ።

9ልቢ ሰብ መንገዱ የዳሉ፤ ነካይዳኡ ዘቃንዐሉ ግና እግዚኣብሄር እዩ።

10ብይን እግዚኣብሄር ኣብ ከናፍር ንጉስ እዩ፤ ኣፉውን ብፍርዲ ኣይጋገን።

11ሓቀኛ ሚዛንን መምዘንን ናይ እግዚኣብሄር እዮም፤ ናይ ኵሉ ኸረጢት መምዘኒ ኸዓ ስራሑ እዮም።

12ዙፋን ብፅድቂ እዩ ዝፀንዕሞ፥ ግፍዒ ምስራሕ ብነገስታት ፅሉእ እዩ።

13ሓቀኛታት ከናፍር ንነገስታት የሐጕሳኦም፤ ነቲ ቕንዕና ዝዛረብውን ይፈትዉዎ።

14ቍጥዓ ንጉስ ከም ልኡኽ ሞት እዩ፤ ለባም ግና የህድኦ።

15ገፅ ንጉስ እንተ በርሀ፥ ህይወት እዩ፤ ሞገሱ ኸዓ ኸም ደመና ፅብሓት እዩ።

16ካብ ምጥራይ ወርቂ፥ ክንደይኮን ምጥራይ ጥበብ ይበልፅ! ካብ ምጥራይ ብሩር፥ ክንደይኮን ምጥራይ ፍልጠት ይኸብር!

17መንገዲ ቕኑዓት ካብ ክፉእ ምርሓቕ እዩ፤ እቲ ንመንገዱ ዝጥንቀቕ ድማ ንነፍሱ ይሕልዋ።

18ንጥፍኣት ትዕቢት፥ ንውድቀት ከዓ ዅርዓት ትቕድማ።

19ምስ ዕቡያን ምርኮ ኻብ ምክፋልስ፥ ብትሑት መንፈስ ምስቶም ድኻታት ምዃን ይሐይሽ።

20ነቲ ቓል ዘቕልበሉ፥ ሰናይ ነገር ይረክብ፤ ብእግዚኣብሄር ዝእመን ከዓ ብፁእ እዩ።

21ልቡ ጥበበኛ ዝኾነ መስተውዓሊ ይበሃል፤ ብኸንፈሩውን ጥዑም ትምህርቲ የብዝሕ።

22ፍልጠት፥ ንዘጥርያ ሰብ ፍልፍል ህይወት እያ፤ ስንፍና ግና ነቶም ሰነፋት መቕፃዕቶም እያ።

23ልቢ ብልሓተኛ ንኣፉ ይምህር፤ ንኸናፍሩ ድማ ትምህርቲ ይውስኽ።

24ልዙብ ቃል ወለላ መዓር እዩ፤ ንነፍስኻ ጥዑም፥ ነዕፅምትኻ ኸዓ ፈውሲ እዩ።

25ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መንገዲ ኣላ፤ መወዳእታኣ ግና መንገዲ ሞት እዩ።

26ድልየት ዕለታዊ ምግቡ፥ ንሰራሕተኛ ፃዕራም ይገብሮ፤ ጥምየትውን ይደፋፍኦ።

27ክፉእ ሰብ፥ ክፍኣት ይፍሕር፤ ኣብ ከንፈሩውን ዝነድድ ሓዊ ኣሎ።

28ጠዋይ ሰብ ፅልኢ ይዘርእ፤ ሓማዪ ሰብ ከዓ፥ ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም።

29ዓመፀኛ ሰብ ንብፃዩ ይሓባብሎ፤ ሰናይ ናብ ዘይኮነት መንገዲ ኸዓ ይመርሖ።

30በዒንቱ ዝጠቅስ ሓሳባቱ ጠዋይ እዩ፤ ከናፍሩ ዝነክስ ከዓ ንኽፍኣት ይፍፅም።

31ሰያብ ፀጕሪ ናይ ክብረት ዘውዲ እዩ፤ ብመንገዲ ፅድቂ ድማ ይርከብ።

32ዕጉስ ሰብ ካብ ሓያል ይበልፅ፤ ካብቲ ንኸተማ ዝገዝእ ከዓ መንፈሱ ዝገዝእ ይበልፅ።

33ዕፃ ኣብ ሕቝፊ ይወድቕ፤ ኵሉ መደባ ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ።

ትርጓሜ

16:1 ናይ ኣምላኽ ዘሐድስ ጸጋ በይኑ ንልቢ ንኹሉ ሰናይ ግብሪ የዳልዎ። እዚ ኸኣ ሓደ እኳ ጥበባዊን ጽቡቕን ነገር ክንሓስብ ወይ ክንዛረብ ካብ ርእስና ዘይበቑዕ ምዃንና የምህረና። 2. ድንቁርና፥ ትዕቢትን ንርእስኻ ምውድዳስን ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእስና ባህርይ ኣድለይቲ ዳያኑ የገብሩና። 3. ጾር ሓሳብካ ኣብ ኣምላኽ ደርብዮ፥ እሞ ብእምነትን ብእኡ ምውካልን ኣባኡ ሕደጎ።

16:4. ኣምላኽ ነቶም ረሲኣን ቅኑዕ ሕነ ንሓድሕዶም ንምፍጻም ይጥቀመሎም እዩ፤ ብመወዳእታ ኸኣ ብጥፍኣቶም ክኸብር እዩ። 5. ሓጥኣን ንርእሶምን ንሓድሕዶምን እንተደኣ ኣበርቲዖም እኳ፡ ካብ ፍርድታት ኣምላኽ ኣይኪድሕኑን እዮም። 6. ብምሕረትን ሓቅን ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ፡ ሓጥያት ምእመናን ይርሓቕ፡ ሓይሊ ሓጥያት ከኣ ይስበር። 7. ንኹሉ ልቢ ኣብ ኢዱ ዝሕዝ፡ ጸላእቲ ሰብ ምስኡ ንምብዳህ ክገብር ይኽእል። 8. ሓቀኛ ብዝኾነ መገዲ እተረኽበ ንእሽቶ ሃብቲ፡ ካብ ብዘይቅኑዕ ዝተረኽበ ዓብዪ ሃብቲ ይበልጽ። 9. ሰባት ክብሪ ኣምላኽ ዕላማኦም እንተገበሩ፡ ፍቓዱ ኸኣ ስርዓቶም እንተገበሩ፡ ንእርምጃኦም ብመንፈሱን ብጸጋኡን ይመሓድር። 10. ነገስታትን ፈረድትን ምድሪ ቅኑዓት ይኹኑ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ከኣ ይግዝኡ። 11. ኣብ መንጎ ሰብን ሰብን ቅንዕና ምሕላው ትእዛዝ ኣምላኽ እዩ።

16:12. ስልጣኑ ብቕንዕና ዝጥቀም ገዛኢ፡ እዚ ንእኡ ዝበለጸ መኸላኸሊ ይኸውን ከም ዝረክብ ይርዳኦ። 16:13.

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6