ፊልጲ 2

BCVትግርኛ30 ፍቕድታት4:27 ስማዕ
ስማዕ 4:27 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እምበኣር ናይ ክርስቶስ ብምዃንኩም፥ ምትብባዕ እንተ ሃልዩኩም፥ ናይ ፍቕሪ ምፅንናዕ እንተ ሃልዩኩም፥ ምስ መንፈስ ቅዱስ ሕብረት እንተ ሃልዩኩም፥ ለውሃትን ርህራሀን እንተ ሃልዩኩም፥

2ብሓንቲ ሓሳብ ብምስምማዕ፥ ብሓንቲ ፍቕሪ፥ ብሓደ ልቢ ብምስራሕ፥ ንሓጐሰይ ምሉእ ግበሩለይ።

3ሓንቲ ነገር እኳ፥ ናይ ባዕልኻ ጥቕሚ ብምቕዳም ወይ ንኸንቱ ውዳሴ ኢልኩም ኣይትግበሩ። እኳ ደኣ ትሕትና ብምልባስ፥ እቶም ካልኦት ካባኻትኩም ከም ዝበልፁ ጌርኩም ቍፀሩ።

4ነፍሲ ወከፍ፥ ናይ ካልኦት ጥቕሚውን እምበር፥ ናይ ባዕሉ ጥቕሚ ጥራሕ ኣይሕሰብ።

5ከምዙይ ከዓ እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነበረ ሓሳብ፥ ኣባኻትኩምውን ይሃሉኹም።(ሀ)

6ንሱ ብባህርዩ ኣምላኽ እኳ እንተ ኾነ፥ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ፥ ከም ምምንዛዕ ኣይቘፀሮን።(ለ)

7እኳ ደኣ ሰብ ብምዃን፥ መልክዕ ባርያ ብምውሳድ፥ ብፍቓዱ ንባዕሉ ድኻ ገበረ።(ሐ)

8ንባዕሉ ኣዋሪዱ ኽሳዕ ሞት፥ ክሳዕ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ሙማትውን ተኣዘዘ።

9ስለዙይ እግዚኣብሄር፥ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ኣበሎ፤ ልዕሊ ዅሉ ስም ዝኾነ ስም ከዓ ሃቦ።

10ስለዙይ ንኽብሪ ስም ኢየሱስ፥ ኵሉ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ብርኪ፥ ምእንቲ ኽምብርከኽ፥

11ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣብ ከዓ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ ኸም ዝኾነ፥ ኵሉ ኣንደበት ክምስክር እዩ።

12እምበኣርከስ፥ ኣቱም ፍቑራተይ፥ ከምቲ ዅልሻዕ ተኣዘዝቲ ዝነበርኩም፥ ሕዚ ኸዓ ኣብ ቅድመይ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ኣውራ እኳ ደኣ ብድሕረይ፥ ብፍርሓትን ብራዕድን፥ ናይ ርእስኹም ድሕነት ንምፍፃም፥ ተጊህኹም ስርሑ።

13ምእንቲ ሰናይ ፍቓዱ ኢሉ፥ ክትደልዩን ክትገብሩን ኣባኻትኩም ዝሰርሕ፥ እግዚኣብሄር እዩሞ።

14ንዅሉ ብዘይ ምጕርምራምን ብዘይ ምትህልላኽን ግበርዎ።

15እዙይ እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ማእኸል እዛ ቐይናንን ጠዋይን ትውልዲ እዚኣ፥ ጕድለት ዘይብሎም ንፁሃትን፥ ነቐፋ ዘይብሎም ውሉድ እግዚኣብሄርን ኴንኩም፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ፥ ከም ብርሃናት ክትበርሁ ኢኹም።

16እዙይ ከዓ፥ ነቲ ቓል ህይወት ኣፅኒዕኹም እንተ ሒዝኩምዎ እዩ፤ በታ ክርስቶስ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ ኸዓ፥ ብኸንቱ ስለ ዘይጐየኹን ስለ ዘይፀዓርኩን ክምካሕ እየ።

17ግናኸ ኣብቲ ናይ እምነትኩም መስዋእትን ኣገልግሎትን፥ እንተ ተሰዋእኹ ደስ ይብለኒ፤ ምስ ኵልኻትኩምውን እሕጐስ ኣለኹ።

18ንስኻትኩምውን ከምኡ ደስ ይበልኩም፤ ምሳይውን ተሓጐሱ።

19ሃለዋትኩም ሰሚዐ፥ ኣነውን ክሕጐስን ደስ ክብለንን፥ ንጢሞቴዎስ ቀልጢፈ ናባኻትኩም ክልእኾ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ተስፋ እገብር ኣለኹ።

20ንፅቡቕኩም ዝሓልን ዝግደስን፥ ካልእ ከምኡ ዝበለ የብለይንሞ።

21ኵላቶም ጥቕሚ ርእሶም እምበር፥ ብናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣይግደሱን እዮም።

22ጢሞቴዎስ ግና ውሉድ ነቦኡ ኸም ዝእዘዝ፥ ምሳይ ኮይኑ ንወንጌል ብምግልጋል፥ ብቕዓቱ ኸም ዘርኣየ ትፈልጡ ኢኹም።

23እምበኣር ኵነታተይ ሪአ፥ ንእኡ ብቕልጡፍ ክሰደልኩም ተስፋ እገብር ኣለኹ።

24ኣነ ባዕለይውን፥ ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ኽመፅእ፥ ብጐይታ ተስፋ እገብር ኣለኹ።

25ነቲ ሓወይ፥ መሳርሕተይ፥ ምሳይ ዝተሰለፈ ናይ ክርስቶስ ወታደር ብምዃን ከዓ ብፃየይ፥ ብዘድልየኒ ኽድግፈኒ ዝለኣኽኩምዎ ኣፍሮዲጡውን፥ መሊሰ ኽልእኸልኩም ግዲ ኾይኑ ተርእዩኒ ኣሎ።

26ንሱ ብዙሕ ናፊቑኩም ኣሎ፤ ምሕማሙ ኸም ዝሰማዕኹም ስለ ዝፈለጠ ኸዓ፥ ተጨኒቑ ኣሎ።

27ብርግፅ ሓሚሙ ናብ ሞት ቀሪቡ ነይሩ፤ እግዚኣብሄር ግና ራህርሀሉ፤ ሓዘን ኣብ ልዕሊ ሓዘን ምእንቲ ኸይውሰኸኒ፥ ንኣይውን እዩ እምበር፥ ንእኡ ጥራሕ ኣይኮነን ዝራህርሀሉ።

28ስለዙይ መሊስኩም ምስ ረአኹምዎ ምእንቲ ኽትሕጐሱ፥ ሓዘነይውን ምእንቲ ኽቐልል፥ ቀልጢፈ እሰዶ ኣለኹ።

29እምበኣር ብጐይታ፥ ብምሉእ ታሕጓስ ተቐበልዎ። ነዞም ከምዚኣቶም ዝመሰሉ ሰባትውን፥ ኣኽብርዎም።

30ንኣይ እትገብርዎ ኣገልግሎትኩም ምእንቲ ኽምልእ፥ ብዛዕባ ስራሕ ክርስቶስ፥ ነፍሱ ንሞት ኣሕሊፉ ኽሳዕ ምሃብ፥ በፂሑ ነይሩ እዩ እሞ።

ትርጓሜ

2:1-4 እዚ ድማ ናብ ክርስትያናዊ ግቡኣት ዚኸውን ተወሳኺ ምዕዳት እዩ፤ ከም ትእምርቲ ጐይታና የሱስ ድማ ሓደ ሓሳብ ንምዃንን ትሕትና ንምሕዝንን። ሕያውነት ሕጊ መንግስቲ ክርስቶስ እዩ፣ ትምህርቲ ቤት ትምህርቱ፡ ማሕተም ስድራቤቱ ድማ እዩ። ብዙሓት ምኽንያታት ንፍቕሪ ኣሕዋት ተጠቒሶም ኣለዉ። ምሕረት ኣምላኽ ንዓኻትኩም ከም ዝበጽሓኩም እንተ ትደልዩ ወይ እንተ ትረኽቡ፡ ንሓድሕድኩም መሓርቲ ኩኑ። ሰባት ሓደ ሓሳብ ኰይኖም ክርእዩ ሓጐስ ኣገልገልቲ እዩ። ክርስቶስ ንዓና ከትሕተና መጸ፣ ኣብ ማእከልና መንፈስ ትዕቢት ኣይሃሉ እምበኣር። ኣብ ገዛእ ስሕተታትና ተሪርና ክንከውን ይግባእ፣ ንገዛእ ጉድለታትና ንምርኣይ ድማ ቅልጡፋት ክንከውን፤ ንኻልኦት ግን ምስትውዓል ንምግባር ድሉዋት ክንከውን ኣሎና። ንኻልኦት ብሕያውነት ክንከናኸን ይግባእ፣ ግን ኣብ ጉዳያት ካልኦት ሰባት ዘይግባእ ጣልቃ ክንኣቱ የብልናን። ውሽጣዊ ይኹን ግዳማዊ ሰላም ድማ ብዘይ ትሕትና ልቢ ክረኸብ ኣይከኣልን እዩ።

2:5-11 ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብነት ቅድሜና ተነቢሩ ኣሎ። ካብ ሞቱ ረብሓ ንምርካብ እንተድኣ ደሊና፡ ብሂወቱ ኸምኡ ኽንከውን ይግብኣና። ክልተ ባህርያት ክርስቶስ ኣስተብህለሉ፡ ሰማያዊ ባህርዩን ሰብኣዊ ባህርዩን። ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ኮይኑ፡ ከም ዘለኣለማዊን ሓደ-ወዲ ኣምላኽን፡ ዮሃ 1:1፡ ብሰማያዊ ባህርይ ዝተኻፈሎ፡ ምስ ኣምላኽ ማዕረ ምዃንን ካብ ሰብኣዊያን ሰማያዊ ኣምልኾ ምቕባልን ቅንጸላ ጌሩ ኣይሓሰቦን። ሰብኣዊ ባህርዩ፡ ኣብዚ ብዘይካ ሓጢኣት ብኹሉ ከምዚ ንሕና ኾይኑ። በዚ ዝተሓተ መገዲ፡ ብፍቓዱ፡ ካብቲ ቅድሚ ዓለም ምስ ኣቦ ዝነበሮ ክብሪ ወረደ።

ክልተ ኣቀማምጣታት ክርስቶስ፡ ምምእዛዝን ምልዕዓልን፡ ተጠቒሶም ኣለዉ። ክርስቶስ ኣብኡ ናይ ሰብ መልክዕን ኣሰራርሓን ወይ ቅርጽን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ ዝተሓተ ኩነታት ሰብ፡ ብኽብሪ ዘይተገሊጹ፡ ተወጥዐ። ብምሉኡ ሂወቱ፡ ናይ ድኽነትን መከራን ሂወት ነበረ። ግን እቲ ዝወረደሉ ዝባራኹ ደረጃ፡ ሞት መስቀል ምሟቱ ነበረ። ሞት ገበነኛን ባርያን፡ ንህዝባዊ ጽልእን ንዕቀትን ተቓልዐ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በክርስቶስም አንዳች ምክር ቢሆን፥ የፍቅር መጽናናት ቢሆን፥ የመንፈስ ኅብረት ቢሆን፥ ምሕረትና ርኅራኄ ቢሆኑ፥ ደስታዬን ፈጽሙልኝ፤ አማርኛ ENGNIV If you have any encouragement from being united with Christ, if any comfort from his love, if any fellowship with the S… English GAZBIB Egaa karaa Kristos wal gorsuun, jaalala isaatiin wal jajjabeessuun, karaa hafuura qulqulluu tokkummaa qabaachuun, gara-… Afaan Oromoo BCV GIZ ወእምከመ ሀለወ ኀቤክሙ ይእዜ ፍሥሓ በክርስቶስ አው ዘይናዝዝ ልበ በተፋቅሮ፣ አው ዘይሳተፍ በመንፈስ፣ አው በምሒር ወተሣህሎ። giz GAZGAZ Egaa karaa Kristos wal gorsuun, jaalala isaatiin wal jajjabeessuun, karaa hafuura qulqulluu tokkummaa qabaachuun, gara-… Afaan Oromoo BCV aksum እምበኣር ናይ ክርስቶስ ብምዃንኩም፥ ምትብባዕ እንተ ሃልዩኩም፥ ናይ ፍቕሪ ምፅንናዕ እንተ ሃልዩኩም፥ ምስ መንፈስ ቅዱስ ሕብረት እንተ ሃልዩኩም፥ ለውሃትን ርህራሀን እንተ ሃልዩኩም፥ ትግርኛ AMHNIV ከክርስቶስ ጋር ካላችሁ አንድነት የተነሣ የትኛውም መበረታታት፣ ከፍቅር የሆነ መጽናናት፣ የመንፈስ ኅብረት፣ ምሕረትና ርኅራኄ ካላችሁ፣ አማርኛ SWAHSUV Basi ikiwako faraja yo yote katika Kristo, yakiwako matulizo yo yote ya mapenzi, ukiwako ushirika wo wote wa Roho, ikiw… Kiswahili