ፊልጲ 1

BCV aksumትግርኛ30 ፍቕድታት4:46 ስማዕ
ስማዕ 4:46 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣገልገልቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾኑ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን፥ ናብቶም ኣብ ፊልጵስዩስ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዉ ዅሎም ቅዱሳን፥ ምስ ኤጲስ ቆጶሳትን(ሀ) ዲያቆናትን።

2ናይ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።

3ኵልሻዕ ንኣኻትኩም ክዝክር እንተለኹ፥ ንኣምላኸይ አመስግኖ።

4ኣብ ኵሉ ፀሎተይ፥ ምእንቲ ዅልኻትኩም ብሓጐስ እፅሊ ኣለኹ።

5ካብ መጀመርታ ኽሳዕ ሕዚ፥ ኣብ ስብከት ወንጌል ተሓባበርቲ ስለ ዝኾንኩም፥ ንእግዚኣብሄር አመስግኖ ኣለኹ።

6እቲ ኣብ ህይወትኩም ሰናይ ግብሪ ዝጀመረ እግዚኣብሄር፥ ክሳዕ እታ ክርስቶስ ኢየሱስ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ፥ ከም ዝፍፅሞ ተረዲአ ኣለኹሞ።

7ኵልኻትኩም ኣብ ልበይ ስለ ዘለኹም፥ ብዛዕባ ዅልኻትኩም ክሓስብ ግቡእ እዩ። ተኣሲረ እንተለኹ ኾነ፥ ንወንጌል ክምስርታን ክማጐተላን እንተለኹ፥ ንስኻትኩም ኵልኻትኩም፥ ኣብዝ ፀጋ እዙይ መኻፍልተይ ኢኹምሞ።

8ብፍቕሪ ክርስቶስ ኢየሱስ፥ ንዅልኻትኩም ከመይ ገይረ ኸም ዝናፍቐኩም፥ እግዚኣብሄር ምስክረይ እዩ።

9ፍቕርኹም፥ ብዅሉ ፍልጠትን ምስትውዓልን፥ ብዝበለፀ እናበዝሐ ምእንቲ ክኸይድ እፅሊ ኣለኹ።

10እዙይውን ነቲ ዝበለፀ መርሚርኩም ክትፈልጡ፥ በታ ክርስቶስ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ፥ ንፁሃትን ነቐፋ ዘይብልኩምን ኴንኹም ምእንቲ ኽትርከቡ፥

11ንኽብሪ እግዚኣብሄርን ንውዳሴኡን ከዓ፥ በቲ ኻብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ፥ ፍረ ፅድቂ ምእንቲ ኽትምልኡ፥ እፅሊ ኣለኹ።

12ኣቱም ኣሕዋተይ፥ እቲ ኵሉ ዝበፅሐኒ ነገር፥ ንምስፍሕፋሕ ወንጌል የመና ኸም ዝጠቅም፥ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ።(ለ)

13ስለዙይውን፥ ምእንቲ ክርስቶስ ተኣሲረ ኸም ዘለኹ፥ በቶም ቤተ መንግስቲ ዝሕልዉ ወታደራትን፥ በቶም ኵሎም ካልኦትን ተፈሊጡ ኣሎ።

14ዝበዝሑ ኻብቶም ኣሕዋት ድማ፥ ብምኽንያት ምእሳረይ ኣብ ጐይታ ፀንዑ፤ ብዘይ ፍርሓት፥ ቃል እግዚኣብሄር ንምንጋርውን፥ ካብ ቅድም ዝበለፀ ትብዓት ረኸቡ።

15ገሊኣቶም ብቕንእን ብባእስን፥ ገሊኣቶም ግና ብሰናይ ፈቓድ፥ ንክርስቶስ ይሰብክዎ ኣለዉ።

16እዞም ዳሕረዎት፥ ንወንጌል ስለ ዝተማጐትኩላ ኸም ዝተኣሰርኩ ፈሊጦም፥ ብፍቕሪ ይሰብኩ ኣለዉ።

17እቶም ቀዳሞት ግና፥ ኣብ ርእሲ ምእሳረይ፥ ተወሳኺ መከራ ኸምፅኡለይ ደልዮም፥ ብቕንዕና ዘይኮነስ፥ ብሻራ ብዛዕባ ክርስቶስ ይሰብኩ ኣለዉ።

18ይኹን ደኣ እምበር፥ እንተስ ብተንኰል እንተስ ብቕንዕና፥ ብዝኾነ መንገዲ፥ ክርስቶስ ይስበኽ ኣሎ፤ በዙይ ድማ እሕጐስ ኣለኹ።

19ገናውን ክሕጐስ እየ፤ እዝ ተግባር እዙይ፥ ብፀሎትኩምን ብረድኤት መንፈስ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ንድሕነተይ ከም ዝኸውን እፈልጥ እየሞ፥

20እዙይ ሃረርታይን ተስፋይን እዩሞ፥ ብምንም ኣይሓፍርን እየ። ሕዚ እውን እንተ ኾነ፥ ከምቲ ዅልሻዕ፥ እንተስ ብህይወት እንተስ ብሞት፥ ንክርስቶስ ብስጋይ ከኽብሮ እየ።

21ንኣይ ህይወት ማለት ክርስቶስ እዩ፤ ሙማት ድማ፥ ረብሓይ እዩ እሞ።

22ብህይወት እንተ ደኣ ኽነብር ኮይነ፥ ገና ፍረ ዘለዎ ስራሕ ኣለኒ ማለት እዩ። ነየናይ ከም ዝመርፅ ግና፥ ኣይፈልጥን እየ።

23በዘን ክልተ ነገራት እዚኣተን እጭነቕ ኣለኹ፤ ብዝበለፀ ዝሕሸኒ ስለ ዝኾነ ግና፥ ካብዙይ ተፈልየ ምስ ክርስቶስ ክኸውን ሃረርታይ እዩ።

24እንተ ኾነ ግና ብህይወት ምፅናሐይ፥ ንኣኻትኩም ኣድላዪ እዩ።

25በዙይ ብምትእምማን፥ ብእምነት ክትዓብዩን ክትሕጐሱን፥ ብህይወት ፀኒሐ ምሳኻትኩም ከም ዝኸውን፥ ተረዲአ ኣለኹ።

26መሊሰ ናባኻትኩም ምስ መፃእኹ፥ ብኣይ ምኽንያት ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኩም ሓጐስ ክበዝሐልኩም እዩ።

27ክሪአኩም እንተ መፃእኹ ወይ ኣብ ርሑቕ እንተለኹ፥ ብሓደ መንፈስ ፀኒዕኹም፥ ምእንቲ እምነት ወንጌል፥ ብሓደ ልቢ ትጋደሉ ምህላውኩም ምእንቲ ኽሰምዕ፥ ኣካይዳኹም ንወንጌል ክርስቶስ ዝበቅዕ ይኹን።

28በቶም ዝቃወሙኹም ኣይትደንግፁ፤ እዙይ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝኾነ፥ ንኣኣቶም ናይ ጥፍኣት፥ ንኣኻትኩም ግና ናይ ድሕነት፥ ርኡይ ምልክት እዩ እሞ።

29እቲ ተውሂቡኩም ዘሎ ፀጋ ኸዓ፥ ብእኡ ኽትኣምኑ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ምእንታኡውን መከራ ኽትቅበሉ እዩ።

30ስለዙይ ናይቲ ኣባይ ዝረአኹምዎ፥ ሕዚ እውን ኣባይ ከም ዘሎ እትሰምዕዎ ዘለኹም፥ ገድሊ ይበፅሐኩም ኣሎ።

ትርጓሜ

1:1-7 እቲ ዝኸበደ ክብሪ ናይቶም ዝበለጹ ኣገልገልቲ፡ ኣገልገልቲ ክርስቶስ ምዃን እዩ። እቶም ኣብ ምድሪ ብሓቂ ቅዱሳን ዘይኮኑ ድማ፡ ፈጺሞም ኣብ ሰማይ ቅዱሳን ኣይክኾኑን እዮም። ካብ ክርስቶስ ወጻኢ፡ እቶም ዝበለጹ ቅዱሳን ሓጥኣን እዮም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ደው ክብሉ ኣይክእሉን እዮም። ብዘይ ጸጋ፡ ሰላም የለን። ውሽጣዊ ሰላም ካብ ስምዒት መለኮታዊ ሞገስ ዝብገስ እዩ። ጸጋን ሰላምን ድማ፡ ካብ ኣምላኽ ኣቦና፡ ምንጪን መበገሲን ኩሉ በረኸትን እንተ ዘይኮይኑ የለን። ኣብ ፊልጲ እቲ ሃዋርያ ብኽፉእ ተሰኒዩ፡ ውሑድ ፍረ ስርሑ ርእዩ እኳ እንተኾነ፡ ግናኸ ንፊልጲ ብሓጎስ ይዝክራ እዩ። ንሕና ረብሓ እናረኸብና፡ ኣምላኽ ድማ ክብሪ እናተቐበለ፡ ስለ ጸጋታትን ምጽንናዕን፡ ውህበታትን ረብሓን ናይ ካልኦት ንኣምላኽና ከነመስግኖ ይግብኣና እዩ። ስራሕ ጸጋ ክሳዕ መዓልቲ የሱስ ክርስቶስ፡ መዓልቲ ምግላጹ፡ ፍጹም ኣይክኸውንን እዩ። ግናኸ ኩሉ ሳዕ ኣምላኽ ጽቡቕ ስርሑ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ነፍሲ ብሓዳስ ልደት ብሓቂ ዝጀመሮ፡ ክፍጽሞ ምዃኑ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። ኣብ ግዳማዊ ገጽታታት ወይ ድማ ኣብ ካልእ ዘይኮነስ፡ ኣብ ሓድሽ ምፍጣር ናብ ቅድስና ጥራይ ክንተኣማመን ይግብኣና። ሰባት ብኣገልግሎት ኣገልገልቶም ረብሓ ምስ ረኸቡ፡ ፍቑራት እዮም። ብዛዕባ ዕዮ ኣምላኽ መወዳድርቲ ስቓይ ዝኾኑ ድማ፡ ንሓድሕዶም ፍቑራት ክኾኑ ይግብኦም።

1:8-11 እቶም ክርስቶስ ዝፈትዎምን ዝድንግጸሎምን ነፍሳት ንሕና ድማ ኣይንፍቅሮምን ኣይንድንግጸሎምንዶ? ኣብ ዝኾነ ይኹን ጸጋ ዝበዝሖም፣ ዝያዳ ክበዝሕዎ የድልዮም እዩ። ዝተፈላለዩ ነገራት ፍተኑ፣ እቶም ግሩሃት ነገራት ምእንቲ ኽንሓሪ። ሓቅታትን ሕግታትን ክርስቶስ ግሩሃት እዮም፣ ንዝኾነት ትኩረት ዘለዋ ኣእምሮ ድማ ከምኡኦም ምዃኖም የርእያ። ቕንዕና ኣብ ዓለም ንዘሎ ኣነባብራና ክሕብሮ ዝግባእ እዩ፣ ንኹለን ጸጋታትና ድማ ክብረን እዩ። ክርስትያናት ቀልጢፎም ቕይሚ ክወስዱ የብሎምን፣ ንኣምላኽ ወይ ንኣሕዋቶም ከየስሕቱ ድማ ኣዝዮም ክጥንቀቑ ይግባእ። ንኣምላኽ ዝበለጸ ክብሪ ዝህቡ ነገራት፣ ንኣና ድማ ዝበለጸ ረብሓ ይህቡና። ኣባና ጽቡቕ ፍረ ይርከብዶ ኣይርከብን ዝብል፣ ብጥርጣረ ክንገድፎ የብልናን። ሒደት ዝኾነ ፍቕሪ ክርስትና፣ ፍልጠት፣ ወይ ፍርያት ንዝኾነ ይኹን ከዕግብ የብሉን።

1:12-20

ሃዋርያ ኣብ ሮሜ እሱር ነበረ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG የኢየሱስ ክርስቶስ ባሪያዎች የሆኑ ጳውሎስና ጢሞቴዎስ በፊልጵስዩስ ለሚኖሩ ከኤጲስ ቆጶሳትና ከዲያቆናት ጋር በክርስቶስ ኢየሱስ ላሉት ቅዱሳን ሁሉ፤ አማርኛ ENGNIV Paul and Timothy, servants of Christ Jesus, To all the saints in Christ Jesus at Philippi, together with the overseers … English BCV ኣገልገልቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾኑ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን፥ ናብቶም ኣብ ፊልጵስዩስ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዉ ዅሎም ቅዱሳን፥ ምስ ኤጲስ ቆጶሳትን(ሀ) ዲያቆናትን። ትግርኛ GAZBIB Nuyi Phaawulosii fi Ximotewos hojjetoonni Kristos Yesus, gara warra karaa Kristos Yesus Waaqayyoof qulqullaa'anii manda… Afaan Oromoo BCV GIZ እምጳውሎስ ወጢሞቴዎስ አግብርተ ኢየሱስ ክርስቶስ ለኵሎሙ ቅዱሳን እለ ተቀደሱ በኢየሱስ ክርስቶስ እለ ሀለዉ ፊልጵስዩስ ምስለ ቀሳውስት ወዲያቆናት። giz GAZGAZ Nuyi Phaawulosii fi Ximotewos hojjetoonni Kristos Yesus, gara warra karaa Kristos Yesus Waaqayyoof qulqullaa'anii manda… Afaan Oromoo AMHNIV የክርስቶስ ኢየሱስ አገልጋዮች የሆኑ ጳውሎስና ጢሞቴዎስ፤ ከቤተ ክርስቲያን ኤጲስ ቆጶሳትና ከዲያቆናት ጋር በፊልጵስዩስ ላሉ በክርስቶስ ኢየሱስ ቅዱሳን ለሆኑ ሁሉ፤ አማርኛ SWAHSUV Paulo na Timotheo, watumwa wa Kristo Yesu, kwa watakatifu wote katika Kristo Yesu, walioko Filipi, pamoja na maaskofu Kiswahili