መጽሓፍ ምሳሌ 15

BCVትግርኛ33 ፍቕድታት3:35 ስማዕ
ስማዕ 3:35 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ልዙብ መልሲ ንቝጥዓ የህድኦ፤ ተሪር ቃል ግና ንቝጥዓ የለዓዕሎ።

2ኣንደበት ጠቢባን ፍልጠት የንጠብጥብ፤ ኣንደበት ዓያሹ ግና ዕሽነት የፈልፍል።

3ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ስፍራ እየን፤ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ከዓ ይምልከታ።

4ልዝብቲ ኣንደበት ኦም ህይወት እያ፤ ቀይናን ኣንደበት ግና መንፈስ ትሰብር።

5ሰነፍ ንምኽሪ ኣቦኡ ይንዕቖ፤ ዘለፋ ዝቕበል ግና፥ በዓል ኣእምሮ እዩ።

6ኣብ ገዛ ፃድቕ ብዙሕ ሃብቲ ኣሎ፤ መዝገብ ሓጥእ ግና ህውከት እዩ።

7ከናፍር ጠቢባን ፍልጠት ይዘርኣ፤ ልቢ ዓያሹ ግና ኸምዙይ ኣይኮነን።

8መስዋእቲ ሓጥኣን ኣብ እግዚኣብሄር ፅዩፍ እዩ፤ ፀሎት ቅኑዓት ግና ብኡኡ ዝተፈተወ እዩ።

9መንገዲ ሓጥኣን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝተፀልአ እዩ፤ ፅድቂ ንዝስዕብ ግና የፍቅሮ።

10ቅኑዕ መንገዲ ሓዲጉ ኽፉእ ንዝገብር፥ ብርቱዕ መቕፃዕቲ ይወርዶ፤ ተግሳፅ ዝፀልእውን ይመውት።

11ሲኦልን መዓሙቝን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝተፈለጡ እዮም፤ ብሕልፊ እኳ ልቢ ሰባት ዝተፈለጠ እዩ።

12መላገፂ ሰብ ዝግስፆ ኣይፈቱን፤ ናብ ጠቢባንውን ኣይኸይድን።

13ሕጉስ ልቢ ገፅ የብርህ፤ ናይ ልቢ ሓዘን ግና መንፈስ ይሰብር።

14በዓል በሊሕ ኣእምሮ ፍልጠት ይደሊ፤ ኣፍ ዓያሹ ግና ኣብ ስንፍና ይዋፈር።

15ልቡ ዝሓዝን ሰብ፥ ዘመኑ ዝኸፍአት እያ፤ ሓጐስ ልቢ ግና ዅልሻዕ ደስ ዘብል ማእዲ እዩ።

16ካብ ብዙሕ ሃብቲ ምስ ህውከት፤ ንእግዚኣብሄር እናፈራሕኻ ውሑድ ሃብቲ ይሐይሽ።

17ምስ ፅልኢ ስቡሕ ስጋ ኻብ ምብላዕ፥ ምስ ፍቕሪ ሓምሊ ምብላዕ ይሐይሽ።

18ቍጡዕ ሰብ ፅልኢ የለዓዕል፤ ትዕግስተኛ ሰብ ግና ባእሲ የህድእ።

19መንገዲ ሃካይ ከም ሓፁር ዕሾኽ እያ፤ መንገዲ ፃድቃን ግና ዝተደላደለት ጐደና እያ።

20ለባም ውሉድ ነቦኡ የሐጕሶ፤ ሰነፍ ውሉድ ግና ንወላዲቱ ይንዕቓ።

21ስንፍና ነቲ ምስትውዓል ዘይብሉ ሰብ ደስታኡ እዩ፤ ለባም ግና ኣካይዳኡ የቕንዕ።

22ምኽሪ እንትጐድል፥ እቲ ዝተሓሰበ እንተይተሳኽዐ ይተርፍ፤ ብዙሓት መኸርቲ ኣብ ዘለውዎ ግና ይሳለጥ።

23ሰብ ብመልሲ ኣፉ ይሕጐስ፤ ኣብቲ ግቡእ ጊዜ ዝዝረብ ቃል፥ ክንደይ ፅቡቕ እዩ!

24ለባም ሰብ ካብቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሲኦል ንኽርሕቕ፥ መንገዲ ህይወት ናብ ላዕሊ ትመርሖ።

25እግዚኣብሄር ንቤት ዕቡያት የዕንዎ፤ ንደረት ምድሪ መበለት ግና የፅንዖ።

26ሓሳብ ዓመፅቲ ኣብ እግዚኣብሄር ፅዩፍ እዩ፤ ልዙብ ቃላት ኣብ ቅድሚኡ ንፁህ እዩ።

27ረብሓ ንምርካብ ዝሃርፍ ንቤቱ ይህውኻ፤ እቲ ጉቦ ዘይቕበል ግና ብህይወት ይነብር።

28ልቢ ፃድቕ ዝምልሶ ይሓስብ፤ ኣፍ ሓጥኣን ግና ኽፍኣት የፈልፍል።

29እግዚኣብሄር ካብ ሓጥኣን ይርሕቕ፤ ንፀሎት ፃድቃን ግና ይሰምዖ።

30ብርሃን ዓይኒ ንልቢ የሐጉሶ፤ ፅቡቕ ወረ ምስማዕ ከዓ ነዕፅምቲ የለምልም።

31እታ ናብ ህይወት ዘብፅሕ ተግሳፅ፥ እትሰምዕ እዝኒ፥ ኣብ ማእኸል ጠቢባን ትነብር።

32እቲ ንተግሳፅ ሸለል ዝብል፥ ንነፍሱ ይንዕቓ፤ ተግሳፅ ዝቕበል ግና ይልብም።

33ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ናይ ጥበብ ትምህርቲ እዩ፤ ንኽብረት ከዓ ትሕትና ትቕድማ።

ትርጓሜ

15:1

ሓቀኛ ጉዳይ ብዋህና እንተዀይኑ፡ ካብ ብርሱን ስምዒት ንላዕሊ ብዝሓሸ ይምስከረሉ። ቊጥዐ ከም መሪር ቃላት ዘለዓዕል የለን።

2.

እቲ ፍልጠት ዝውንን፡ ንጥቕሚ ኻልኦት ኪኸውን ብቅኑዕ ኣገባብ ኪጥቀመሉ ይግባእ።

15:3. ስውር ሓጢኣታት፣ ስውር ግብርታትን፣ ስውር ሓዘናትን፣ ኣዒንቲ ኣምላኽ ይርእየኦም። እዚ ንቕዱሳን ምጽንናዕ፣ ንሓጥኣን ድማ ፍርሃት ይኸውን። 4. ጽቡቕ ልሳን ንዝቖሰለ ሕልና ብምጽንናዕ፣ ንሓጢኣት ዝሓመማ ነፍሳት ድማ ብምእማን ፈዋሲ እዩ። ንዝተፈላለዩ ወገናት ከኣ የዐርቕ። 5. ትምህርቲ እንተ ተጸልአ፣ ካብቲ ናብ ጥፍኣት ዝመርሕ መገዲ ጽባሕ ከይብሉ ከይዶም ንኽቅጽሉ ምፍቃድሲ፣ ንሰባት ግሰጾም። 6. ሃብቲ ናይ ዓለማውያን ሰባት ፍርሃቶምን ጥርጣሬኦምን ይውስኽ፣ ንትምኒቶም ሓይሊ ይውስኽ፣ ንፍርሃት ሞት ድማ ዝያዳ ኣሰካፊ ይገብሮ። 7. ፍልጠት ቅኑዕ ገይርና ንጥቀመሉ ምስ እንዘርግሖ እዩ። ግናኸ ልቢ ናይ ዕሽሽ ዝዝርግሖ ጽቡቕ የብሉን። 8,9. እኩያት ኣብ ክንዲ ምብጃው ክርስቶስ ወይ ኣብ ክንዲ ቅዱስ ምእዛዝ ካልእ የንብሩ። ጸጋታት ጸሎት ናይኡ ህያብን ዕዮ መንፈሱን እዩ፣ በዚ ድማ ባህ ይብሎ። 10. ንገሰጽ ዝጸልእ ኣብ ሓጢኣታቱ ክጠፍእ እዩ፣ ምኽንያቱ ካብኣቶም ክፈላለ ኣይደለን።

15:11. ካብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ኪሕባእ ዚኽእል ነገር የልቦን፣ ሓሳባት ሰብ እውን እንተኾነ። 12. ዓያሹ ኣብ ውሽጢ ልቡ ብቑምነገር ኬስተንትን ኣይዕገስን እዩ። 13. ሓዘንተኛ፡ ዘይዕጉስን ዘየመስግንን መንፈስ፡ ካብ ትዕቢትን ምስ ነገራት ዓለም ካብ ልክዕ ንላዕሊ ምትእስሳርን ዚብገስ፡ ንሰብ ንርእሱን ንኻልኦትን ዕረፍቲ ይኸልኦ።

፲፭:፲፬። ጥበበኛ ሰብ ዝያዳ ጥበብ ንምርካብ ይጽዕር፣ ብጸጋን ብፍልጠት ክርስቶስን እናዓበየ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6